ድለ

ር.ሊ.ጳ ናብ ድንግል ማርያም እንክጽልዩ ር.ሊ.ጳ ናብ ድንግል ማርያም እንክጽልዩ  

ኣብ መንጎ ባህልታት ዘተን ሕውነትን ንምድንፋዕ ድንግል ማርያም ተድሊ! ር.ሊ.ጳ

ኩለን ጳጳሳዊ ኣካዳሚ ዓመት ዓመት ኣብ ዝገብሮኦ ጉባኤ ኤክስ ኤኵዎ ዝብል ሽልማት ንብሉጽ መጽናዕቲ ትምህርቲ ንባበ መለኮት እውን ስለዝዕድሉ ንሎምዘመን መበል 24 ጉባኤኡ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ መልእኽቲ ከምዝሰደዱን ኤክስ ኤኲዎ ሽልማት ንካረም ሎፐስ ካልደሮንን ኣባ ዮኑ ካታለን ብሊዳርን ከምዝሃቡ ተመልኪቱ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ መኽፈቲ መልእኽቶም ኣካደሚ ብዓንዲ ርእሱ ንምንታይ ከምዘገልግሎ ጳጳሳዊ ምስ ኮነ ኸኣ ልዑል ሓላፍነት ከምዝጽበዮ ከምዚ ክብሉ ጽሒፎም።

ኣካደሚ ፍልጠት ኣገልግሎት ዝኾነሉ ቦታ እዩ። ምኽንያቱ ከኣ ብዘይካቲ ካብ ምትሕብባር ዝውለድን ካብ ምድግጋፍ ዝዕምብብን  ፍልጠት ሓቀኛን ኩለንትናውን ሰብኣዊ ምዕብልና የለን። ኣካደሚ ኣብ ኩሉ ሜዳ ብሓባር ትጐዓዘሉን እትሰርሓሉን ተመኲሮ እትለዋወጠሉን እዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ናይ ስብከተወንጌል ሓይሊ እውን እዩ። በዚ ከኣ ንቤተክርስትያንን ንተልእኮኣን ይምልከት።

ቅዱስነቶም ነዘን ቃላት እዚኦም ነቲ ጉባኤ መሪሖም ዘወሃሃዱ ዘለው ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ጽሒሮም። ንሎምዘመን መሪሕነት ናይዚ ጉባኤ ዝሓዘ ጳጳሳዊ ዓለምለኸ ማርያማዊ ኣካደሚ ኰይኑ በዚ ኣጋጣሚ ከኣ መበል 60 ዓመት ምሥረታኡ እውን ይዝክር ኣሎ። ከምዝዝከር እዚ ኣካደሚ እዚ ዕለት 8 ታሕሳስ 1959 ዓም ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 እዩ ዝተመሥረተ።

ድንግል ማርያም ኣርኣያ ትምህርቲ ሰብኣውነት ዝኾነት ቤተክርስትያን!

ቅዱስነቶም ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምሥረታ ማርያማዊ ኣካዳሚ እውን ብምዝካር ‘ማርያም ኣብ መንጎ ባህልታት ጐደና ሰላም’ ብዝብል ስፍሕ ዝበለ ሓሳብ ብምቅራብ ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እኖና ድንግል ማርያም ዘለዎ ኣኽብሮን ዝሃብዋ ቦታትን ዘስተምሃርዎን እውን ምዝካር ከምዘድሊ እውን ምዒዶም።

“ዘስካሕክሕ ተመክሮ ክልተ ውግኣት ዓለም ንር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ኣብ ፍልሠታ እኖና ድንግል ማርያም ነዚ ኣብ ዘመኖም ብሽቊረራን ፍርህን ተዋሒጡ ዝነበረ ዘመደ ኣዳም ሽግ ሰላም ንምርኣይ ደፊእዎም። ነዚ ስዒቡ ከኣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ነታ መምህር ዘመደ ኣዳም ዝኾነ ቤተክርስትያን ኣብነታ ኣደ ጐይታ ማርያም ምዃና ክዕዘብ ክኢሉ ከመይ ናይ ደቂሰብ ዓምቚ ሃረርታ ልቢ እትገልግል ንሳ ስለዝኾነት ኢሎም።”

ተስፋ ንዝኾነ ጭንቀት የሸንፍ!

ንካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተኸቲሎም ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ መንጎ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያምን ኣመንትን ዘሎ ምትእስሳር ብዓቢ ኣድናቆትን ንጥፈትን ይገልጹ። ከምዚ ሕጂ ዘሎናዮ ኣብቲ ዘመን ጭንቀት ተጻዒንዎ ብብሕትውና ተዋሒጡ ንዝነበረ ዘመደ ኣዳም እንኮ መድሓኒቱ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ተስፋ ኣብ ልዕሊ ጭንቀት ሰላም ከኣ ኣብ ልዕሊ ዝነበሮ ሓርጐጽጐጽ ከምዘሸንፉ ሰላምውን ርግጸኛን ራእይ ከምእተወፊ ገሊጾም።

“ዓወት ተስፋ ኣብ ልዕሊ ጭንቀት ውህደት ኣብ ልዕሊ ብሕትውና ሰላም ኣብ ልዕሊ ዕግርግር ሓጐስ ኣብ ሎሊ ሓዘን ጽባቄ ኣብ ልዕሊ ክፍኣት ዘለዓለማውነት ኣብ ግዝያውን ሓላፍን ሕይወት ኣብ ልዕሊ ሞት ኣረጋጊጻ።”

ኣብ ዘጓንፈና ዘየላቡ ግድላትና ንማርያም ንዓድም!

ታሪኽ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብሰፊሑ ታሪኽ ድንቅ ሥራሕ እኖና ድንግል ማርያም ንምባል ዘድፍር ብኣካል ዝተዋሳኣትሉ ዘመነ ሥልጣን ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እውን ምስ መልእኽታት ፋጢማ ብምትሕሓዝስ ይኹን ኣብ ድሕነት ዘመደ ኣዳም ንዘበርከተቶ ንምስትንታን ኣደ መድሓኒ ብዝብል ሰፊሕ ኣስተፍምሮ ቀሪቡ። ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ‘ኣደ መድሓኒ ንዘመደ ኣዳም ሓዲስ ርክብ ንምፍጣርን ሕውነቱ ዳግም ንምርካብን ኣብሪሃ በዚኤን ከኣ ናብ ቤተክርስትያንን ኣብ ሓዲስ ሚለንዩም ናብ ዓለም ከም እንኣቱ ዝገብሩና ጐደናታት ይረኽቡ` ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ህላዌ ድንግል ማርያም ኣብ ዓለምና ብርሃን ብዛዕባ ምጽናዕን ምስትንታንን ከኣ ዘተን ምቅርራብን ከምዝፈጥር ኣመልኪቶም።

እዚ ኩሉ ጻዕሪ ዘመልክቶ ጉዳይ እንተልዮ ትምህርቲ ነገረ ማርያም ኣብ መንጎ ባህልታት ዘተ ንክብሉን ሕውነትን ሰላምን ንኽዕንብብን ኣድላዪ ምዃኑ እዩም ኢሎም።

ሽልማት ጳጳሳዊ ኣካደሚ!

ኣብዚ ዓመት እዚ ኤክስ ኤኵዎ ዝብል ሽልማት ጳጳሳዊ ኣካዳሚ ስለ እቲ ዝገበርዎ ኣስተዋጽኦ ኣብ መጽናዕቲ ትምህርቲ ንባበ መለኮትን ዝደረስዎ ጽሑፋትን  ንካረም ሎፐስ ካልደሮንን ኣባ ዮኑ ካታለን ብሊዳርን ከምዝዕደል ብምግላጽ መልእኽቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

05 December 2019, 15:57