ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ሕዝቢ ጃፓን

ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ እቲ ኣዕናዊ ሓይሊ ዝዀነ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምጥቃም ዳግም ከይበራበር መታን ምሳዅም ሓቢረ እጽልይ፡ ምጥቃም ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኢግብረ ገባዊ ተግባር እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በቲ ካብ ዕለት 23 ሕዳር ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን ብዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ምኽንያት ሎሚ ዕለት 18 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ናብ ህዝብን ሃገን ጃፓን፥ ፈጺሙ እቲ ኣዕናዊ ሓይሊ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዳግም ከይለዓዓል እጽልይ፡ ዝብል ጸሎት ዘማእከለ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን፡ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምጥቃም ኢግብረ ገባዊ ተግባር እዩ ቢሎም፡ ሕይወት ንምክልኻልን ንውሑስን ነባርን ሰላምን ምትጋህ የድሊ፡ ነቲ ጭቡጥ ዝዀነ ሰላም ብትብዓት ምክንኻን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ካብብ ዕለት 19 ክሳ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ከካዱ ምዃኖም ቅድም ክብል ከምእተሓበረ ይዝክር፡ ናይቲ ኣብ ጃፓን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል፡ ሕይወት ብምልኣት ምክልኻ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሎሚ እውን ዝርአይ ዘሎ ንሰላማዊ ሕልና ስግኣት ኵሉ ንምብዳህ ምሉእ ብምሉእ ናይ ህይወት ክብሪ ምክልኻል ዘለዎ ኣገዳስነት ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ ጃፓን ውግእ ዘስዓቦ ህልቂት ዘኪሮም ጸረ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝብል ሓሳብ ከምዘቃልሑ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበ፡

ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ እቲ ኣዕናዊ ሓይሊ ዝዀነ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምጥቃም ዳግም ከይበራበር መታን ምሳዅም ሓቢረ እጽልይ፡ ምጥቃም ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኢግብረ ገባዊ ተግባር እዩ

ንድሕሪት ዘይብል ነባሪ ሰላም ውሑስ መታን ክኸውን አተባብዕ

ቢሎም፡ ምግምማዕ ንምስናፍን ኣኽብሮት ሰብኣዊ ክብሪ ንምንቕቓሕን ናይ ኣሕዛብ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ንምቕዳምን ናይ ዘተን ሕውነትን ባህሊ ብፍላይ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ናይ ሃይማኖታት ባህሊ ኣገዳሲ እዩ፡

እቲ ምብጻሕ ናተይ ናብቲ ውሑስን ነባርን ዝዀነ ዘየደሓሕር ንሰላም ዘሰንይ ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ርክብን ዘተባብዓኩም ክኸውን እምነተይ እዩ፡ ሰላም ጭቡጥ ክኸውን እንከሎ ምድሕሓር ከይሁሉ ብምሉእ ዓቕምኻን ሓልኻን ጸኒዕኻ ኢኻ ትሕብሕቦ፡

ናይ ሓባር ቤትና ዝጽንብር ሕይወት ናይ ምክልኻል ዕላማ ምብርታዕ

ሕይወት ምክልኻል ማለት ፍጥረ ምክልኻል ማለት እዩ፡ እቲ ንጃፓን መለለይኣ ዝዀነ ናይ ተፈጥሮ ጽባቔ ዘድንቑ ቅዱስነቶም ሕይወት ምክልኻል ዝብል ጻዕሪ ፍጥረት ዝጽንብር ክኸውን ከምዘለዎ እውን ኣተሓሳሲቦም፡ ነቶም ኣብ ጃፓን ንዘካይድዎ ምብጻሕ ክኡል ክኸውን ዝጸዓሩን ንምእንጋዶም ዝገብር ዘሎ ምቅራብን ኵሉ ንዘሳልጡን ጸሎቶም ከምዘረጋገጹ ገሊጸን፡ እቲ ኣብ ጃፓን ምስ ሕዝቢ ብሓባር ዘሕልፍዎ እዋን ናይ ተስፋን ብጸጋን ሓሴት ሃብታም ከዝኸውን እምነተይ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ሕዝቢ ጃፓን
18 November 2019, 16:35