ኣስለዅቲ እምነት ብምዃን ብሓቂ መባዂዕቲ ቊምስናታትና ኰንኩም! ር.ሊ.ጳ ንማሕበረ ፊሊፒን ኣብ ሮማ

ካብ ፍሊፒንስ ብሥራሕን ካልእ ምኽንያታትን ኣብ ሮማ ዝነብሩ ማሕበረ ክርስትያን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ ዝመርሖ ቅዳሴ ተሳቲፎም። ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ‘ኣብ ትረክቡለን ኩለን ቊምስናታት መባዅዕቲ እምነት ኩኑ በዚ ከኣ ነቲ ምልክት መንግሥቲ እግዚአብሔር ዝኾነ ውህደት ኣብ ብዙሑነት ህነጹ’ ኢሎምዎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ካብ ነዊሕ ዓመታት ካብ ፊሊፒንስ ዝመጸ ኣብ ሮማ ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩን ኣብ ሮማ ተወሊዶም ዝዓበዩን ብዙሓት እንክህልው ትማሊ ሰንበት ኣብ ቅዳሴ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ልዕሊ 7500 ከምዝነበሩ ተመልኪቱ።

ቅዱስነቶም እዞም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ሮማ ዝርከቡ ብሓቂ ኣመንቲ ጥራይ ዘይኮኑ ነቲ እምነት ኣስሊኾም ናብ ካልኦት እውን ብምትሕልላፎም ‘ናይ እምነት ኮንትሮባንዳ ምዃን ቀጽልዎ ከመይ ንስኹም ንቊምስናታትና መባዅዕቲ ኢኹም` ኢሎሞም።

ንምእመናን ፊንሊፒን ኣብ ሮማ ዘገልግሉ ካህን ንቅዱስነቶም ኣብ ዘመስገኑሉ ነቲ ኣስለዅቲ እምነት ወይውን ኮንትሮባንዳ እምነት ንዝበልዎ እወ ሓቂ እዩ ንሕና ኣብ ዝኸድናዮ ናይ እምነት ቀንዴልን ቅዱስ ወንጌልን ሒዝና ስለ እንኸይድ ሓቅኹም ኢኹም ነዛ ቅድሚ 500 ዓመታት ብሰበኽቲ ወንጌል ዝተቀበልናያ ከምዘሎ ዓቂብና ናብ ኩሉ ነብጽሖ ኣሎና ኢሎም።

ኣብ ሮማን ዞባኣን ልዕሊ 43 ሺሕ ደቂ ፊሊፒንስ ኣለው!

ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ኣብ ሮማን ከባብን ንዝነብሩ ደቂ ሃገር ፍሊፒንስ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝቀደሱ እንክምልከት ኣብ ሮማን ከባቢ ዞባን ልዕሊ 43 ሺሕ እንክርከቡ ብልማዶም ታስዕቲ ልደት ዝሰናደውሉ ካብ ሳልሳይ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት ክሳብ ልደት ንትሽዓተ መዓልቲ ዝግበር ብሲምባንግ ጋቢ ዝፍለጥ ጸሎት ታስዕቲ ይጅምሩ። ነዚ ከኣ ምስ ር.ሊ.ጳ ብምጅማሮም ዓቢ ሓጐስ ከምዝፈጠረሎም ይገልጹ።

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ብምጽኣት ጐይታ ተሓጒሱ ንዝብል መንቀሊ ብምግባር እዚ ምጽኣት እዚ ከኣ ንኩልና ምናዳ ኸኣ ነቶም ድኹማትን ተኣፈፍትን ወገን ዘመደ ኣዳም ፍሉይ ርሕራሔ ንድኻታት ከኣ ዓቢ ምጽንናዕ ከምዝኾነ ገሊጾም።

ፍሉይ ቆላሕታ እግዚአብሔር ኣብ ጽጉማት!

ናይ ዕለቱ መዝሙረ ዳዊት እውን ከምታ ቀዳመይቲ ንባብን ወንጌልን ዝብሎ እግዚኣአብሔር እሙን ከምዝኾነ ብምግላጽ ‘ንጥቑዓት ፍትሒ ዜውጽኣሎም፣ ንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም ንሱ እዩ፣ እግዚኣብሄር ንእሱራት ይፈትሖም።እግዚኣብሄር ነዒንቲ ዕውራት ይኸፍተን፣ እግዚኣብሄር ንዝደነኑ የቕንዖም፣ እግዚኣብሄር ንጻድቃን የፍቅሮም፣እግዚኣብሄር ንስደተኛታት የዕቊቦም፣ እግዚኣብሄር ንዘኽታምን መበለትን ይአልዮም፣’ (145/6) ይብል።

ቅዱስነቶም ነዚኦም በብሓደ ይዝርዝሩ እሞ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ንኣርድእቲ ዮሓንስ መጥምቅ ክነግርዎ ዝለኣኾም ዕውራት ዓይኖም እንክበርህን ሓንካሳትን ለምጻማትን ክሓውዩን ክነጽሑን ጸማማት ክሰምዑን ምውታን ክትንሥኡን ወንጌል ንድኻታት እንክብሰርን ዝገለጾ ብጭብጢ ዘድሕን ፍቅሪ እግዚአብሔር ይገልጽ።

[ ናይ መንግሥቲ እግዚኣአብሔር ህልውና ዝገልጹ ምልክታትከስ እዚኦም እዮም። መለኸት ምንፋሕ ወይውን ወታሃዳራዊ ምርኢት ዓወትን ፍርድን ኩነኔን ሓጢኣተኛታት ኣይኮነን እንታይ ደኣ ሓርነት ካብ ግዝኣት ክፍኣትን ብሥራት ምሕረትን ሰላምን እዩ። ] 

ንሕናኸስ መጋበሪ ምሕረት እግዚአብሔር ነቶም ዝተረስዑ ኢና!

እቲ ብትንቢት ኣማኑኤል ዝብል ስም ዝተዋህቦ እግዚኣአብሔር ምሳና ኣብ ማእከልና ዝገልጽ ምሥጢረ ሥጋዌኸስ ንሕዝቡ ምናዳ ነቶም ዝተረስዑ ናኣሽቱን ተኣፈፍትን ፍጡራቱ ምልክት ህልውና መንግሥቱ ይገብሮም።

ማሕበረሰብና ዘጓነዮምን ኣብ ወሰን ዘስፈሮምን ብዙሓት ስለዘለው ንጐይታ ንተኣምር ልደቱ ዳግም ክውን ክገብሮ ከምቲ ዓመት ዓመት ንልምኖ ንለምኖ እሞ ንሕና ንባዕልና ቀዳሞት መጋበርቲ መሓሪ ዝኾኑ ፍቅሩ ነቶም ድሕሪ ኩሎም ንዘለው ንኹን እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

16 December 2019, 15:19