ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝቖመ ግዚያዊ ቤት ሕክምና ግዳም ሓደር ምብጻሕ ኣክይዶም

እቲ በቢ ዓመቱ ብቕዱስ ኣቦና ፍሉይ ድላይ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተፈላለዩ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ወለንተይናታት ሓኻይምንም ንድኻታትን ግዳም ሓደር ዜጋታትን ዝቐርብ መደብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ናብ ዝወሃበሉ ብምኽንያት ነፍሲ ወከፍ ዓርብ ብዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምሕረት መሰረት ማንም ከይሓሰቦ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ወለንተይናታት ሓኻይምን ሰብ ክንክን ጥዕናን ግዳም ሓደር ዜጋታትን ከምእተራኸቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣግልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብቕዱስ ኣቦና ድላይ ዝተነቓቕሔ መዓልቲ ድኻታት በቢ ዓመት ክሕሰብ ካብ ዝጅምር እነሆ ለምዘበን ዕለት 17 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ሳልሳይ ዓመት የቑጽር ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ እውን ብናቶም ሓልዮትን ጻውዒትን ለበዋን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በቢ ዓመቱ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣገልግሎት ሕክምና መውሃቢ ድኳን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተተኺሉን ንድኻታትን ንግዳም ሓደርን ዝወሃብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ብሓቂ ዓቢይ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ማንም ዘይንጽል ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ክቐርብ ዝግብኦ ናይ መሰረታዊ ኣድላይነት ክፍሊ እዩ ዝብልን ድኻታትን ገዳም ሓደርን ኣብ ገዛእ ርእሶም ከይሕደጉ መታን ናይ ኩሉ ሕሊና ብፍላይ ናይቶም ኣብ መርሕነት ዝርከቡ ኣካላትን መንግስታትን ንምንቕቓሕ ዝብል ምዃኑ ሰፒያ ገሊጸን።

ኤለና ዝሽመን ጓል 75 ዓመት ተወላዲት ሮማኒያ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ንግዳም ሓደር ዜጋታት መውሃቢ ኣገልግሎት ሕክምና ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ኣብቅዑ ብተመሳሳሊ መንፈስ እውን ብናይ ጳጳሳዊ ናይ ምጽዋት ሓልዮት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪይ ተሰንዮም ኣብቲ ጥቓ ሃገር ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ግዳማዊ ግዝኣት ሕንጻ ሚሊዮሪ ብናቶም ሓልዮትን ድላይን መሰረት ንናይ ግዳም ሓደር ዜጋታት መዕቆቢ ዝኸውን ማእከል ተጠናቒቑን ባሪዀምን መሪቖምን ከምዝኸፈቱን ምስቶም ቀዳሞት ተኣንገድቲ ግዳም ሓደር ዜጋታት እውን ከምእተራኸቡ ሰፒያ ኣፍሊጠን።

ጽባቔ ይፍውስ

ቀዳማይን ካልኣይን ደርቢ ሕንጻ ሚሊዮረ፡ ግዳም ሓደር ዜጋታት መሕደሪ ክኸውንን ብወለንተይናታት ዝእለይን ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ቤት ንባብብ መዘናግዕን ስፍራ ዘለዎን ናይ ሕንጸትን ናይ ባህልን ክፍሊ እውን ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ ቤተ ክርስቲያን ካብ እትረኽቦ ምጽዋት ብናይ ጳጳሳዊ ሓልዮ ምጽዋት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተሰሊዑ ነዚ ልዑል ግብረ ሰናይ ከምዝወዓለን፡ ነቲ ግዳም ሓደር መሕደሪ ሕንጻ ዘድልይ ወጻእታት ብናይ ጳጳሳዊ ናይ ምጽዋት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ብቕዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስን ዝሸፈን ከምዝኸውን እውን ሰፒያ ሓቢረን።

ቀዋሚ ዲያቆን ካታልዶ እውን ንድኻታት ምግልጋል ኣማራጺ ዘይኰነ ወንጌላውነት እዮ

ቅዱስነቶም ነቲ መሕደሪ ግዳም ሓደር ዜጋታት ሕንጻ መሪቖም ምስ ከፈቱ ምስቶም ቀዳሞት ተአገንድቲ ከምእተራኸቡን፡ ኤለና ዝሽመን ጓል 75 ዓመት ተወላዲት ሮማኒያ ዝተሰምዔን ሓጐስ ገሊጸን፡ ቅዱስ ኣቦና ንኣና ድኻታት ሕያዋይን ሓላይን ብምዃንኩም ነመስግን ክብል፡ ምስ ናይ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተሓባበር ቀዋሚ ዲያቆን ካታልዶ እውን ንድኻታት ምግልጋል ኣማራጺ ዘይኰነ ወንጌላውነት እዮ፡ ብሓጺሩ ኢየሱስ ምንባር እዩ ኢሎም።

16 November 2019, 17:40