ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናጋሳኪ፥ ኣልቦ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝዀነ ዓለም ውሑስ ክኸውን ጻውዒት የቕርቡ

ማንም ኣብ ቅድሚ ናይ ሚሊዮናት ሕዝብታት ዝረአይ ስቓይን መከራን ሕልናኻ ዘውቅስ ዘይተገዳስነት ምንባር ዝከኣል ኣይኰነ፡ ኣብ ቅድም ዘዕንው ንዘተ ዕጽው ዝዀነ ባህሊማንም ዕውርን ጸማምን ክኸው ኣይክእልን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ካብ ቶክዮ ብነፋሪት ተጓዒዞም ብናይ ጃፓን ሰዓት ኣቆጻጽር ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሓደን ፈረቓን ናይ ለይቲ ናጋሳኪ ምስ በጽሑ ብናይ ናጋሳኪ ኣመሓዳርን ከንቲባን ሕዝብን ኣቀባብላ ተገይሩሉም፡ ናብቲ ኣቶሚክ ቦምብ ሃይፖሰንተር - ትሕቲ ሕምብርቲ ናይ ኣቶማዊ ቦምብ ባርዕ ማእከል በጺሖምን ኣብቲ ናይ ሰላም መዘክር ቁኑን ዕንባባ ኣንቢሮም ሽምዓ ወሊዖምን ናይ ጽሞና ጸሎት ከምዘዕረጉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣድሪያና ማሶቲ ኣስዒበን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዘይምትእምማን ኣብ ዝምራሕ ኣብ ናይ ሓሶት ሓለዋ ጸጥታ፡ ምርግጋእን ሰላምን ውሕስ ምግባር ከምዘይከኣል ገሊጾም፡ መፈጸምታ ዘይብሉ ዕንወትን እቲ ንቕኑዕ ምዕባለ ዝወጽእ ሃብቲ ገንዘብ እናመዛዕካ ንውግእ እጽዋር ሃብቲ ገንዘብ ምፍሳስ ዝብል ኣሰራርሓ ክወገድ ኣለዎ ከዝበሉ ገሊጸን።

ሰላም ኣብ ፍርሒ ኣይህነጽን

ቅዱስነቶም ብቐጥታ ናብቲ ናይ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናብ ዝብል ጉዳይ ኣተኵይሮም፥

ዓለም ሓቆፍ ሰላምን ምርግጋእ ምስቲ ኣብ ናይ ሕድ ሕዳዊ ምጥፍፋእን ዕንወትን ወይ ብናይ ኵለንተናዊ ምጽናት ብዝብል ምፍርራሕ ውሑስ ምግባር ዝከኣል ኣይኰነን፡ ሕድ ሕዳዊ ምጥፍፋእን ዕንወትን ምስ ሰላምን ምርግጋእን ዝቃደው ኣይኰነን፡ ብንጻሩ ሰላምን ምርግጋእን ካብ ዓለም ሓቆፋዊ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ካብ ዝብል ስነ ምግባር እዩ ክብገስ ዘለዎ

ናብ ሰማይ ዘቕንዔ ገዓር

እቲ ናይ ሕዝብታት ሃብትን ንሕዝብታት ልምዓትን ንኽንክን ፍጥረን ክውዕል ዝግብኦ ሃብቲ ገንዘብ ወይ ርእሰ ማል ንናይ ውግእ ኣጽዋር ቅድድም ከይውዕል ዝብል ሓሳብን መደረታትን ንበይኑ እዅል ኣይኰነን፡

ኣብቲ እዋናዊ ዓለም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሕጻናትን ኣባይቲ ስድራን ትሕቲ ሰብኣውነት ኵነት ዝነብሩ ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ነቲ ዘዕንው ንናይ ውግእ ኣጽዋር ምህርትን ዝተራቑ ናይ ውግእ ኣጽዋር ንምምሃዝን ንናይ ውግእ ኣጽዋር ንግድ ሃብቲ ገንዘብ ክፈስስ ምርኣይ ብቐጻልነት ናብ ሰማይ ዘቕንዕ ፍትሒን ፍርድን ዝሓትት ናይ ሕዝብታት ገዓር እዩ።

ናይ ሓባር ጭቡጥ ውሳኔ ኣገዳሲ እዩ

ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሕዝብታት ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ዝዀነ ዓለም ዝምነዩን፡ ነዚ ኣስተንፍሶ ሕዝቢ ኣብ ጭቡጥ ንምግባር ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖትን ማሕበረሰብ ሃይማኖታትን በርገሳዊ ሕብረተሰብን ነተን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝውንናን ገና ዘይውንናን ንወተሃደራውን ናይ ግልን ዓለም ሓቆፍ ማሕበራትን ብጠቕላላ ናይ ኵሉ ትውሳኤ ይሓትት። ዮሓንስ መበል 23 ኣብ 1963 ዓ.ም. ኣብታ ሰላም ኣብ ምድሪ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም፡ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክእገድ ይሓትቱ፡ ነባርን ውሑስን ዓለም ለኻዊ ሰላም ኣብ ወተሃደራዊ ውዳነ ዘይኰነ ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምትእምማን እዩ ዝጸንዕ ከምዝበሉ ቅዱነቶም ኣዘኻኺሮም፡

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ብውግእ ኣጽዋር ንምድላብ ዝግበሩ ጉያ ጉይ መን ቀደመ ዝቆጻጻርን እቲ ኣብ ውግእ ኣጽዋር ዝግበር ናይ ምቅድዳም ስርሒት ንምጥፋእ ኣብ ቅድሚ ዝብል ውሳኔ፡ ምስፋሕ ምህርቲ ኣጽዋር ውግእን ንዝተራቀ ናይ ውግእ ኣጽዋር ቅድድም ዝብል ስግኣት ተግባርን እዩ ዝረአይ፡

ቤተ ክርስቲያን ውሳኔታት ምርጋፍ ኣጽዋር ትድግፍ

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብወገና ኣብ ዓለምን ኣብ መንጐ ሕዝብታትን ሰላም ኣብ ምንቕቓሕ አተካይዶ ጻዕሪ ፈጺሙ ዘይቕየር ተግባራን ውሳኔኣን እዩ፡ ኣብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሒርን ሕዝብን ዓለም ፊት ዝስምዓ ሓላፍነት እውን እዩ፡ ስለዚህ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ስምምዓት ኣብ ጉዳይ ናይ ውግእ ኣጽዋርን ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ዝምልከቱ ናይ መቆጻጸሪ ሕግታት ተፈጻምነት ክህልዎ ከይተሓለለት ትዓዪን ጻውዒት እውን ተቕርብ፥

ቤተ ክርስቲያን ኣልቦ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝዀነ ዓለም ተኻኣልን ኣገዳስን እዩ ኣብ ዝብል እምንቶኣ ቆይማ ናይ ዓለም ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ኣጽዋር ውግእ ንብሔራውን ዓለም ለኻውን ጸጥታን ሰላምን ውሕስነት ስግኣት ንዝዀነ ኵሉ ንምብዳህን ኑክለውሳዊ ኣጽዋር ኣድላዪ እዩ ካብ ዝብል ኣመለኻኽታን ውሳኔን ክቑጠቡ ጻውዒት ተቕርብ። ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምጥቃም ኣብ ልዕሊ ሕይወትን ፍጥረትን ዘስዕቦ ዘይበርስ ማህሰይቲ ግምት ብምሃብ ናይ ተጻባእነትን ዘይምትእምማንን ናይ ምፍርራሕን ህዋሁ ዘተባብዕ ዘበለ ኵሉ ምንጻግ የድሊ፡

ንዘተ ዕጽው ናይ ዝዀነ ባህሊ ዕንወት

 ኣስዒቦም፡ እቲ በጽዋር ውግእ ንምድላብ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብን ዓቕምን ንናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ሸቶ ንምዕታር ኣብ ዝድግፍ መደብ ክውዕል ኣተሓሳሲቦም፡ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1964 ዓ.ም. ካብቲ ንውግእ ኣጽዋር ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ተሰሊዑ ንናይ ድኻታት ክፍሊ ሕብረሰብ ምግቢ ናይ ምርካብ ሰብኣዊ ክብሮም ንምርግጋጽ ክውዕል ዝብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘኪሮም፡ ሕድ ሕዳዊ ምትእምማንን ሕድ ሕዳዊ ምዕባለን ዝውሕስ መጋበርያ ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ኵሉ ሓላፍነት እዩ፡ ስለዚህ መራሕቲ ነዚ ዕላማ እዚ ዝበረኹ ክዀኑ ይግባእ።

ማንም ኣብ ቅድሚ ናይ ሚሊዮናት ሕዝብታት ዝረአይ ስቓይን መከራን ሕልናኻ ዘውቅስ ዘይተገዳስነት ምንባር ዝከኣል ኣይኰነ፡ ኣብ ቅድም ዘዕንው ንዘተ ዕጽው ዝዀነ ባህሊማንም ዕውርን ጸማምን ክኸው ኣይክእልን

ንናይ ሕውነት ባህሊ ምጽላይ

ቅዱነቶም ዘስምዕዎ ቃል፥ ኵሉ ካቶልክ ዝዀነን ዘይኰነን ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኵሉ ንዓወት ሕይወትን ዕርቅን ሕውነትን ባህሊ ክጽልይ ዓዲሞም፡ ኣብ እግዚኣብሔር ምትእምማን ኣገዳሲ እዩ ቢሎም ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ጸሎት ምእንቲ ሰላም፥

ኦ ጐይታይ ናይ ሰላም መሳርሒ ግበረኒ፡ ጽልኢ ኣብ ዝርከበሉ ፍቕሪ፡ ጥርጥር ኣብ ዝርከበሉ እምነት፡ ተስፋ ቅብጸት ኣብ ዝርከበሉ ተስፋ፡ ጸልማት ኣብ ዝርከበሉ ብርሃን፡ ሓዘን ኣብ ዝርከበሉ ታሕጓስ ከምዝዘርእ ግበረኒ፡

ዝብል ደጊሞም ከምዘጠቓለሉ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናጋሳኪ፥ ኣልቦ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝዀነ ዓለም ውሑስ ክኸውን ጻውዒት የቕርቡ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናጋሳኪ፥ ኣልቦ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝዀነ ዓለም ውሑስ ክኸውን ጻውዒት የቕርቡ
24 November 2019, 13:55