ናይ ተለግራም መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጉዕዞ ነፋሪት ናብ ታይላንድ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጉዕዞ ነፋሪት ናብ ታይላንድ 

ናይ ተለግራም መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጉዕዞ ነፋሪት ናብ ታይላንድ

እዚ ምብጻሕ ናተይን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዘተባብዕን ግደ ዘለዎን ክኸውን እምነተይ እዩ

ዕለት 19 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ካብ ሮማ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሸውዓተ ከምዝነቐሉን ኣብዚ ጉዕዞ ነፋሪት ናይ በረራ ዶባተን ንዘቋረጹለን 13 ሃገራት መንግስታት ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንናይ ረፓሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላን ከምኡ እውን ንክሮኣዚያን ቦዝኒያ ኤርዘጎቪናን ሰርቢያን ሞንተነግሮን ቡልጋያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተልግራም መእኽቲ፡ ነዘን ዝተጠቕሳ ሃገራትን ሕዝበን ኣብ ጸሎቶም ዝኩራት ምዃነን ኣረጋጊጾም፡ ሰላምን ሓሴትን ምዕባለን ከምእተመነዩን፡ ተመሳሳሊ መእኽቲ እውን ናብ ቱርክን ኢራንን ኣፍጋኒስታንን ህንድን ምያንማርን ከምዘመሓላለፉ ራቪያርት ገሊጾም።

ር.ሊ.ጳ. ንጋዜጠይናታት፥ ናይተን ካብ ምዕራብ ዓለም ዝረሓቓ ሃገራት ባህሊ ክፍለጥ ግበሩ

Photogallery

ዕለት 19 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ
20 November 2019, 10:31