ቫቲካን፡ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣይብ ቫቲካን፡ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣይብ 

ቫቲካን፡ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣይብ

እቲ ሽማግለ ምስ ቅዱስ ኣቦና ሓደስቲ ኣባላቱ ከምዘላለየን፡ ናይቲ ሽማግለ ኣባል ዶክተር ኢሪና ጊዮርጊየቫ ቦኮቫ እውን ብወገነን ቤተ ኣብራሓም እተሰምየ ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ዓ.ም. ተመሪቑ ዝተኸፍተ ቤት ዕላማኡ ብሰፊሕ ንቕዱስነቶም ከምዘብርሃ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ናይ ምስሪ ኣል - ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕመድ ኣል - ጣይብ ተቐቢሎም፡ እቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኤሚራት ዓረብ ብሓባር ዝኸተምዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድን እቲ ሰነድ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘዓዪ ዝቖመ ሽማግለ ብጋሴታቱን  ከምኡ እውን ብዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ዓለምን ዝብሉ ነጥብታት ኣማእኪሎም ከምእተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 15 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስነቶም ምስ ናይ ሕቡራት ኤሚራት ዓረብ ሃገራት መራሔ መግንስቲ ሳይፍ ቢን ዛየድ ኣል ናሕያን ብናይ ምስሪ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ማሕሙድ ሳምይን ካልኦት ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ላዕለዎት ኣካላትን ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ግብሪ ዘውዕል ሽማግለ ዋና ኣወሃሃድን  ምስ ዝተሰነዩ ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕመድ ኣል - ጣይብ ከምእተራኸቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩስ ጉይክሶትን ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ግሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዮኣኒስ ላሕዚ ጋይድን ከምእተሳተፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ክንክን ክብሪ ሕጻናት ኣብዚ ብስነ ኣሓዝ ኣብ ዝተራቀ ዓለምን ቅዱስነቶም ኣብ ኤሚራት ሃገራት ዓረብ ዘካይድዎ ምብጻሕን ሰብኣዊ ሕውነት ሰነድ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዓዪ ላዕለዋይ ሽማግለ ዘካይዶ ዘሎ ዕዮታትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ሰፊሕ ናይ ሓሳብ ልውውጥ ምክያዱ ጠቒሱ፡ እቲ ሽማግለ ምስ ቅዱስ ኣቦና ሓደስቲ ኣባላቱ ከምዘላለየን፡ ናይቲ ሽማግለ ኣባል ዶክተር ኢሪና ጊዮርጊየቫ ቦኮቫ እውን ብወገነን ቤተ ኣብራሓም እተሰምየ ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ዓ.ም.  ተመሪቑ ዝተኸፍተ ቤት ዕላማኡ ብሰፊሕ ንቕዱስነቶም ከምዘብርሃ ኣመልኪቱ።

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣይብ
16 November 2019, 17:24