ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንመንእሰያት ናይ ነፍሲ ርእሰ ምስኣል የሎን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንመንእሰያት ናይ ነፍሲ ርእሰ ምስኣል የሎን 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንመንእሰያት ናይ ነፍሲ ርእሰ ምስኣል የሎን

እቲ ዘገድስ ኣብቲ ዘለካን ኣብ እትሽምቶን ዘይኰነ ኣብ ምክፋሉ እዩ፡ ኣብ ስለምንታይ እነብር ዘይከነስ ኣብ ንመን እነብር እዩ

እንታይ ኣሎኒ ዘይኰነስ ምስ መን እካፈልን ንመንን ምእንቲ መንን እነብር? ዝብሉ ሕቶታት ነቶም ኣብ ካቲድራል ቅድስተ ማርያም ዝተራኸብዎም መንእሰያት ኣቕሪቦም፡ መንእሰይ ጃፓን ኣብቲ ሃብታም ግና ብሕትውና ብዙሕ ዝረኣየሉ ሕብረተሰብ ዝነብር ከምዝዀነን፡ እዚ ኸኣ ንዕዙም ሕይወት ከይዳርጐ ክጥንቀ ከምዘለዎን መንእሰይ ወለዶ ተወፋይነትን ዑቕባ ንዝሓትት ዘአንግድ ክኸውን ሓደራ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዙሕነት ሃብቲ ዝዀነሉ ዓለቐይናነትን ምጥቃዕን ዘይረኣየሉ ኣብ ናይ ሕውነት ባህሊ ዝቖመ መጻኢ ምሕናጽ ኡጦብያ (utopia - ዘይብጻሕ ሕልሚ) ዘይኰነስ ተኻኣሊ እዩ፡ ሕጉስ ንምዃን ዝመርሕ ፍኖት ተወፋይነት እዩ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣብ መረጼን ምምልካት ማለት ኣይኰነን፡ እግዚኣብሔርን ካልኦት እውን የድልዩና እያቶም ቢሎም ነዚ ሓሳብ እዚ ነቶም መንእሰያት ከም ተልእዀ ብሓላፍነት ከምዘረከቡን ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ዶኒኒ ኣስዒበን፡

ንመን እየ ዝነብር (ስለ ምንታይ እየ ዝነብር) እምበር እንታይ እውንን ኣይኰነን

ቅዱስነቶም ሚኪ ኮባይሺ፡ ኣብቲ ኣብ ፍርያምነትን ውድድርን ኣብ ዝብል ዓይነት ኣነባብራ ምእኩል ኣብ ዝዀነ ሕብረተሰብ ምስ እግዚኣብሔር ከመይ ገርካ ኢኻ ክትራኸብ ትኽእል እንክብል ንዘቕረበሎም ሕቶ፡ ብዙሓት ፍሽኽታን ሰሓቀን ተሓሪምዎም ምድናቕ ዝብል ረሲዖም ዕዙማት ከይኖም ዝነብሩ ኣለዉ፡ ናይ ልቦም ህርመት ዝተቛረጾም ምስ ካልኦት ሕይወት ናይ ምብዓል ብቕዓት ዘጥፍኡ፡ … ክንደይ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ብቁሳዊ ነገራት ኣዚዮም ሃብታማት ግንከ መዳርጊት ኣብ ዘይብሉ ጽምዋ ይነብሩ፡ ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡን መንእሰያትን ኣብ ብሕትውናን ተነጽሎን ኣብ ዘይፍሉጥነት ዝነብሩ፡ … ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኩታ፥ ኣብ ሕይወትካ ዘይተፈቀርካ ኰይንካ ክስምዓካን ኣብዚ ዓይነት ኩነት ሕይወት ምንባር እቲ ኣዚዩ ዝኸፍኤ ድኽነት እዩ ትብል፥

እቲ ዘገድስ ኣብቲ ዘለካን ኣብ እትሽምቶን ዘይኰነ ኣብ ምክፋሉ እዩ፡ ኣብ ስለምንታይ እነብር ዘይከነስ ኣብ ንመን እነብር እዩ፡

ምስክርነትና ኣብ ዓለም ንእግዚኣብሔርን ንኻልኦት ምዃንና ምምስካር የድሊ ቢሎም እዚ ተልእዀ እዚ ነቶም 900 ሚእቲ መንእሰያት ሓደራ ክብሉ እንከለዉ፡

ማሕበራዊ ምሕዝነትን ምሕዝነት ኣብ መንጐዅምን ተኻኣሊ ምዃኑ መስክሩ፡ ናይ መጻኢ ተስፋ፡ ኣብ ናይ ምርኻብን ምሕዝነትን ምቅብባልን ሕውነትን ምክብባርን ሰብ ከም ሰብ ምኽባርን ብፍላይ ነቶም ፍቕሪ ዝጐደሎምን ኣብ ናይ ምርድዳእን ባህሊ እዩ፡ ብዘይ ምጥቃዕን ምስትንዓቕን፡ ነቲ ኣብ ካልእ ዘሎ ምዃናዊ ሃብቲ ኣብ ምስትውዓል።

ሰኣሊና ካልእ እምበር ርእሰ ምስኣል ነፍሲ የልቦን

ቅዱስነቶም ሓንቲ ሰዓቢት ሃይማኖት ቡድሃ ብምምህርና እትመሓደር ማሳኮ፡ መንእሰይ ከመይ ገይሩ እዩ ናይ ገዛእ ርእሱ ክብሪ ክረክብ ዝኽእል? ቢላ ንዘቕረበትሎም ሕቶ ክምልሱ እንከለዉ፡

ብዙሕ ነገር ተማሂዙ እዩ፡ ንእዚኣብሔር ምስጋና ይዅኖ ርእሰ ምስኣል ነፍሲ ግና ክኡል ኣይኰነን፡ ሕጉስ ምዃን ንኻልእ ኣብ ምድጋፍ እዩ፡ ሰኣልትና ካልኦት እዮም፡ ስለዚህ ካብ ገዛእ ርእስኻ ወጺእካ ናብ ካልኦት ምባል፡ ናብቶም ኣዚዮም ብድኽነት ዝተጠቕዑ ምባል፡ ኣብ ስቓይን ሓሳርን መከራን ዝርከቡ፡ ስደተይናታትን ዝመዛበሉን ኣብ ምእንጋድ ዝነብር ሕይወት።

ንለብዒ ዓለቔይናነት ብሓባር ኣይፋል ምባል

ሊዮናርዶ ኣብ ጃፓን ካብ እተሰደት ፊሊፒናዊት ስድራ ቤት ዝተወልደ ንብዙሕ እዋን ኣብ ቤት ትምህርቲ ግዳይ ዓለቐይናነት ኰይኑ ዘሕለፎ ዘኪሩ፡ ነዚ ዓይነት ጸገም ብኸይ ምብዳህ ይከኣል እንክብል ንዘቕረበሎም ሕቶ፡

ዓለቐይናነት ንምውጋድ ናይ ትምህርቲ ተቕዋማትን በጽሒ ወለዶን ዓቕምን ብቕዓት ምፍሳስ ጥራሕ ዘይኰነ ነዚ ዓይነት ማሕበራውን ሰብኣውን ጸገም ንምብዳህ ኣብ መንጐኹም መንፈስ ምሕዝነት ክዓስልን በዚ ኣገባብ እዚ ብእትፈጥርዎ ሓድነት ኣቢልኩም ንዓለቐይናነት ኣይፋል ኣብ ምባል እዩ ዝውገድ፡ ዓቢይ ዕርድን መከላኸልን ሓድነትን ምሕዝነትን እዩ፡

ተወፋይነት ምምሃር

ሊዮናርዶ ካብቲ ዘጋጥሞ ብዝነበረ ዓለቐይናነት ንኽላቐቕ ርእሰ ቅትለት ከም መፍትሒ ገይሩ ዝሓሰበሉ እዋን ነይሩ እዩ፡ ነዚ ፈተና’ዚ ግና ካህናትን የዕሩኽን ቑምስናኡን ብዘርእይዎ ፍቕሪ ከምዘሰነፎን፡ ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ፍርሒ ተዓዋቲ ምዃኑ ከምዘስተማቐረ ይሕብር፡

ተወፋይነትን ንኻልእ ግዜ ክህልወና ይግባእ፡ ንኻልኦትን ንእግዚኣብሔርን ግዜ ክህልወና፡ ጸሎትን፡ ንእግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና ቦታ ምስ እንህቦ ውሽጥና ብሰላም ይምላእ!

ሕቶ ምእንቲ ሕቶ ምቕራብ ዘይኰነስ ቅኑዕ ሕቶ ምቕራብ የድሊ

ኣብ ጥበብ ናይ ምዕባይ ምስጢር ቅኑዕ መልሲ ኣብ ምርካብ ዘይኰነስ፡ ቅኑዕ ሕቶ ኣብ ምርካብ እዩ፡ … ትርጉም ሕይወት እንታይ እዩ፡ ከመይ ገይረ መጻኢ ክሓንጽ? ዝብሉ ምዕዶትና ዘስፍሑ ቅኑዕ ሕቶታት ንኸነዕብይ ይመርሑን የተኻኽሉን፡ …. ንጃፓን ተድልይዋ ኢኻትኵም ንዓለም ተድልዩ ኢኻትኩም፡ ኣይትታኸሱ፡ ናይ ሓባር ቤት ናይ ምሕናጽ ብቕዓት ዘለኵም ለዋሃትን ሕጉሳትን ውዕዉዓትን ኩኑ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንመንእሰያት ናይ ነፍሲ ርእሰ ምስኣል የሎን

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንመንእሰያት ናይ ነፍሲ ርእሰ ምስኣል የሎን
26 November 2019, 17:38