2019.04.03 ር.ሊ.ጳ ንኣካለ ስንኩላን ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ 2019.04.03 ር.ሊ.ጳ ንኣካለ ስንኩላን ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ  

ንዓለምና ሰብኣውነት ነልብስ ንክብሪ ኣካለ ስንኩላ ነውሕስ! ር.ሊ.ጳ

ካብ 1992 ዓምፈ ጀሚሩ ዓመት መጸ ዕለት 3 ታሕሳስ ተዘኪሩ ንዝውዕል ዓለምለኸ ዕለተ ስንኩላን ምኽንያት ብምግባር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ መልእኽቲ ከምዝጸሓፉን ‘ንኣካለ ስንኩላን ከም ካልኣይ ዜጋ ናይ ምርኣይ ኣተሓሳስባ ነወግድ። ነፍሲወከፍ ንሓባራዊ ሠናይ ነገር እጃሙ ከበርክት ይኽእል እዩ’ ብማለት ኣተሓሳስባና ክንልውጥ ኣዘካኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ዓለምለኸ ዕለት ኣካለ ስንኩላን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣካለ ስንኩላን ኣብ ሕብረተሰብ ንክሳተፉ ንምድጋፎምን መሰሎም ንምሕላው ንምጉስጓስን ተባሂሉ ብ1992 ዓምፈ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቆመ ዕለት ኮይኑ ዓመት መጸ ዕለት 3 ታሕሳስ ክዝከር ተወሲኑ።

ቅዱስነቶም ንሎምዘመን ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ‘ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓውናን ሓፍትናን ህላዌ ክርስቶስ ኣሎ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ወንጌሉ ነዞም ናኣሽቱ ኣሕዋተይ ዝገበርኩምዎ ንዓይ ኢኹም ገርክምዎ ክብል የረጋግጾ። ሎሚ ከም ሎሚ ግን ባህሊ ናይ ምውጋን መኽሰብ ንዘይብሉ ኩሉ ናይ ምጉሓፍ ኣመል ስለዘጥረና ንብዙሓት ዝሰንከሉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክነጓኒ ንርከብ። በዚ ተግባርና ከኣ ብዙሓት ዝተገለሉ ኮይኑ ይስምዖም ናብ መን ከምዘብሉ እውን ይጠኦም። ስለዚ ንመሰላት ኣካለ ስንኩላንን ስድራ ቤቶምን ክንሕሉ ግድን እዩ። ኰይኑ ግን ነዛ እንነብረላ ዓለም ሰብኣውነት ንክነልብሳ ነቲ ኩሉ ናይዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን መሰል ዝዕንቅፍ ቅድሜ ኩነታዊ ፍርድታት ኣሊና ኣብ ኩሉ ቦታታት ክበጽሑ ምእንቲ ክኽእሉ ንኣኦም ብዝምችእ ኣገባብ ንመንባብሮኦም ከኣ ንወዲሰብ ዝግባእ ናብራ ክኸውን ምሕጋዞም የድሊ` እንክብሉ ኣተሓሳስባና ለዊጥና ሕይወት ስንኩላን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ትርጉም ክነልብሶ አእጃምና ክነበርክት ኣዘኻኺሮም። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ክብሪ ወዲሰብ ንሓሙሽተ ሕዋሳት ካብ ምጥቃም ኣይኮነን’ ኢሎም።

ክብሪ ወዲሰብ ሓሙሽተ ሕዋሳት ካብ ምጥቃም ኣይኮነን!

ምልኣት ኣካላትን ሕዋሳትን ጽቡቕን ተመራጽን እኳ እንተኾነ ክብረት ወዲሰብ መሰል ወዲሰብ ግን ካብኡ ኣይኮነን። ነፍሲወከፍ ሰብ ንውልቁ ብርቅን ዝተፈልየን ኰይኑ ክድገም ዘይከኣል ንሓንሳእን ንወትሩን ዝውንና መንነትን ክብርን ኣለዎ። ነዚ መሰረት ብምግባር ቅዱስነቶም ነፍሲወከፍና ንዝኸማና ሰብ ምናዳ ናይ ኣካል ስንክልና ንዘለዎ ብሰብኣዊ ክብረት እናቀባእና ካብ ምጉናዮምን ምውሳኖምን ክንጥቀቅ ከምዚ ብምግባርና ከኣ ‘እዞም ጸገም ዘለዎም ኣሕዋትናን ኣሓትና ኣብ ሲቪላዊ ማሕበርናን ናብራናን ከምኡ እውን ኣብ ቤተክርስትያን ንጡፍ ተሳትፎ ይህልዎም’ ኢሎም። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ግን ንኩሉ ዝሓዘ ክኸውን የድሊ ከመይ ሎሚ ከም ሎሚ ተክኖሎጅን ካልእ ምዕባሌን ስለዘሎ ነዚ እውን ኩሉ ሰብ ብማዕረ ዝግልገለሉ መንገዲ ምምሃዝ ንዝኾነ ዝግበር መደባትና ከኣ ጉዳይ ናይዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ከምዘለዎ ገሊጾም።

“ንክብሪ ደቂ ሰብ ንምግላጽ ከኣ ቅዱስነቶም ብኩሉ ኩሉ ጥዑይ ኰንካ ንሓሙሽቲኤን ሕዋሳት ካብ ምጥቃም ዘይኮነስ ኩልና ንዝኸማና ሰባት ምናዳ ኸኣ ምስ ከቢድ ጸገም ስንክልና ንዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምንም ክብሪ ክጐድሎም ከምዘይብሉ እኳ ደኣ ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ናይ ሕይወትና ፍሉይ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎም ከከም ኩነታቶም ክነሳትፎም ኣሎና። ሌላ ጉሌላ ምግባር ሓፈሻዊ ማሕበራዊ ሓጢኣት ምዃኑ ንዘክር ኢሎም።”

ኣድልዎ ወይ ብሌላ ጉሌላ ምፍልላይ ማሕበራዊ ሓጢኣት እዩ።

ዘሎናዮ ናይ ሃልኪ ዘመን ንኩሉ ብዓይኒ ጥቅሚ ስለዝምልከት ከይተረደኣና ንሕይወት ሰባት ደረጃታት ብምሃብ ቀዳሞትን ካልኦትን ኢልና ንሰባት ናይ ምፍራጅ ባህሊ ስለዘጥረና ነዚ ዝኸውን ጸረ ክትባት ክነጥሪ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም ንሰባት ከምዚ ኢልካ ኣብ ዘድልዩን ዘየድልዩን ቀዳሞትን ካልኦትን ኢልካ ምጉጅጃል ማሕበራ ሓጢኣት እዩ ኢሎም። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ ንዝመሃረና ይጻረር። ከምኡ እውን ኣብ መብዛሕትኤን በዚ ቃል ወንጌልን ሰብኣውነትን ዝምርሓ ኣካለ ስንኩላን ማዕረ መሰልን ክብርን ዝለበሱ ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ኩሉ ዘመደ ኣዳም ምዃኖም ስለዘረጋግጹ ኢሎም። ኰይኑ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ገገዛና ጅሆ ዝሓዝናዮም እውን ስለዘለው ነፍስና ንሕከኽ ኢሎም።

ብሕቡእ ጅሆ ዝተታሕዙ ኣሕዋትን ኣሓትን!

ቅዱስነቶም ናብ ናብራናን ገዛውትናን ምልስ ክንብል ይዕድሙ እሞ ኣብ ገዛውትና ብዙሓት ብሕቡእ ጅሆ ዝተታሕዙ ከምዘለው ምናዳ ናብ ዝሸምገሉ ሰባት ብምምልካት

“ዕድመ ጸጊቦም ከምኡ እውን ስንክልና ኣጥቂዕዎም ኣብ ገዛውትና ዘለው ሽማግለታት ሓንሳእ ሓንሳእ ከም ጾር ከም ጸገም ብምምልካት ክብረቶም ኣይንሕሉን። ዳርጋ እቲ ናይ ምጉሓፍ ወይ ምግላል ባህሊ ዝበልናዮ ኣጥቂዑና ከኣ ንመጻኢኦም ከምዘይሓስቡን ምንም ኣበርክቶ ከምዘይብሎምን ገሚትና ዳርጋ ከም ቅሙጥ ኣቅሓ ከይንመልከቶምን ከይንዝንግዕን ሓደራ ኢሎም። ንመጻኢኦም ኣብ ምህናጽ ዝግበር ከይዲ ከምዝሳተፉ ንግበር ኢሎም። ነዚ ኩሉ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ የድሊ።”

ለውጢ ኣተሓሳስባ!

ዓለምና ብሓፈሻ ሕግታትን ውሳኔታትን ኣብ ምትሕልላፍ ዘርከባ የለን። ኰይኑ ግን እዚ ንበይኑ እኹል ኣይኮነን። ወሳኒ ኣተሓሳስባ ስለዝኾነ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ የድሊ። ኣብዚ ዓመታት እዚ ብዙሕ ኣዋጃት ጸዲቑ እንተኾነ እቲ ንኩሉ ዘቈናጽብ ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ክንዮ ዝኾነ ኣካላዊ መኸላእታ ካልእ እውን ከም በዓል ትምህርቲ ንኩሉ ሥራሕ ንኩሉ ዝብል ተሳትፎ ናይ ኩሎም ዝሓቱ ጉዳያት እውን ከም ዝግባእ ኣብ ግብሪ ሰለዘይረኣዩ ምሕዳስ ኣተሓሳስባን ጠመተን ሎሚ እውን ካብቲ ቀንዲ ክነተኩረሉ ዘሎና ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ምትብባዕ ር.ሊ.ጳ1

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእጣ ንኩሎም ምስ ኣካለ ስንኩላን ዝሰርሑ ሰባት ንምትብባዕ ነዚ ኣገዳሲ ኣገልግሎትን ሓላፍነትን ብዓቢ ናህሪ ክቅጽልዎ ብምትሕስሳብ እዚ ተግባር እዚ ናይ ሓንቲ ሃገር ምዕባሌ ስለዝኾነ ኣብ ጸሎት ከምዝዝክርዎም ገሊጾም። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ እግዚኣአብሔር ኣቦ ቈላሕታ ከይፍለዮን በዚ ከኣ ምሉእ ክብረቱን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ክብሪ ሕይወቱን ክርድኦ ጸሎተይ እዩ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
03 December 2019, 14:54