ር.ሊ.ጳ. ኣብ እስያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ር.ሊ.ጳ. ኣብ እስያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ እስያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥርስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ካብ ሃገረ ቫቲካን ወጻኢ ዕለት 14 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፈሳዊ ንግደት ከም ተኻታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንፈለማ ግዜ ዘካየድዎ ምብጻሕ

ከምቲ ልሙድ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓለም ለኻዊ ሓዋያርዊ መገሻ ቅድሚ ምንቃሎምን ኣብ ምምላሶምን ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ባዚሊካ ዘካይድዎ መፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም። ሎሚ ምሸት ብናይ መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሸውዓተ ምሸት ቅድሚ ምንቃሎም ሎሚ ንጐሆ ዕለት 19 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፈሳዊ ንግደት ከምዝፈጸሙን፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ፡ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞምን ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ድሕነት ሮማውያን ቅድስተ ማርያም ሓዋርያዊ መገሻኦምን ዝበጽሕወን ሃገራትን ሕዝበንን ነማላድነታ ከምዘወከፉን ኣብ ትርጋጽ እቲ ምስሊ እውን ቁኑን ዕንበባ ከምዘቐመጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥርስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ካብ ሃገረ ቫቲካን ወጻኢ ዕለት 14 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፈሳዊ ንግደት ከም ተኻታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንፈለማ ግዜ ዘካየድዎ ምብጻሕ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እዚ መንፈሳዊ ንግደት’ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዝፍጽምዎ ቅድሚ ምንቃሎም ኣብ ምምላሶምን ዝፍጽምዎ ኰይኑ ይቕጽል ከምዘሎን፡

ንኽብሪ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን

እቲ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያን ድሕነት ሮማውያን፡ ሕጻን ኢየሱስ ዝሓቖፈት ማርያም ዘርእይ ስምሊ ክኸውን እንከሎ፡ ብሰብ ኣይከኣልን እዩ፡ ብኣምላኽ ግና ኸምኡ ኣይኰነን ስለምንታይ ብኣምላኽ ኵሉ ነገር ይከኣል እዩ፡ ዝብል እምነት ዝምስክር ምስሊ ምዃኑን እዚ ቅዱስ ምስሊ’ዚ ብኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳትን ብኢየሱሳውያን ማሕበርን ዓቢይ ክብሪ ዝወሃቦ እዩ።

እታ ቅድስቲ ምስልን ኢየሱሳውያን ማሕበርን

ቅዱስ ኢግናዚዮስ መስራቲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ማዕርገ ክህነት ምስ ተቐበለ ናይ መጀመርያ ቅዳሴኡ እብ ቅድስተ ማርያም ዓባይ እዩ ዘዕረገ፡ ፒዮስ መበል 12 እውን ኣብ 1950 ዓ.ም. ብዘይ ሓጢኣት ኣዳም ተጸንሰት ዝብል ናይ እምነት ሃምነነ ምስ ኣወጁ ንኸመስግኑ ናብ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ባዚሊካ መንፈሳዊ ንግደት እዮም ዝፈጸሙ፡ ኣብ 2000 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንማርያም ድሕነት ሮማውያን ኣወኪፎም ከምዝነበሩን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ኣብቲ ኣብ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ብዚሊካ ኣብ እትርከብ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ምስሊ ትርጋጽ ብቐጻሊ ንእሽተይ መብራህቲ ክውላዕ ከምዝገበሩን እቲ መብራህቲ ክሳብ ሎሚ እውን ውሉዕ ኵይኑ ይቕጽል ኣሎ። ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጳጳስ ዘበሮማ መንፈሳውነት ጥብቂ ምትእስሳር ከምዘለዋ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪክ ማህደር የረጋግጾ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ እስያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ
19 November 2019, 16:03