ዘመነ ምጽኣት ካብ ድቃስ ሸለልትነት ፍቅሪ ብጻይ እንበራበረሉ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ናይ 2019-2020 ሓዲስ ዘመነ ምጽኣት ሰንበት ዕለት 1 ታሕሳስ 2019 ጀሚራ። ቅ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ምስ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምዕራጎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ‘ውግእን ግጭትን ንዘምጽኡ ጐዳናታት ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ነወግድ። ዘመነ ምጽኣት ነዚ ይዕድመና’ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ንምጽኣት ጐይታ ተሰናዲና ክንጸንሕ ዝዕድም ካብ ወንጌለ ማቴ 24.37 ‘ከምቲ ብዘመን ኖኅ ዝወረደ ምጽኣት ወዲሰብ ከኣ ኸምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብእድሚ ማይኣይኂ ዝነበረ ቕንያት ክሳብታ ኖኅ ኣብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ኪበልዑን ኪሰትዩን ከውስቡን ኪውሰቡን ዝጸንሑ እሞ ማይ ኣይኂ መጺኡ ንዅሉ ዜጥፍእ ዘይፈለጡ ምጽኣት ወድሰብ ከኣ ኸምኡ ኪኸውን እዩ’ ዝብል ነበረ።

እዚ ክፍሊ ወንጌል እዚ ሽሕ’ኳ ንካልኣይ ምጽኣት ዘዘኻኽር እንተኾነ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ዘዘኻኽርዎ ወትሩ ንጐይታ ክንረክብ ሃረር ክንብል ምናዳ ኸኣ ኣብዚ ዘመነ ምጽኣት ነቲ መንገድታት እግዚአብሔር ክሕብረና ዝመጽእ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንክንቅንበል ዘሰናድወና ኅሩይ ግዜ እዩ ኢሎም።

“ተሰናዲኻ ምጽናዕ ማለት ብንዋታዊ መንገዲ ዓይንኻ ኣፍጢጥካ ምጽባይ ኣይኮነን ዝመልክት እንታይ ደኣ ነጻ ዝኾነ ልቢ ወኒንካ ናብቲ ቅኑዕ ኣንፈት ክተተኩር እሞ ንወፈያ ገዛእ ርእስኻን ንኣገልግሎትን ስንድው ምዃን እዩ ዘመልክት። እዚ እዩ ነቂሕካ ምጽባይ ማለት! ካብቲ ሸሚሙ ሑዙና ዘሎ ናይ እንታይ ገደሰኒ ሸለልትነት ፍቅሪ ብጻይ ከንቱነት ሓቀኛን ቅኑዕን ርክብን ምትእስሳርን ካብ ምፍጣር ዓንቂጹ ሒዙና ዘሎ እሞ ነቶም ዝሓመሙን ዝተጸገሙን በይኖም ዝተረፉን ኣሕዋትና ከይንበጽሖም ኣሲሩ ካብ ሒዙና ዘሎ ድቃስ ምብርባር እዩ። ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ እንጽበየሉ ግዜኸስ ነዚ ብምግባር ንቅሓትና ንግለጽ ኢሎም።”

ትጽቢት ብዙሕ ግዜ ሃንደበትነት እውን ስለዝውንን ጐይታ ክመጸና እንከሎ ምናልባት ከምቲ ንጽበዮን ንሓስቦ ዘይክኸውን ይኽእል ስለዚ ንሃንደበትነት ጐይታ ስንድዋት ክንከው። ሕያዋይን ሩሕሩሕን ስለዝኾነ ከኣ ሃንደበትነቱ ወትሩ ንሠናይና ምዃኑ ተገንዚብና ከምቲ ቃሉ ንኣኡ ብኣካል ኣብ ድኻታትን ጽጉማትን ጭኑቃትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንረኽቦ ስለእንኽል ነቲ ኣማኑኤል እግዚኣአብሔር ምሳና ዝኾነ ከምቲ ወትሩ ዝገብሮ ኣብ ማእከልና ስለዘሎ በዚ ምሩጽ ግዜ ንሥራሕ።

ትርጉምን ዕላማን ናብ ዝኾነ ክርቶስ ብምትእምማን ንገስግስ!

ዘመነ ምጽኣት ኣርባዕተ ሳምንታት ዝሓዘ ኰይኑ ንልደት መሰናደዊ ዝኾኑ ካብ ብሉይን ሓዲስን ኪዳን ከምኡ እውን ካብ ትምህርተ ኣበው ዝተፈላለየ ኣስተንትኖ ዝቀርበሉን መላእ ቤተ ክርስትያን ብፍሉይ ሱባኤ እትጸንሓሉ ፍሉይ ናይ ሱባኤ ግዜ እዩ። ኰይኑ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም ናይ ግዜ ጐይታን ፈጣርን ዝኾነ ጐይታ ዕለት ዕለት ክርኽበና ስለዝመጽእ ነዛ ርግጽነት እዚኣ ሒዝና ብምትእምማን ናብኡ ንመልክት ከምቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ቀድማይ ንባብ ትንቢት ኢሳያስ 2.2-4 ‘ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም፡ ኣብ ልዕሊ ዂድዂዶታት ድማ ልዕል ኪብል፡ ኲሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም። ሕጊ ኻብ ጽዮን፡ ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ እሞ፡ ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ፡ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር፡ ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ፡ ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና፡ ብመገድታቱ ክንመላለስ ኢና፡ ድማ ኪብሉ እዮም።  ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኪፈርድ፡ ንብዙሓት ህዝብታትውን ኪዳንዮም እዩ፡’ ዝብሎ እቲ ሓቀኛ ከረን ሓቀኛ ቤተመቅደስ ኣምላኽ ዝኾነ ክርስቶስ ድሕሪ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምሉእ ብምሉኡ ስለዝተገልጸን ንኩሉ ከኣ ናባኡ ስለዝስሕብን ናብኡ ነተኲር ብምሉእ ምትእምማን ከኣ ናብዚ ትርጉምን ፍጻሜን ታሪኽ ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገጽና ንገስግስ ኢሎም።

ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል መንገድታት ኣፍቅሮ ርእስ ውግእን ግጭትን ይወልዱ!

ቅዱስነቶም ናይ ዘመንና ዝዓበየ ጸገም ኣፍቅሮ ርእስ ወይውን ንዓይ ይጥዓመኒ ብዛዕባ ካልእ ምንም ኣይዓጠንን ዝብል ጥቅሚ ገዛእ ርእስኻን ምቾትን ጥራይ ናይ ምድላይ ሕማም ከምዝኾነ ምንጪ ኩሉ ናይ ግዜና ውግእን ግጭትን ከኣ እዚ ከምዝኾነ ገሊጾም።

“ንጽድቂ ዝጠምዩን ዝጸምኡን ንጐዳናታት ጐይታ ብምስዓብ ጥራይ እዮም ነዛ ጽድቂ ክረኽብዋ ዝኽእሉ። ኰይኑ ግን ክፍኣተ ግብርን ሓጢኣትን ካበይ ምዃኑዶ ክነግረኩም ካብቶም ንግላዊ ረብሓ ብምቅዳም ንርእሰይ ንጉጅለይ ይጥዓም እምበር ዝብሉ ግለሰባትን ማሕበራትን ኰይኑ ፍረኦም ከኣ ውግእን ግጭትን እዩ ኢሎም።”

ኣብነት ናይ ንቅሓትን ሓለዋን ዝኾነት ኣደና ኣደ ተስፋ ድንግል ማርያም ስለዝኾነት ናብ ፍቁር ወዳ ገጽና ብምትኳር ናብኡ ክንግስግስ ትደግፈናን ትምረሓናን ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔር ምስ ደገሙ ኣማስያኡ ናብቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ንፈለማ ግዜ በዓቲ ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበረላ ከተማ ግረቾ ክበጽሑ ምዃኖምን ትርጉም በዓቲ ልደት እትግለጽ ናብ ኩልና እትለኣኽ ሓጻር መልእኽቲ ኸኣ ኣብኡ ክታሞም ከምብሩላ ምዃኖም ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ ስለ ኢራቅ ክንጽሊ ሰላምን ስምምዕን ከውርደሎም ንጐይታ ንለምን ድሕሪ ቢሎም ከም ፍረ ናይ ዓሚ ሲንዶስ ኣበው ብዛዕባ መንእሰያትን ድሕረ ሲኖዶሳዊ ቃለ ምዕዳኖምን ብዓለምለኸ ደረጃ ኣማኻሪ ኣካል መንእሰያት ከምዘቆሙን እዞም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምና ዝተመርጹ 20 መንእሰያት ምስ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ምእመናን ሥድራቤትን ሕይወትን ብምዃን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት መንእሰያት ከደንፍዑ ምዃኖም ብምግላጽ ስለኦም ክጽለ ብምምሕጻን ተሰናበቱ።

ብምድምጺ ንምክትታል!
01 December 2019, 15:24