ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ተልእዀ ወንጌልን፡ ብዘይ ኢየሱስ እነካይዶ ጻዕሪ ኵሉ በራሲ እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ተልእዀ ወንጌልን፡ ብዘይ ኢየሱስ እነካይዶ ጻዕሪ ኵሉ በራሲ እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ተልእዀ ወንጌልን፡ ብዘይ ኢየሱስ እነካይዶ ጻዕሪ ኵሉ በራሲ እዩ

ቤተ ክርስቲያን እትህልው ኣብ ተልእዀ ወንጌል እዩ፡ ካብዚ ወጻኢ ቤተ ክርስቲያን ምዃና እዩ ዝጠፍእ፡ ብዘይ ተልእዀ ወንጌል ሃይማኖታዊ ስነ ምግባር እተስፍሕ ተራ ውድብ እያ እትኸውን

ፊደስ ናይ እተሰምየ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣባል ጃኒ ቫለንተ፥ ብዘይ ብኣኡ (ኢየሱስ) እንገብሮ ነገር ሓደ’ኳ የልቦን ብዝብል ኣርእስቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣሞርኵይዞም ዝደረስዎ መጽሓፍ ብቤት ማሕተም ቅዱስ ጳውሎስ ተሓቲሙ ካብ ዕለት 5 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝቐረበ ክፍለጥ እንከሎ፡ እታ መጽሓፍ ቅዱስነቶም ቤተ ክርስቲያን ኣብሳሪት ቃል እያ፡ ኣብሳሪት ቃል እንተዘይኰነት ቤተ ክርስቲያን ምዃና እዩ ዝጐድል፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ቤተ ክርስቲያን ክትከውን ዘይከኣል እዩ ዝበልዎ ሓሳብ ብኣጽንዖት እተመላኽት እያ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ወንጌል ሓሴት ነቶም ምስ ክርስቶስ ዝራኸቡ ልቦምን ሕይወቶም እዩ ዝመልእ፡ ቅዱስነቶም ነዚ ሓሳብ’ዚ ኣብቲ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስቱ ኣብ 2013 ዓ.ም. ዝደረሰዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝሕብርዎ ኰይኑ፡ ናይ ሮማ ጳጳስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝደረስዎ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ኣብ ዝተሓረዩሉ ሻምናይ ወርሒ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ር.ሊ.ጵጵስናኦም ሓዋርያዊ መርሓ ግብሪ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ተልእዀ ወንጌል ዳግም ዘቃንይ እዩ፡ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ተልእዀ ወንጌል ፍሉይ ወርሒ ክኸውን ከምዝገበሩን፡ ዛዕባ ኣማዞና ዝመኸረ ሲኖዶስን ብጠቕላል ዝፍጽምዎን ዝኽተልዎን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝብል እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ተልእዀ ወንጌልን፡ ብዘይ ኢየሱስ እነካይዶ ጻዕሪ ኵሉ በራሲ እዩ

ስልጣናዊ ትምህርቶም ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምዃንነት ማለት ኣብ ተልእዀ ወንጌል ዘተኰረ ኰይኑ፡ ወንጌላውነትን ኣስፍሆተ ወንጌል ክበሃል እንከሎ ግብረ ኣስዳዕነት ማለት ከምዘይኰኖ ኣርጊጾም ይምዕዱ፡ ቤተ ክርስቲያን ብእተቕርቦ ምስክርነትን ማራኽነትን እያ እትዓብይ እንክብሉ በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ ሓሳብ ደጊሞም የቃልሑ። ቅዱስ ኣቦና ኣብታ መጽሓፍ፡ ኣብ እንነብረሉ ዓለም ልኡካነ ወንጌል ኣብ ምዃን ምልዋጥ የድልይ ቢሎም፡ ወንጌላውነት ምልዋጥ፡ ብፍላይ ደጋጊሞም ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ጠቒሶም፡ ወንጌል ስበኽ ኣድላዪ እንተዀነ ብቓል ይብሉ፡ እዚ ኸኣ ብሕይወት ወንጌል ምምስካር ምከዘድሊ ንምሕባር እዩ፡ ጸዋዕታኦም ልኡካነ ወንጌል እዩ፡ ገና ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ተመሃራይ ዘርኣ ክህነት ደሓር እውን ከም ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝነበሮም ሃረርታ ኣብ ጃፓን ወንጌላዊ ልኡኽ ምዃን ዝብል ከምዝነበረን፡ ኢየሱስ ምብሳርን ወንጌሉ ምስፋሕን ናይ ጸዋዕታኦም መንነት ምዃኑ ኣሚኖም፡ ካብዚ ሃረርታ እዚ ነቒሎም እቲ ዝነበሮም ናይ ውንጌላዊ ልኡኽነት ሎሚ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእን እትወጽእ ቤተ ክርስቲያንን ናብ ወሰናስንን ደጋዊ ክፍሊ ዓለምን ህልውናን ምባል ከምዘድሊ ብዘመሓላልፍዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ተተርጉይሙ ወንጌላዊ ልኡኽነት የተባብዑን ይምዕዱን፡ ናይ መንፈስ ቅዱስ መልሲ ንእዋናዊ ዓለም።

ቤተ ክርስቲያን እትህልው ኣብ ተልእዀ ወንጌል እዩ፡ ካብዚ ወጻኢ ቤተ ክርስቲያን ምዃና እዩ ዝጠፍእ፡ ብዘይ ተልእዀ ወንጌል ሃይማኖታዊ ስነ ምግባር እተስፍሕ ተራ ውድብ እያ እትኸውን፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተነቓቒሕካ እቲ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ዘሕደረልካ ናይ ወንጌል ሓሴት ንኸተስፍሕ ልኡካነ ወንጌል ምዃን፡ ከምቲ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ዝግለጽ።

ወንጌል ንዅሉ፡ ንወንጌል ዘይቡቕዕ ዝበሃል ማንም ስብኣዊ ፍጥረት የሎን፡ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሳልሳይ ነዚ ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ዝነበረ ሓሳብ ክርስቶ ንዅሉን ናይ ኵሉን ድሕነት ኣምላኽን፡ ንዅሉን ምዃኑን ብፍላይ ነቲ ኣብ ወሰናስን ከተማታትን ሃገራትን ህልውናን ንዝርከ፡ ቤተ ክርስቲያን ዘይመንግስታዊ ትካል ኣይኰነትን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓውዲ ማእክል እትርከብ ቤት ሕክምና እያ፡ ኵሉ እትሓቁፍን እትፍውስን እትከናኸንን እዚ ናይ ተልእዀኣ ጉዳይ እውን እዩ፡ ስለዚህ ኣስፍሆተ ወንጌል ኵላዊ ሰብኣዊ ኵነት ዝምልከት እዩ፡ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ቅዱስነቶም ብሰፊሕ ተልእዀ ወንጌልን ወንጌላውነትን ወጅሂ ቤተ ክርስቲያን የብርሁ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ተልእዀ ወንጌልን፡ ብዘይ ኢየሱስ እነካይዶ ጻዕሪ ኵሉ በራሲ እዩ
05 November 2019, 17:34