ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያት ናይ ኣቢያተ ትምህርቲ መረብታዊ ማሕበር ኣባላት ጨንፈር ጃፓን ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያት ናይ ኣቢያተ ትምህርቲ መረብታዊ ማሕበር ኣባላት ጨንፈር ጃፓን  

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያት ናይ ኣቢያተ ትምህርቲ መረብታዊ ማሕበር ኣባላት ጨንፈር ጃፓን

ጥበብ ሓሳብ ስለ ዘለካ ኣይኰነን፡ ስለምንታይ ጥበብ፥ ብቀልብን - ሓንጐልን ሓሳብን ልብን ስለ ዝግለጽ እዩ

ቅዱስነቶም ነቶም መንእሰያት ስለ ምስክርነቶምን መሃዝነቶምን ከምዘመስገኑን እቶም መንእሰያት እውን ብወገኖም ከም ተመሃሮ ዘካይድዎ ኩሉ ዕዮ እንነብረሉ ዓለም ብኣቢያተ ትምርህትን ዝተፈላለየ ባህልን ሕዝብታትን ኣቢሉ ቅኑዕን ኣልቦ ውግእን ናይ ርክብን ስፍራ ክኸውን ዝኣመተ ተልእዀ ዘለዎ ምዃኑ ከምዝሓበርዎም ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ኣቢያተ ትምህርቲ መረብታዊ ርክባት ማሕበር ኣቦ መንበር ኾሴ ማሪያ ደል ኮራል ድሕሪ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ጃፓን ጨንፈር ናይ ኣቢያተ ትምህርቲ ርክባት ማሕበር ኣባል ብስም ኵሎም ኣባላት ጨንፈር 18 ዓመት ዝዕድሜኡ ሰይጂ ታናካ ኣብ ዘስመዕኦ ዘረባ፡ ትምህርትናን ዕዮታትናን ርክባትናን ኩሉ ቅኑዕን ፍትሓውን ሰላም ዝዓሰሎ ዓለም ኣብ ምህናጽ ግደ ዘለዎ ይኹን ዝብል ምዃኑ ከምዝገለጹ ዝሓበራ ማሶቲ ኣስዒበን፡

ቃል ምስጋና ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት

ጥበብ ሓሳብ ስለ ዘለካ ኣይኰነን፡ ስለምንታይ ጥበብ፥ ብቀልብን - ሓንጐልን ሓሳብን ልብን ስለ ዝግለጽ እዩ፡ ነዞም ሰለስተ ናይ ጥበብ መግለጺ ኣሳኒኻ ክትነብር እንክሎኻ፡ ብሓቂ መሃዛይ ትኸውን፡ ጥበብ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ክትዕጸው ኣይገብርን፡ ሓሳብ ግና ንበይኑ ነቲ ከማኻ ዘይሓስብ ንኽትንጽል ዝድርኽ ዕቑር ሓይሊ ዘለዎ እዩ፡ ስለዚህ ካብቲ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኽ ምንባር ዝብል ጣዕሚ ዝመስል ኩነት ተላቒቅካ ስግኣት ከይፈራሕካ ብጥበብ ምንባር የድሊ ቢሎም፡ ኣብቲ ሓድሽ ናይ ኣቢያተ ትምህርቲ ርክባት ማሕበር ጨንፈር ጃፓን ሕንጻ ዝትከልን ፈልሲ ኣውሊዕ ተኺሎም ናይቲ ሓድሽ ሕንጻ መግለጺ ጽላት ከምዝባረኹን እቲ ሓድሽ ሕንጻ ዕለት 25 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ከምእተመረቐ እውን ገሊጸን።

Photogallery

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያት ናይ ኣቢያተ ትምህርቲ መረብታዊ ማሕበር ኣባላት ጨንፈር ጃፓን
26 November 2019, 09:23