ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ታይላንድ ኣትዮም

ባንግኮክ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ፡ ናይ ታይላንድ ዘውደ ንጉሳዊ ቤት ምኽሪ ኣባልን ሽዱሽተ ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ኣብ ታይላንድ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ዓሰርተ ሓደ ሕጻናት ናይ ታይላንድ ባህላዊ ኣልባስ ዝተኸድኑንን

ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ሓደ ሰዓት ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ርእሰ ከተማ ባንግኮክ ኣብ ዝረክብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ዕለት 20 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ብናይ ታይላንድ ሰዓት ኣቆጻጽራ ፍርቂ መዓልቲ ከምዝበጽሑን፡ ቅዱስነቶም ድሕሪ ዝተገብረሎም ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ናብ ዝዓርፍሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ከምዝኸዱ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ካብ ዕለት 19 ሕዳር ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ዘካይድዎ መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ታይላንድ ብምእታው ከምዝጀመሩን፡ ባንግኮክ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ፡ ናይ ታይላንድ ዘውደ ንጉሳዊ ቤት ምኽሪ ኣባልን ሽዱሽተ ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ኣብ ታይላንድ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ዓሰርተ ሓደ ሕጻናት ናይ ታይላንድ ባህላዊ ኣልባስ ዝተኸድኑንን ናይ መላእ ታይላንድ 300 ሺሕ ምእመናን ዝውክሉ ካብ መላእ ሰበኻታት ዝተዋጽኡ ምእመናን ድሙቕ ኣቀባብላ ከምእተገበረሎምን ምስቶም ዝተቐበልዎም ኣካላት እተን ኣብዚ ኣብ ታይላንድ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ወግዓዊ ናይ ቅዱስነቶም ኣስተርጓሚት ኣብታ ሃገር ንልዕሊ 50 ዓመት ዘገልግላ ዘለዋ ሰብዓን ሸውዓተን ዝዕድመኤን ኣባል ማሕበር ሳሊዢያን ደናግል ጓለምኦም እናቴ ኣና ሮዛ ሲቮሪ እውን ከማተረኽባ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡ እቲ ካብ ዕለት 19 ሕዳር ክሳብ ዕለት 23 ሕዳር 2019 ዓ.ም ኣብ ዘካይድዎ ናይ ታይላንድ ምብጻሕ 8 መደረታት ከስምዑ ከምዝዀኑ፡ እቲ ወግዓዊ መራሓ ግብሪ ናይዚ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስነቶም ዕለት 21 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ዝጅመር ኰይኑ፡ ኣብ ናይ ታይላንድ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝቐርበሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም ስነ ስርዓት ክርከቡ ብናይታ ሃገር መራሔ መንግስቲ ጀነራል ፕራዩት ቻን ኦቻ ኣቀብላ ምስ ተገብረሎም፡ ምስ መራሔ መንግስቲ ግላዊ ክሌኣዊ ርክብ ምስ ኣካየዱ ምስ ናይ ታላንድ ላዕለዎት ናይ መንስቲ ኣካላትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት መራሕትን ኣብ ታላንድ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንስታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ መራሔ መንግስቲ ድሕሪ ዘቕርቡሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ኣስዕቦም ዘረባ ከስምዑን ካብኡ ተሰናቢቶም ኣብ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ልዑል ፓትሪያርክ ሶምደይጅ ፕህራ ማሃ ሙኒዎንግ ኣብ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ታሪኻዊ ቤተ መቕደስ ዋት ራትቻቦፊት ሳቲት ማሓ ሲማራም ምብጻሕ ኣካይዶም ክራኸቡን ድሕሪ እቲ ምስ ናይ ቡዳህ ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሒ ርክብ፡ ናብቲ ኣብ 1898 ዓ.ም. ዝተመስረተ ቤት ሕክምና ቅዱስ ልዊስ ምብጻሕ ከካይዱን ምስቲ ናይቲ ቤት ሕክምና ሰራሕተይናታትን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ህሙማንን ክራኸቡ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ቅዱስነቶም ናይ ታይላንድ ሓዋርያዊ መገሻኦም ናይ ካልኣይ መዓልቲ መርሓ ግብሪ ዕለት 21 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ባናንግኮክ ኣብ ዝርከብ ናይ ታይላንድ ቤተ ንጉስ ግላዊ ምብጻሕ ምስ ኣካየዱ፡ ኣብቲ 65 ሺሕ ሕዝቢ ከአንግድ ኣብ ዝኽእል ናይ ባንግኮክ ብሔራዊ ናይ ስፖርት ሜዳ መዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ከምዝዛዝሙን።

ዕለት 23 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ናይቲ ምብጻሕ ናይ ሳልሳይ መዓልቲ መራሓ ግብሪ፡ ምስ ካህናትን ገዳማውያንን ደናግልን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃራንን ምስ ተራኸቡ፡ ኣስዒቦም ምስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ታይላንድን ኣብ ሃገራት እስያን ኣብ ቁምስና ቅዱስ ጴጥሮስ ክራኸቡ ከምዝዀኑን፡ ቀጺሎም እውን ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ብፁዕ ኒኮላስ ቡንከርድ ኪባምሩንግ ምብጻሕ ከካይዱ ከምዝዀኑ ኣፍሊጦም።

ናይ ዕለቱ መርሓ ግብሮም፡ ምስተን ኣብ ታላንድ ዝርከባ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ካልኦት ሃይማኖታትን መንፈሳዊ መራሕቲ ክራኸቡን ኣብ ካቴድራል ዘፍልሰታ ንመንእሰያት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ናይ ታይላንድ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዛዚሞም ንተመሳሳሊ ሓዋያዊ መገሻ ናብ ጃፓን ክነቕሉ ምዃኖም ዲ ቡስሎ ሓቢሮም።

ናይቲ ኣብ ታይላንድ ዘካይድዎ ሓዋያዊ መገሻ መለለዪ “ናይ ክርስቶስ ሓዋርያ፡ ሓዋርያ ልኡካነ ወንጌል” ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ምብጻሕ’ዚ ኣብ ሲያም ዝኽሪ መበል 350 ዓመት ቅዋሜ ሓዋርያዊ መስተናብር ዝበዓለሉ ዓመት ብምዃኑ ነዚ ተሓሳቢ ዝገበረ እውን እዩ፡ እቲ ሓዋርያዊ መስተናብር ሲያም ኣብ 1669 ዓ.ም. ከምዝቖመን ነዚ ሓሳብ እዚ እቲ ናይ ቅዱስነቶም ናብ ታይላንድ ናይ ዘካይድዎ ምብጻሕ መለለይ ምስሊ ዝሕብሮ ምዃኑ ዲ ቡሶሎ የዘኻኽሩ።

ታይላንድን ጃፓንን

ኣብ ክልቲኣተን ሃገራት ካቶሊካውያን ምእመናን ውሑዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ከምዝዀኑን፡ ኣብ ታይላንድ ካብ ጠቕላላ ብዙሒ ሕዝቢ 0.5 ሚእታዊ ዝሽፍኑ ከምዝዀኑን 90 ሚእታዊ ሰዓብቲ ሃይማኖት ቡድሃ እያቶም፡ ኣብ ጃፓን ጠቕላላ ብዝሒ ካቶሊካውያን 540 ሺሕ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝበዝሔ ሕዝቢ ጃፓን ሰዓቢ ሃይማኖት ሺንቶይስን ቡድሃን ውን እንተዀነ፡ እዋናዊ ኵነት እታ ሃገር ርኢኻ ሕዝቢ ዳርጋ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ዕለታዊ መነባብርኡ ዝንጽል ባህሊ ዝስዕብ ምዃኑ ይንገር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ታይላንድ ኣትዮም

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ታይላንድ ኣትዮም
20 November 2019, 16:13