ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስቲያን ምስተን ዝቖሰላ ኣባይቲ ስድራ ሓቢራ ትሳቐይ፡ ሰብ ሓዳር ልኡካነ ወንጌል ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስቲያን ምስተን ዝቖሰላ ኣባይቲ ስድራ ሓቢራ ትሳቐይ፡ ሰብ ሓዳር ልኡካነ ወንጌል  

ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስቲያን ምስተን ዝቖሰላ ኣባይቲ ስድራ ሓቢራ ትሳቐይ፡ ሰብ ሓዳር ልኡካነ ወንጌል

ቤተ ክርስቲያን ምስቶም ዝቖሰሉ ሰብ ሓዳር ዝነብርዎ ጭቡጥ ኩነት ክትራኸብን፡ ምስኦም ሓቢራ እትነብዕን እትሳቐይን ክትከውን እዩ ዝግባእ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብቲ ናይቲ ብኩሪያ ሮማና ዝጸውዕ ናይ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዘጠቓልሎም መዋቕራት ሓደ ዝዀነ ፍልዩ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ንዝተሳተፉ 400 ተጋባእያን ተቐቢሎም፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅልውላው ንዝርከቡ ሰብ ሓዳር ቀረባን ብስነ ኣባይቲ ጽሕፈት ኣገባብ ጥራሕ ጉዳዮም ዝረኣየሉ ስፍራ እውን ኣይኰነን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ከቢድ ዘሳቕይ ኵነት ዝርከቡ ሰብ ሓዳር ዝነብሮ ስቓይ ቤተ ክርስቲያን ከምዘይትርእዮ ኰይና ክትሓልፎ ዝከኣላ እይኰነን፡ ዝበሉ ቅዱስነቶም ነቲ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣብ ክልተ ሓሳብ ኣተኵይሮም፡ ብሓደ ሸነኽ ኣብ ቅድሚ ኣቝሳል ሰብ ሓዳር ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣደኣዊ ጐድና ብምርግጋጽ በቲ ሓደ ሸንኽ ከኣ ክርስቲያናዊ ተኽሊል ምስ ምእዋጅ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ዝተጣምረ እዩ፡ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን በዚ መንፈስ እዚ ተሓዲሳ ማሕበረሰን ናይ ልኡካነ ወንጌል ኣባይቲ ስድራ ክትከውንን፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያናዊ መክብብን ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ኣብ ምልላይን ማእከል ክኸውን ኣለዎ።

ቤተ ክርስቲያን ገጻ ከዊላ ኣትሓልፍ ክይትኸውን

ቅድስነቶም ነቶም ተጋባእያን ቃለ ምዕዳን ቅድሚ ምልጋሶም ዘረባ ዘስምዑ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያ ፍልዩ ቤት ፍርዲ ሊቀ ደያኑ ብፁዕ ኣቡነ ፒዮ ቪቶ ፒንቶ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታ፡ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ሕንጸት ክንክን ምስጢረ ተኽሊልን ንዝቖሰለ ሓዳር ዝሓልይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ከምዝነበረ ገሊጾምን፡ እቶም ኣብቲ ዓውደ ሕንጸት እውን ኣስተምህሮ ዘቕረቡ ዘመላኸትዎ ቅዉም ሓሳብ ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም፥ ሰብ ሓዳርን ምስጢረ ተክሊልን ብስነ ቤት ጽሕፈታዊ ናይ ኣሰራርሓ ሜላ ጥራሕ እትምልከቶ ጉዳይ ክኸውን የብሉን፡ ስለዚህ ናብታ ዝቖሰለት ስድራ ቤት ቁስሊ ምእታው የድሊ፡ ኣካላውን ቀልባውን ከባብያውን ባህላውን መጉዳእቲ ዘህልው ቁስሊ እዩ፡ ልቢ ንፍቕሪ ዕጽው ዝገብር፡ … ነዚ ስድራ ቤታዊ ቁስሊ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ሕቖኣ ክትህበሉን ገጻ ከዊላ እትሓልፎ ጉዳይ ክኸውን ከምዘይብሉ ከመላኽቱ እነከለዉ፥

ቤተ ክርስቲያን ምስቶም ዝቖሰሉ ሰብ ሓዳር ዝነብርዎ ጭቡጥ ኩነት ክትራኸብን፡ ምስኦም ሓቢራ እትነብዕን እትሳቐይን ክትከውን እዩ ዝግባእ፡ ብመጸናንዒ ቅብኣ ቅዱስ ቀሪባ ነቑሳል እቶም ሰብ ሓዳር ትፍውስን ናይቶም ሰብ ሓዳር ጾር ናታ ትገብር፡ ኣስዒባ እውን ከይወገነት ንሰብ ሓዳር ዘቑሰለ እንታይ መንቀሊኡ ትምርምር … ስለዚህ ዘይምውጋን ክበሃል እንከሎ እቲ ስቓይ ናታ ዘይትገብርን ዘይስምዓን ትኽውን ማለት ኣይኰነን

ከምዝበሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

ነቲ ቤት ፍርዳዊ ኪደት ዝፍውስ መንፍስ ቅዱስ እዩ

እቲ ናይቶም ዝቖሰሉ ሰብ ሓዳር ጉዳይ ዝከታተል ቤት ፍርዲ ዘካይዶ መርመራ ሕገ ቀኖናን ሕግጋትን ዝኽተል እውን እንተዀነ፡ ወትሩ ናይቶም ዝቖሰሉ ሰባት ጥቕሚ ሓለፋ ዝብል እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ናይ ፍቕሮም ሓቅነቱን ንናይቶም ሰብ ሓዳር ቅኑዕን ሓሴት ድላያ ሸቶ ብምግባር እቲ እግዝኣብሔር ካብኦም ዝደልዮ ምልላይ ዝብል ክኸውን ከምዘለዎ ከመላኽቱ እንከለዉ፥

እቲ ናይቶም ሰብ ቃል ኪዳን ቁስሊ ዝምልከት ኪደት ዓውደ ፍርዲ ወይ ከኣ ክሂሎት፡ እቲ ክሂሎት ቤት ፍርዲ መንፈስ ቅዱስ መታን ክመርሖ ደያኑን እቲ ክሂሎት ብቐጥታ ዝምልከቶም ኣካላትን መሰኻኽርን ቅድም ቀዳድም ገዛእ ርእሶም ንመንፈስ ቅዱስ ከወክፉን ፡ ስለምታይ ሓደ ኪሂሎት ቀመራውን መን እዩ እቲ በዓል ምኽንያት ዝብል ዘይኰነ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ መንፈስ ቅዱስ እንተዘይመረሖ እቲ እንፍጽሞ ቤተ ክርስቲያናዊ ክኸውን ዘይሕሰብ እዩ፡

ከምዝበሉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፡ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ጳውሎስ ክርስቲያናዊ መርዓ እቲ ኣብ መንጐ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያን ብዘሎ ውህደት መሰረት ገይሩ ይገልጾ፡ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ገዛእ ርእሱ ክሳብ ብዝስዋእ ፍቕሪ ዝገልጾ፡ ክርስቲያናዊ መርዓ ናይ እምነት ጉዕዞ እዩ፡ ናይቶም ናይታ ዘቤታዊት ቤተ ክርስቲያን ዓንዲ ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ውሳጣዊ ውህደት ዝነብሩሉ ምዃኑ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳኖምን ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማው ስድራ ቤታዊ ጽምዲ ዘርእስታ ድሕረ ሲኖዶስ ሓዋያዊ ምዕዳንን ጠቒሶም ምስ ኣብርሁ፡ ጸዋዕታ ስድራ ቤት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ህያውን ዝዓይን ምዃኑ ምብሳር ዝብል ተልእዀ እዩ፡ ስለዚ ተልእኰ ሰብ ሓዳር እዚ ካብ ኰነ ገና ቅድሚ ምስጢረ ተኽሊል ሕጹያት እንከለዉ ብብቕዓት ክህነጹ ይግባእ ማለት ናብቲ ተልእዀ እቲ ዘሰንዮም ሕንጸት መታን ክረኽቡ፡

ከም ሰብ ሓዳር ኣብሰርቲ ወንጌል ንምዃን ዘሰናድው ሕንጸት፡ ኣብ ስድራ ቤታዊ ሕይወትን ኣብ ኣባይቲ ዕዮን ማሕበራዊ ሕይወትን ዝንበር ተልእዀን፡ ስድራ ቤት ናይ ጐይታ ኣካል ኣብ ምዃን ዘሎ ጽባቔ ዝምስከረሉ ስፍራ እዩ፡ እቲ ክርስቶስ ዘስተርኣዮ ሕይወትን ፍቕርን ዝግለጸሉ፡ እዚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝብሎ እዩ፡ ቅድም ቀዳድም ቃል እግዚኣብሔር ዘረጋግጾ እዩ።

ምስ በሉ ዕለት 13 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 18 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 3 ብዛዕባ ጵርስቅላን ኣቂላን ኣማእኪሎም ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ዘኪሮም፡ ኣባይቲ ሓዳር ናይ ማሕበረሰብ ቁምስናታት ሓዋርያዊት ዋህዮ ክዀኑ ምድጋፍ ከምዘድሊ ገሊጾም፡

እቲ ተዳምሮኣዊ ጸዓት ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ እዩ፡ ስለዚህ መንፈስ ቅዱስ ምጽላይ የድሊ፡ ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እውን ቀሊል ስለ ዘይኰነ፡ ጓሶትን ጳጳሳትን ካህናትን ኣብዚ ጐደና’ዚ ኣባይቲ ስድራ ንኸሰንዩን በዚ ኣገባብ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ተሓዲሳ ወንጌላዊ ምስክርነትን ተልእዀን ሰፊሕ ዝርጋሔ መረብት ስድራ ቤት ዝግለጸላ ክትከውን ተጊሆም ከገልግሉ ሓደራ፥

እንክብሉ ዝግለግዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ሓቢረን።

ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስቲያን ምስተን ዝቖሰላ ኣባይቲ ስድራ ሓቢራ ትሳቐይ፡ ሰብ ሓዳር ልኡካነ ወንጌል ይዅኑ

Photogallery

ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስቲያን ምስተን ዝቖሰላ ኣባይቲ ስድራ ሓቢራ ትሳቐይ፡ ሰብ ሓዳር ልኡካነ ወንጌል ይዅኑ
30 November 2019, 17:40