ር.ሊ.ጳ.፥ እግዚኣብሔር ከማና ሰብ ከይኑ ዝለ ዝመጸ ዲያብሎስ ሰብ ክዕንው ይለየ ር.ሊ.ጳ.፥ እግዚኣብሔር ከማና ሰብ ከይኑ ዝለ ዝመጸ ዲያብሎስ ሰብ ክዕንው ይለየ 

ር.ሊ.ጳ.፥ እግዚኣብሔር ከማና ሰብ ከይኑ ዝለ ዝመጸ ዲያብሎስ ሰብ ክዕንው ይለየ

እግዚኣብሔር ንሰብ ዘይመውት ገይሩ እዩ ፈጢርዎ፡ እወ ብመልክዑን ዘለዓለማዊ ገይሩ እዩ ፈጢርዎ (መጽሓፈ ጥበብ ምዕራፍ 2,23) … እቶም እምነቶም ኣብ እዚኣብሔር ዘውድቑ ነታ ናቱ ዝኾነት መገዲ ሓቂ ኪርድእዋ እዮም፡ እቶም እሙናቱ ኸኣ ኣብ ፍቕሩ ጸኒዖም ኪነብሩ ኣዮም። ከመይ ኣምላኽ ነቶም ባዕሉ ዝሓረዮም ብምሕረትን ብለውሃትን እዩ ዚጓስዮም (መጽሓፈ ጥበብ ምዕ. 3 ፍቕዲ 9)

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 12 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ካብ መጽሓፈ ጥበብ ዝተወስደ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ ዝትንትን ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ እቲ ጸላኢና ዝዀነ ናይ ሓሶት ንጉስ ዲያብሎስ ኢየሱስ ከማና ሰብ ከይኑ ስለ ዝመጸ ንሰባኣዊ ፍጥረት ከፍርስ ይደልይ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዲያብሎስ ከምዘሎን ህላዌኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተሰግወ ወልደ እግዚኣብሔር ኣብ ዘለዎ ቅንኢ እዩ፡ ኣብ ዓለም ጽልእን ሞትን ኣብ ምዝራእ እዩ ህላዌኡ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ መጽሓፈ ጥበብ ምዕ. 2 ፍቕዲ 23 ምዕ 3 ፍቕዲ 9 ዝተወስደ ቀዳማይ ምንባብ ኣማኣኪሎም፡ እግዚኣብሔር ንሰብ ዘይመውት ገይሩ እዩ ፈጢርዎ፡ እወ ብመልክዑን ዘለዓለማዊ ገይሩ እዩ ፈጢርዎ (መጽሓፈ ጥበብ ምዕራፍ 2,23) … እቶም እምነቶም ኣብ እዚኣብሔር ዘውድቑ ነታ ናቱ ዝኾነት መገዲ ሓቂ ኪርድእዋ እዮም፡ እቶም እሙናቱ ኸኣ ኣብ ፍቕሩ ጸኒዖም ኪነብሩ ኣዮም። ከመይ ኣምላኽ ነቶም ባዕሉ ዝሓረዮም ብምሕረትን ብለውሃትን እዩ ዚጓስዮም (መጽሓፈ ጥበብ ምዕ. 3 ፍቕዲ 9)፡ እወ እግዚኣብሔር ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን እዩ ዝፈጠረና፡ ብምኽንያት ቅንዒ ዲያብሎስ ግና ናብ ዓለም ሞት ኣተወ።

ናይ ዕቡይ መልኣኽ ቅንኢ ትስብእቲ ዘይምቕባል እዩ

ናይቲ ዕቡይ መልኣኽ ቅንኢ ንትስብእቲ ምንጻግ ዝብል እዩ፡ እዚ ቅንኢ እዚ ድማ ስብኣዊ ፍጥረት ንኸዕንው ይድርዀ፡ በዚ ዕቡይ መልኣኽ ኣቢሉ እውን ናብ ልባትና ቅንዕን ቅርሕንትን ምቅድዳምን ኣተወ፡ ከም ኣሕዋት ብሰላም ክንነብር እናኸኣልና፡ ካባና ኣነ ንምንም ሰብ ኣየዕንውን እየ ዝብል ይሁሉ፡ ግና ብዛዕባ ካልእ ክፉእ ምዝራብን ሕሜታን ሰብ ምዕናው እዩ፡ ሓዋርያ ያዕቆብ፡ ልሳን ትቐትል ይብል፡ ሕሜታን ስም ምጽላምን ይቐትል፡ … ቃኤልን ኣቤልን ኣሕዋት ክነሶም፡ ኣብ ልቢ እቲ ሓደ ዝነበረ ቅንኢ ነቲ ሓደ ይቐትል፡ …

ጽልእ ኣብ ልባትና ዝዘርእ ፈተና

ዕለት 9 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ምፍራስ መንደቕ በርሊን ኣብዒልና፡ ናዝያውን ገዛእ ርእሶም ጽሩይ ዓሌት ቢሎም ረሳሕ ዓሌት ዘሎ ይመስል ብዙሓት ኣሳቕዮምን ንሞት ዳሪጎምን እያቶም፡ ናይ ካልኦት ዝተፈላለየ ውግኣት  ዘሰንብድ ሳዕቤናት ሕስብ እሞ ነብል፡ ክንናዘዝ እንከሎና ዘጋጠመና ፈተናታት ኢና እንናዘዝ፡ … ኣብ ዓለም ማእለያ ዘይብሎም ዘራእቲ ጽልዕን ዕንወትን ኣለዉ …

ዲያብሎስ ንሰብኣዊ ባህርይ ዝቐንእ

ዕለታዊ ዝፍነዉ ሓበሬታ፡ ውግእን ጽልእን መጥቃዕትን ዝብሉ እያቶም፡ ብዙሓት ሕጻናት ብስእነት መግብን ጥምየትን ይሞቱ ብሕማምን ብስእነት ዝስተይ ጽሩይ ማይን፡ እዚ ኹሉ ሕጻናት ንሞት ዝዳርግ ንምውጋድ ዘገልግል ሃብቲ ገንዘብ ንመዓላ ናይ ውግእ ኣጽዋር ስለ ዝውዕል እዩ፡ …

ዲያብሎስ ንሰብኣዊ ባህርይ ዝቐንእ እዩ፡ እግዚኣብሔር ሓደ ከማና ኰይኑ ስለ ዝመጸ፡ ስለ ዝተሰግወ፡ እዚ ዲያብሎስ ፈጺሙ ዘይጻወሮ ሓቂ እዩ፡

ናይ ፖለቲካ ኣካላት ኣክንዲ ስልጡ ምንጽጻር ምጽርራፍ ይመርጹ

እቲ ናይ ኵሉ ምግባረ ክፍኣትናን ፍተናታትትን ናይ ዓመጽን ውግእን ጥምየትን ዕንወትን ኩሉ መሰረት ዝዀነ ዲያብሎስ ጽልእን ቅንእን ቅርሕንትን ብምዝራእ ዘስፍሖ እዩ፡ ኣብ መዳይ ፖለቲካ እውን እንተረኣና ነቲ ካብ ናትካ ናይ ፖለቲካ ውድብ ዝተፈልየ ኵሉ ምጽላምን ወይ ከኣ ፖለቲካዊ ክትዕ ኣብ ጽካይድሉ እዋን ስሉጥ ክይ\ኦ ኣክንዲ ዘካይዱ ክጸራረፉ ትሰምዕ፡ … ንኻልእ ምብራስ፡

ኣብ ዓለም እዚ ዅሉ ጽልእ ስለምንታይ እዩ ዝዝራእ፡ ኣብ ኣባይቲ ስድራን …. ኣብ ቁሸታትን ኣብ ፖለቲካን፡ ናይዚ ዅሉ ጽልእ ዘራኢ ዲያብሎስ እዩ፡ እቲ ኣብ ዓለም ቅንእን ቅርሕንትን ዘእተወ፡ … ኣብዚ ቃል ኢየሱስ ግልጺ እዩ፡ …

ክርስቶስ ነቲ ኣብ ስጋና ዘሎ መንፈስ ክፍኣት ንኽስዕር ስጋና ለበሰ

እግዚኣብሔር ኣብ ልባትና እምነት ኣብቲ ስጋና ለቢሱ ብስጋና ኣቢሉ ክቃለስን ንስጋና ንኸሰንፍን ስጋና ለቢሱ ኣብ ዝመጸ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ወዱ ከነዕብይ ንኽድግፈና ንጸልይ፡ እዛ እምነት እዚኣ ናብቲ ናይቲ ዘራኢ ቅንእን ቅርሕትን መጻወዲያ ንኸይንወድቕ ትደግፈና እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

[ Audio Embed ር.ሊ.ጳ.፥ እግዚኣብሔር ከማና ሰብ ከይኑ ዝለ ዝመጸ ዲያብሎስ ሰብ ክዕንው ይለየ]

 

12 November 2019, 18:13