ር.ሊ.ጳ.፡ ምጥቃምን ምውናንን ኣቶማዊ ኣጽዋር ኢግብረ ገባዊ ተግባር እዩ ር.ሊ.ጳ.፡ ምጥቃምን ምውናንን ኣቶማዊ ኣጽዋር ኢግብረ ገባዊ ተግባር እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፡ ምጥቃምን ምውናንን ኣቶማዊ ኣጽዋር ኢግብረ ገባዊ ተግባር እዩ

ኑክለሳዊ ኢንዳስትሪ ምውናን እቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን ዝተኸስተ ርእሰ መሬትን ርእደ መሬት ማያት ባሕርን ናይ ፉኩሺማ ኣቶማዊ ማእከልን ዘጋጠመ ሓደጋን ክሳብ ክንደይ ስግኣት ምዃኑ የረጋግጸልና

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ካብ ዕለት 19 ሕዳር ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ዘካየድዎ መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋያዊ ዑደት ዛዚሞም ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ካብ ቶክዮ ናብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ምምላሶም ምስቶም ኣብቲ ሓዋርያዊ መገሻ ዘሰንይዎም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠይናታ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ተረኺቦም ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ዓለም ናይ ኑክለስ ማእከላት ክሳብ ዘሎ ሰላምን ጸጥታን ውሑስ ምግባር ብሓቂ ዘጠራጥር ምዃኑን ዝገለጽዎ ሓሳብን ከምኡ እውን ብዛዕባ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ መርመራ ኣብ ከይዲ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ገንዘብን ዝምልከቱ ነጥብታት መሰል ዘማእከሉ ንዝቐረበሎም ሕቶ ሰፊሕ መብርሂ ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊን ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣለሳንድሮ ጓራሺ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ቅድሚ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ነቶም ዘሰንይዎም ናይ ውሽጥን ወጻእን ሃገራት መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብቲ መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ስለ ዘሰነይዎምን ስለ እቲ ኵሉ ዝፈጸመዎ ኣገልግሎትን ኣመስጊኖም፡ ታይላንድን ጃፓንን ክልተ ዝተፈላለየ ክውንነት ዘለወን ሃገራት እያተን፡ እዚ ነቲ ምብጻሕ ኰነ ነቲ ናይቶም ጋዜጠይናታት ዕዮ ጽዑቕን ሰፊሕን ከምዝገብሮ ሓቢሮም፡ ምእንቲ ኣብዚ ጽዑቕን ሰፊሕን ምብጻሕ ዘርኣኹምዎ ሙያውን ሰብኣውን ብቕዓት ዝዓሰሎ ኣገልግሎትኩም አመስግን፡ ቀረባይ ምዃንኩም ይስምዓንን ቀረባኹም እውን ምንባረይ ከረጋግጸልኵም እፈቱ ኢሎም።

ኣባ ማኮቶ ያማሞቶ፥ ካቶሊክ ሺምቡም ናይ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ጋዜጠይና

ኣብ ጃፓን ኣብቲ ርሑቕ ክፍሊ ዓለም ምብጻሕ ምክንያድኩም ብልቢ አመስግን፡ ኣብ ከባቢ ናጋሳኪ ናይ እትርከብ ሰበኻ ካህን እየ፡ ኣብ ናጋሳኪን ሂሮሺማን ምብጻሕ ኣካይድኩም፡ እንታይ ተሰመዓኩም፡ ምዕራባዊት ቤተ ክርስቲያን ካብተን ኣብ ምስራቕ ዝርከብካ ኣቢያተ ክርስቲያን እንታይ ትመሃር ትብሉ?

lux ex Oriente, ex Occidente luxus - ብርሃን ካብ ምስራቕ በረቐ፡ ኣህላኽነት ካብ ምዕራብ ዓለም መጸ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ዓለም ዘሎ ጥበብ፡ ናይ ፍልጠት ጥራሕ ኣይኰነን፡ ናይ ግዜን ኣስተንትኖን ጥበብ እውን እዩ፡ ነቲ ርቡጽ ዝዀነ ምዕራባዊ ዓለም ኣስተንትኖ ዝምህርን፡ ብተመስጦ ገጣማዊ መንፈስ ነገራት ምምልካት ከምዘድሊ ዝሕብር እዩ። … እዚ ናይ ውልቀይ ርእይቶ እዩ፡ ብርግጽ ምዕራብ ዓለም እውን ገጣምነት መንፈስ ኣይጐደሎን፡ ይኹን ደኣ እምበር ምብራቕ ዓለም ክንየው ገጣምነት ዘብል እዩ፡ ምብራቕ ዓለም ደረት-ሰገርነት ክንየው ደረት-ነባሪነት ብዝብል ኣነባብራ ዝምራሕ እዩ፡ ብዙሓት ምስራቓውያ ሃይማኖታት ክሳብ ደረት ሰገርነት ደረት ነባሪነት ስለ ዝዛረባ፡ … ብጾምን ጽሞናን ኣስተንትኖን ክንየው ነባሪነት ምባል፡ እዚ መንፈስ’ዚ ንኣና ምዕራባውያን ኣብነት እዩ፡ ደው ክንብልን ከአስተንትንን መታን።

ናጋሳኪን ሂሮሺማን ክልእቲኣተን ከተማታት ግዳይ ኣቶማዊ ቦምቢ እያተን፡ እዚ ዘመሳስለን ተመክሮ እዩ፡ ናጋሳኪ ጥንታዊ ክርስትያናዊ ኣናስር ዘለዎ ከባቢ እዩ፡ ስደትን መከራን ዘጋጠሞን ሰማዕትነት ዝተነበረሉን። … ኣብ ጥንቲ፡ ኣብቲ ከባቢ ክርስቲያንን ካህንን ዝዀነ ረኺቡን ሒዙን ንሕጊ ዘቕርብ ጻማኡ ክረብ እዩ ዝብል ናይቲ እዋን መንግስቲ ዘመሓላለፍዎ ኣዋጅ ነይሩ እዩ፡ ስለዚህ እዚ ኸኣ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ዝነበረ ኣሳዶ ክሳብ ክንደይ ጽንኩር ምንባሩ ይሕብር፡ ኣብ ናጋሳኪ ኩነታት ብክርስቲያናዊ መንፈስ ተንብብ፡ ሂሮሺማ ግና ከም ናጋሳኪ ክርስቲያናዊት ከተማ ኣይኰነትን፡ ይኹን ደኣ እምበር ክልቴኣተን ከተማታት ኣደዳ ኣቶሚክ ቦምቢ እያተን፡ … ከቢድ መጥቃዕትን ዕንወትን ማህሰይትን ዘውርድ ቦምቢ ንምምሃዝ ዝግበር ስነ ምርምር፡ … ራብዓይ ውግእ ዓለም በባትርን ኣእማንን እዩ ዝብል ናይ ኣንስታይን ብሂል የዘኻኽረኒ።

ሺኒቺ ካዋራዳ፥ ኣሳሂ ሺምቡም ናይ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ልኡኽ

ከምቲ ዝበልክምዎም ነባሪ ሰላም ብዘይ ምርጋፍ ኣጽዋር ዝኽወን ኣይኰነ፡ ጃፓን ብናይ ሕቡራት መንስታት ኣመሪካ ኑክለሳዊ ኣጽዋር እትሕለው ሃገር እያ፡ ይኹን ደኣ እምበር ናይ ኑከሳዊ ጸዓት ተጠቃሚት ሃገር እውን እያ፡ ምጥቃም ኑክለሳዊ ጸዓት ስግኣትን ሓደገይናን እውን ምዃኑ እቲ ኣብ ፉኩሺማ ዘጋጠመ ሓደጋ  የረጋግጾ፡ ጃፓን ንምርግጋጽ ሰላም ኣብ ዓለም እንታይ ከተበርክት ትኽእል፡ እትጥቀመሉ ኑክለሳዊ ጸዓት ከተቋርጽ ዶ ይግብኣ?

ኑክለሳዊ ኢንዳስትሪ ምውናን እቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን ዝተኸስተ ርእሰ መሬትን ርእደ መሬት ማያት ባሕርን ናይ ፉኩሺማ ኣቶማዊ ማእከልን ዘጋጠመ ሓደጋን ክሳብ ክንደይ ስግኣት ምዃኑ የረጋግጸልና፡ … ኑክለሳዊ ማእከል ኰነ ኣጽዋር ዝወሓሶ ሰላምን ጸጥታን የልቦን፡ …. ኑክለሳዊ ማእከል ንናይ መውሃቢ ኣገልግሎት ጸዓት ንምጥቃም ዝብል ድላይ … ነቲ ዘጋጥም ሓደጋ ኑክለስ ምኽንያታዊ ክገብሮ ኣይክእል፡ ሓደጋ ከጋጥም ከምዘይክእል ዘረጋግጽ ውሕስነት የለን፡ ክህሉ እውን ዝኽእል ኣይመስለንን፡ እቲ ኣብ 1986 ዓ.ም. ኣብ ቸርኖብይል ኣብ ልዕሊ ናይ ኑክለይስ ማእክል ዝተኸስተ ሓደጋ ንዘክር፡ … እዚ ዓይነት ሓደጋ’ዚ ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ፡ ክሳብ ፍጥረት ዝህቦ ፍረ ዘይምጥቃም የብጽሕ፡ ስለዚህ ንዅሉ ጉዳኢ እዩ፡ ንሰብ ኰነ ንምህዳር እውን።

ኤሊዛቤታ ዙኒካ፥ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ክዮቶ

ኣካማዳ ይዎኣ፡ ንሞት ዝተፈርደ ጃፓናዊ እዩ፡ ዝተበየኖ ፍርዲ ዳግም ክረአየሉ ዝጽበይ ዘሎ እስረይና፡ ኣብቲ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዘዕረክግክምዎ ቅዳሴ እውን ዝተሳተፈ እዩ፡ ምሳኹም ብቐጥታ ክራኸብ ኣይከኣለን፡ ንኽትራኸብዎ መደብ ነይሩ ዶ? ኣብ ጃፓን ብዛዕባ ናይ ሞት ፍርዲ ብዙሕ ክትዕ ኣሎ፡ ድሕሪ እቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ትምህርተ ሃማኖት ሕዳሴ ኣብ ጃፓን 13 ገበነይናታት ብፍርዲ ሞት ተቐቲሎም እዮም። ኣብቲ ኣብ ጃፓን ኣብ ዘካይድክምዎ ምብጻሕ ብዛዕባ ናይ ሞት ፍርዲ ዝምልከት ሓሳብ ኣይተሰምዔን፡ ብዛዕባ ናይ ሞት ፍርዲ ምስ መራሔ መንግስቲ ሺንዞ ኣበ ተዘራሪብኩም ዶ?

ብዛዕባ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየኖ ዜጋ ዝበልክዮ ጉዳይ ደሓር እየ ዝሰማዕኩ፡ ምስ መራሔ መንግስቲ ኣበ ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳያት ኣየ ዝዘተዅ፡ ብሞትን ብዘይ ፍርዲ ሞትን ሞት ይፍታሕካ ብይናትን፡ እዚ ጸገም ኣብ ጃፓን ጥራሕ ዘሎ ኣይኰነን። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣባይቲ ማሕቡስ ብብዝሒ እስረይና ከዕለቕልቕ እዩ ዝረአይ፡ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ገበናት መቕጽዒ ሕጊ ጉዳይ ዝከታተል ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ኣባላት ኣብ ዘካይዶ መበል 20 ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዘኪሮም፡ ናይ ሞት ፍርዲ ዓለምና ካብ ገበን ናጻ ኣይገበረን፡ እዚ ጥራሕ ዘይኰነ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሞት ምፍራድ ገበን እዩ፡ ብዙሓት ናይ ፖለቲካ ኣካላት ንፖለቲካዊ ኣህላኽነት ዝጥቀምሉ ውሳኔ እውን እዩ፡ ገበነይና ንምድሓንን ንምእራምን ዳግም ተሓኒጹ ምስቲ ዝነበሮ ሕብረተሰብ ተዋሂዱ ንኽነብር ምድጋፍ የድሊ፡ ናይ ኣባይቲ ማሕቡስ ሸቶ ንሱ እዩ፡ ዝበደለ ተኣሪሙ ዝርእይ ተበዳሊ ካብ ሕነ ምፍዳይ ክርሕቕ ዝገብር እዩ፡ ሓጐስ ኣብ ምድሓን እምበር ኣብ ምቕታል ኣይኰነ፡ ጸረ ናይ ፍርዲ ሞት ኣነካይዶ ቃልሲ ክቕጽል ኣለዎ።

ዣን ማሪ ጕወንዮይስ፡  ለ ፊጋሮ ካብ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ

ነባርን ሓቀይና ሰላምን ኣብ ምርጋፍ ኣጽዋር እዩ ኢልኩም፡ ብዛዕባ መሰል ርእሰ ምክልኻል ደኣ እንታይ ክበሃል ይከኣል፡ ሓደ ሃገር ኣብ ልዕሊ ካልእ ሃገር ወረራ ድዩ መጥቃዕቲ ምስ ዘካይድ ከ? ቅኑዕ ውግእ ዝበሃል ኣመለኻኽታ ቦታ ይህልዎ ዶ? ብዛዕባ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ዝምልከት ዓዋዲ መልእኽቲ ንኽትደርሱ መደብ ኣለኵምዶ?

መደብን ውጥንን ናይ ዝመጽእ ዘሎ ር.ሊ.ጳ. እዩ ... ብዙሕ መደባት ብርግጽ ኣብ ዕጹው ሳጹን ኣሎኒ፡ ንኣብነት ብዛዕባ ሰላም ዝምልከት፡ ግዚኡን ሰዓቱን ምስ በጽሔ ከቕርቦ ተስፋ እገብር፡ ብዛዕባ ዓለቐይናነት ንኣብነት ብሓቂ ብዙሕ ክሕሰበሉ ዘለዎ ብሰፊሕ ዝርአይ ዘሎ ጉዳይ እዩ፡ ምስ መንእሰያት ጃፓን እውን ዝተዘራረብክሉ ጉዳይ እዩ፡ እዚ ኣርእስቲ’ዚ እውን ኣብ መደብ ሕንጸት ክፍጸም ኣለዎ፡ ዓለቐይናነት ዓመጽን ንዓመጽ እውን ዝምልከት ጸገም እዩ፡ ብዛዕባ ዘይጐነጻዊ ዓመጽ ዝዛረብ ዓዋዲ መልእኽቲ ክጽሕፍ ግዜኡ ዝብጽሔ ኣይመስለንን፡ ብዙሕ ክጽልይ እዩ ዘሎኒ።

Si vis pacem para bellum - ሰላም እትደልይ እንተድኣ ዄይናካ ንውግእ ተሰናደው፡ ዝብል ላቲናዊ ብሂል ኣሎ፡ ጸገም በጽዋር ውግእ ንምፍታሕ ዝብል ውሳኔ ብዙሓት ዳርጋ ኵለን ሃገራት ክበሃላ ይከኣል ብቕልጡፍ ዝሰማማዓሉ ጉዳይ እዩ፡ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውግእ ንኸይህልው ኣብ ዝጻወቶ መንጐይናነት ተልእዀኡ ብዙሕ እዩ ዝጐድል፡ ኣብቲ ውድብ ድምጺ ዝህባን ድምጺ ብድምጺ ውድቂ ናይ ምግባር መሰል ዘለወንን፡ ዝሓልፍ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ናይ ምግባር ፍሉይ መሰል ዘለወን ሃገራት ኣለዋ፡ እዚ ኣብ ላዕለዋይ ናይ ጸጥታን ደሕንነን ቤት ምኽሪ ውዱብ ሕቡራት መንስታት ዓለም ዘሎ ናይ መሰል ፍልልይ ክውገድ ዝብል ናይ ውልቀይ ርእይቶ ኣሎኒ፡ እዚ ምናልባት ውግእ ንኸይህሉ መፍትሒ ክኸውን ይኽእል፡ እቲ ኣዚዩ ዘገድስ እገዳ ምህርቲ ኣጽዋር ውግእን ውግእን ናይ ዘተ ባህሊ ምስፋሕን ንዘተን ርክባትን ሓላፋ ምሃብ እዩ ንኣብነት እቲ ኣብ መንጐ ኡክራይንን ራሻን ምርኰይናታት ንምልውዋጥ ዝተበጽሔ ዝምምዕ እወታዊ እዩ፡ ….

እቲ ዝኸፍኤ ምስሉይነት እዩ፡ ሰላም ኣናበልካ ቀንደይና ናይ ውግእ ኣጽዋር ኣተቕርብ ምዃን። ምዕራባውያን ክርስቲያን ሃገራት ብዛዕባ ሰላም እናተዛረበ ኣብ ንግድ ናይ ውግእ ኣጽዋር ይነብራ። እዚ እዩ ምስሉይነት፡ ከምቲ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 23 ዝብሎ፡ ምስሉይነት ከብቕዕ ኣለዎ። ኤኮኖሚ ሃገረይ ኣብ ንግድ ናይ ውግእ ኣጽዋር ዝቖመ ስለ ዝዀነ ብዛዕባ ሰላም ክዛረብ ኣይደልን ምባል ይሓይሽ ሰላም እናበልካ ናይ ውግእ ኣጽዋር ካብ ምቕራብ፡ ካብ ብዛዕባ ሰላም እናተዛረብካ ኣቕረቢ ናይ ውግእ ኣጽዋር ካብ ምዃን። ኣብ የመን ዘሎ ኵነት ንሕሰብ፡ እቶም ኣብቲ ናይታ ሃገር ወደባት ዝሰርሑ ነተን ናይ ውግእ ኣጽዋር ተሰኪመን ዝመጻ መራኽብ ኣይነራግፍን ዝብል ዝወሰድዎ ስጉምቲ ዝነኣድ እዩ ምስ በሉ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ምክልኻል ዝብል መሰልን ግቡእን ሕጋዊ እዩ፡ ኣብ ግብረ ገባዊ ቲዮሎጊያ እውን ቅቡል እዩ፡ ገዛእ ርእስኻ ምክልኻል ዝብል መሰልን ግቡእን ኣብ ዘተ ዝቖመ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ …

ክሪስቲና ካሪቻቶ ካብ ትቩ2000

ቅድስቲ መንበር ብሚሊዮናት ዝቑጸር ኣብ ማእከል ሎንደን ኣባይቲ ዓዲጋ ዝብሉ ዜንታት ሕዝቢ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዕለታውያን ጋዜጣታት የንብብ ኣሎ፡ ናይ ቫቲካን ቁጠባ ነዚ ዓይነት ተግባር ክውዕል የሕዝን፡ ብፍላይ እቲ ንናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ግብረ ሰናይ መሳለጢ ንዝብል ሰናይ ተግባር ዝወሃብ ምጽዋት፡ … በኣዅም ኣረኣእያ፡ እዚ ሕንዳ ዘይብሉ ኣግባብ ዕንቅፋት ዶ ኣይኰነን፡ ነዚ ዅሉ ጉዳይ’ዚ ብኸመይ ኢኹም እትርእይዎ?

ነዚ ሕቶ እዚ ብምልዓልኪ አመስግነኪ፡ ብርግጽ እቲ ዝወሃብ ምጽዋትን ሓገዝን፡ ንዘርብሕ ኤኮኖሚ ምፋስ ግብኡ እዩ፡ እዚ ቅኑዕ ምሕደራ ሃብቲ ገንዘብ ይበሃል፡ ኣብ ናይ ምህርቲ ውግእ ኣጽዋርን ዘይሕጋዊ መዓላታት ከተፍስሶ እንከለኻ ግና ዕላማኻ ኢኻ እትስሕት፡ ብዛዕባ እዚ ዝበሃል ዘሎ ናይ ምጽራይ መርመራ ካብ ውሽጢ ሃገረ ቫቲካን እዩ ዝነቐለ፡ ናይ ወጻኢ ጋዜጣታት ስለ ዝበለኦ ኣይኰነን፡ ኣብ ግቡእ መዓላ ዝብል ውሳኔ ቫቲካን በነዲክቶስ መበል 16 ኣበርቲዖም ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ እዩ፡ ሎሚ እውን ዝቕጽል ዘሎ ኰይኑ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣታውታትን ወጻኢታትን ተቖጻጻሪ ኣካል ብውልቁ መጺኡ ምስ ሓበረኒ እቲ ዝብለኒ ዝነበረ ብርግጽ ሓቂ ድዩ ርግጸይና ዲኻ ቢለ ሓቲተዮን መርመራ ክግብረ ድማ ወሲነ፡ ስለዚህ ኪድ ንናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ፍርዲ ብዛዕባኡ ናይ ክሲ መዝገብ ክኽፈት ሕተት ብግልጺ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ብላዕን ምግብረ ብልሽውናን ከምዘሎ እዩ ዘመላኽት እዚ እውን ክጻረይ ዘለዎ ጉዳይ እዩ፡ ንእግዚኣብሔር የመስግን፡ ዘመስግኖ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ስለ ዘሎ ዘይኰነስ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ ርስቲያን ዝፍጸሙ ገበናት ባዕላ ቤተ ክርስቲያን እናቃለዔት ስለ እትዋግኦ እዩ፡ በነዲክቶስ መበል 16 ዘበገስዎ ኣሰራርሓ ብሓቂ ዝነኣድ እዩ ንስዕቦ ዘሎና ኣገባብ እውን እዩ።

ፊሊፕ ፑለላ ካብ ርይተርስ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና

ኣብ ቀረባ ኣዋን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኤኮኖምን ቁጠባ ጉዳይ ዝምልከት ዝስማዕ ዘሎ ሓበሬታ ዘተሓሳስብ እዩ ዝመስል፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ቁጠባ ጉዳይ ሓበሬታ በዓል ስልጣን ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ጀሚርካ ዳርጋ ፍርቆም ክበሃል ይከኣል ብገዛእ ፍቓዶም ሓላፍነቶም ኣረኪቦም ዝብል ሓበሬታ ኣሎ፡ ስለዚህ ንናይ ዓለም ሃቆፍ ናይ ቁጠባ ማሕበረሰብ እንታይ ውሕስነት ክትህቡ ትኽእሉ፡ …

ኣብ ጉዳይ ምቁጽጻር ቁጠባን ኤኮኖሚን ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ብዙሕ ንቕድሚት ሰጒይሙ እዩ፡ ናይ ቫቲካን ናይ ሃይማኖታት ተግባር ተቕውዋም፡ እቲ ብ ዮር ዝፍለጥ ተቕዋም ማለተይ እዩ ብመላእ ዓለም ሓቆፍ ኣባይቲ ባንኪ ቅቡል እዩ፡ ዘሎ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቁጠባ ጉዳይ ዝከታተል ተቖጻጻሪ በዓል ስልጣን ክምርምሮ ዝኽኣል ጉዳይ እውን እዩ፡ ግልጺ ዝዀነ እሰራርሓ እዩ ዘሎ፡ …

ሮላንድ ዡኸም ካብ ቺክ መራኸቢ ብዙሓን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ታይላንድ ዘካየድክምዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚምኵም ናብ ቶክዮ ኣብ ዝነቐልኩምሉ እዋን ናብ ሆንግ ኮንግ ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ኣካል መራሒት ካሪየ ላም ናይ ተለግራም መልእኽቲ ኣመሓላሊፍኩም፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሆንግ ኮንግ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነትን ኣብ መንጐ ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉን ዝካየዱ ዘሎ ሕዝባዊ ምርጫን እንታይ ትሓስቡ፡ ናብ ሆንግ ኮንግ መዓስ ከ ምብጻሕ ከተካይዱ ትሓስቡ?

ናይ በረራ ዶባት ከተቋርጸለን  ሃገራት መራሕቲ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከተመሓላልፍ ኣግባብን ልሙድ ናይ ስነ ሜላዊ ርክባት ኪደት እዩ፡ ስለዚህ ነቲ መልእኽቲ ኣብ እተመሓላልፈሉ ሃገር ዘሎ መንግስቲ ዘካይዶ ኩሉ ትድግፍ ወይ ትነጽግ ማለት ኣይኵነን፡ ብኻልእ መዳይ ኣብ ሆንግ ኮንግ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ቺለን ፈረንሳን እውን ከምቲ እቶም ቢጫ ካሚቻ እተሰምዩ ዘካይድዎ ዝነበረ ኣድማ ኩሉ ኣብ ኒካራጉዋን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝረአይ ዘሎ ሕዝባዊ ናዕቢ ኩሉ የተሓሳስበኒ፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኩለን ሃገራት ዘተ ክረጋገጽን ጸገማት ኵሉ ብዘተ መፍትሒ ክረክብ ትላበው፡ … ኣብ ሆንግ ኰንግን ኣብታ ዘፍቅራ ሃገረ ቻይና ክበጽሕ ምንዮተይ እዩ ኢሎም።

ቫለንቲና ኣላዝራኪ, ጋዜጠይና ተለቪዥን

ር.ሊ.ጳ. ኣብዚ እዋን’ዚ ከምእንርእዮ ዘሎና ኣብ ላቲን ኣመሪካ ህዝባዊ ናዕቢ ዝተባርዔ እዩ ዝመስል ዘሎ፡ ቨነዝዋላን ኣብ ቺለ ድሕሪ ፒኖቸ ክንርእዮ ዘይንሓስቦ ዝነበርና ኩነት ይፍጠር ኣሎ፡ ኣብ ቦሊቪያን ኒካራጉዋን ካልኦት ሃገራት ላቲን ኣመሪካን እውን … ናዕብን ዓመጽን ቅትለትን ማህሰይትን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ክርስቲያንን። ንስኹም ከም ተወላዲ ላቲን ኣመሪካን ነቲ ህልው ኵነታት ላቲን ኣመሪካ ናትኵም ትንታኔ እንታይ እዩ፡ ሰላማዊ መፍትሒ ክርከብ ጻዕርታትኵም እንታይ ይመስል?

እቲ እዋናዊ ህልው ኩነታት ላቲን ኣመሪካ ነቲ ካብ 1974 ክሳብ 1980 ዓ.ም. ኣብ ቺለን ኣርጀንቲናን ኡራጉዋይን ብራዚልን ፓራጉዋይን እንተዘይተጋገኹ ኣብ ቦሊቭያ እውን፡ ዝነበረ ኵነታት እዩ ዝመስል፡ እቲ ዘሰንብደኒ እቲ ኣብ ቺለ ዘሎ ህልው ኩነታት እዩ፡ … መሰረታዊ ፍታሕ ካብ ዘተ እዩ፡ ስርዓትን ፍትሕን ሰላምን ኣገዳሲ እዩ፡ ብርግጽ ነቲ ዘሎ ህልው ኵነታት ዝተካኸል ትንታነ ኣይረኸብኩሉን፡ ኰይኑ ግና ዘተ መዳርግቲ ዘይብሉ መፍትሒ እዩ።

ብዛዕባ ሞራስለስከ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይዳንዩና - ይሸምግሉናን እንክብሉ ሓቲቶም ኣለዉ፡  እዚ ብጭቡጥ እንታይ ማመት እዩ?

ቨነዝዋላ ናይ ቅድስቲ መንበር ሞንገይናነትን ሓቲታ እያ፡ ቅድስቲ መንበር ሰላማዊ መፍትሒ ንኽርከብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንኽትሽምግል ስንድውቲ እያ፡ ቦሊቪያ እውን ሞንጐይናነት ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ሓቲታ እያ፡ ስለዚህ ሕብረት ኤውሮጳ እውን ይንቀሳቐስ ኣሎ፡ ዕንርቂ ንኸወርድ ሞንገይና ምዃን ሰናይ እዩ፡ ቺለ ተመሳሳሊ ሕቶታት ዘቕረበት ኣይመስለንን፡ ብራዚል እውን፡ ካብዚ ሓሊፈ ብዙሕ ክብል ኣይደልን፡ ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ብቑዕ ኣፍልጦ የብለይን።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ብዛዕባ ታይላንድን ጃፓንን፡ ታይላንድ ካብ ጃፓን ፍልይ ዘብላ ደረት ሰገራውነት ባህሊ ዘለዋን እቲ ዘለዋ ጽባቔ ካብቲ ኣብ ጃፓን ዘሎ ጽባቔን ዝተፈልየን ብዙሕ ንዋታዊ ድኽነት እትርእየሉ ግና መንፈሳዊ ሃብታት ፍድፋድ ዝዀነላ ሃገር እያ፡ ኣብ ግሪክን ኣብ ካልኦት ከባቢ ዓለም ዝሎ ልብኻ ዘሕምም ጸገማት እውን ኣሎ፡ እቲ ንስኽን ቫለንቲና ኣላዝራኪ ብዛዕባ ጸገማት ሃገራት ብዙሕ ኣፍልጦ ዘለክንን መጽሓፋት ዝጸሓፍክን ኢኽን፡ ደቡባዊ ታይላንድ ልክዕ ከምኡ እውን ከባቢ ሰሜናዊ ታይላንድ ኣሎ፡ እቲ ዘይበጻሕክዎ ዞባ፡ ካብ ሰሜን ታይላንድ ምስ ዝመጺ ብዕስራታት ዝቑጸሩ ተራኺበን እየ፡ ባንግኮክ ኣዋናዊት ስልጥንቲ ከተማ፡ ካብቲ ናይ ጃፓን ዝተፈልየ ካልእ ዓይነት ናይ ገዛእ ርእሳ ሃብታት ዘለዋ እያ፡ ናትክን መጽሓፍን ከምኡ እውን ናይ ፍራንካ ጃንሶልዳቲ ብዛዕባ ምህዳር ዝዛረብ መጽሓፈን ጠቒሙኒ እዩ፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ምዝመዛን ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ፍጥረትን ዝምልከቱ ኣርእስታት ተዛሪበሉን ዘስመርኩሉን ሓሳብ እውን እዩ፡ ንኽልቴኽን ከመስግን እፈቱ፡ ናይ ሪቾ ካሚቻ ኣይርስዖን እየ (ኣብ መክሲኮ ብናይ ገበን ጉጅለታት ዝተቐትለ ሪቾ ዝስመን ክቕተላ እንከለዋ ለቢሰነኦ ዝነበራ ካሚቻባዕለን ቫለንቲና ኣላዝራኪን ንቕድስነቶም ሪቾ ከይርስዓ እንክብሉ መዘከርታ ይኹንኩም ቢለን ዝሃብዎም) ቀጥተይና ሕቶ ስለ ዘቕረብኩምለይ አመስግን፡ ከምዚ ዓይነት ሕቶን መልስን እዩ ዘድሊ፡ ንዅላትና ዝጠቕምን ንሱ እዩ፡ ምእንታይ ሓደራ ጸልዩ! እንክብሉ ቅዱስነቶም ምስቶም ጋዜጠይናታት ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ናይዚ ቃለ መሕትት ዘጋብያ ኣለሳንድሮ ጓራሺን ኣንድረያ ቶርኒየሊን (Alessandro Guarasci e Andrea Tornielli)

ር.ሊ.ጳ.፡ ምጥቃምን ምውናንን ኣቶማዊ ኣጽዋር ኢግብረ ገባዊ ተግባር እዩ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፡ ምጥቃምን ምውናንን ኣቶማዊ ኣጽዋር ኢግብረ ገባዊ ተግባር እዩ
28 November 2019, 16:56