ድለ

ድላይ ር.ሊ.ጳ.ን  ናይ ኣንግሊካን ቤተ ክርስቲያን ቀዳማውን ብሓባር ደቡብ ሱዳን ንምብጻሕ ድላይ ር.ሊ.ጳ.ን ናይ ኣንግሊካን ቤተ ክርስቲያን ቀዳማውን ብሓባር ደቡብ ሱዳን ንምብጻሕ 

ድላይ ር.ሊ.ጳ.ን ናይ ኣንግሊካን ቤተ ክርስቲያን ቀዳማውን ብሓባር ደቡብ ሱዳን ንምብጻሕ

በራትና በራት ልባትናን ከፊትና ንኽንቅበለኩም ሕጉሳት ኢና፡ ከም ጋሻ ወይ ውን መጻእተይና ዘይኰነስ ከም ናይ ቅዱሳንን ናይ ስድራ ቤት እግዚኣብሔር ዜጋ ንቕበለኩም (ኤፈ. 2, 19-20)

ዕለት 13 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ካተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ናይ ውህደት ኣግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ብፁዕ እቡነ ጁስቲን ወልባይን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ናይቲ ክሌኣዊ ርክብ ሕመረት፡ ህልው ኩነታት ማሕበረ ክርስቲያንን ዓለም ሓቆፍ ቅልውላውን ብሓባር ኣብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ዝብል ሓባራዊ ድላይን ምንባሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣንድረያ ደ ኣንጀሊስ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦናን ር.ሊ.ጳ. ወልባይን ህልው ኩነታት ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ዘተሓሳስቦም ከምዝዀነ፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ገሊጾም፡ ንደቡብ ሱዳንን ሕዝባን ዘለዎም ናይ ሓባር ሻቅሎት እውን ዓቢይ ከምዝዀነን፡ ብሓባር ናብታ ሃገር ንኽበጽሑ ድላይ ከምዘለዎም ዝሓበሩ ደ ኣንጀሊስ ኣስዒቦም፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሶም፡ እቲ ዘለዎም ናይ ሓባር ድላይ ክረጋገጽ ዝኽእል እውን ምዃኑን፡ እዚ ዝረጋገጽ ግና ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ህልው ፖለቲካ ኣብታ ሃገር ናይ ሓድነት መንግስቲ ክቐውም ዝፈቕድ ከይኑ ምስ ዝርከብ እዩ እንክብሉ ሓቢሮም፡ ብተወሳኺ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መንፍሳዊ መራሒ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይን ኣብ ዓለም ህልው ኩነታት ማሕበረ ክርስቲያንን ብፍላይ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣተኵይሮም ብዛዕባ ህልው ኩነታት ዓለም ከምእተመያየጡን፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ሮማ ናይ ውህደት ኣግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማእከል ኣመሓዳርን ኣብ ቅድስቲ መንበር ወኪል ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብን ሊቀ ጳጳሳት ያን ኤርነስት ከምእተሳተፉን፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 10 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸረ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ናብ ደቡብ ሱዳን ንኽበጽሑ ዘለዎ ድላይ ከምዝገለጹ የዘኻኽሩ።

ቀዳማይ ርክብ ር.ሊ.ጳ.ን ሊቀ ጳጳሳት ወልባይን

ቅዱስ ኣኦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ወልባይ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ብፁዕ ካርዲናል በርጎሊዮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ፡ ዕለት 21 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሕርየቶም ኣብ ዝዘወድሉ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝተረኽብሉ እዋን ከምእተሳተፉን፡ ብትኽክል እቲ ቀዳማይ ርክብ ዕለት 14 ሰነ 2013 ዓ.ም. ዝተኻየደ ኰይኑ እዚ ኣብ ጳጳሳዊ ቤተ መዝገብ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ 1956 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ምስቶም ኣብቲ እዋን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ዝነበሩ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ሚካኤል ራምሰይ ክራኸቡ፡ በራትና በራት ልባትናን ከፊትና ንኽንቅበለኩም ሕጉሳት ኢና፡ ከም ጋሻ ወይ ውን መጻእተይና ዘይኰነስ ከም ናይ ቅዱሳንን ናይ ስድራ ቤት እግዚኣብሔር ዜጋ ንቕበለኩም (ኤፈ. 2, 19-20) ዝበልወን ቃላት ናቶም ገይሮም በዘን ቃላት እዚኣተን ከምተቐበልዎም ዝዘከሩ ደ ኣንጀሊስ ኣስዒቦም፡ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ ናይ ካንተርበይ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ንኽዀኑ ኣብ ዝሓረዮም ናይ ዮርክ ሲኖዶስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ክልተ ሳዕ ከምዝጠቐሱ የዘኻኽሩ።

ስዒቦም ዝተኻየዱ ርክባት

ዕለት 20 መስከረም 2019 ዓም. ኣብቲ በቢ ዓመቱ ኣብ ኣሲዚ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጸሎት መእንቲ ሰላምን ዕለት 5 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ርክብ ጳውሎስ ሻድሻይን ኣብቲ እዋን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርብርይ ሊቀ ጳጳሳት ራምሰይን ኣብ ዝተኻየደ ብሓባር ዘቃልሕዎ ኣብ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ምእንቲ ክዀኑ ዝብል ጸሎት፡ መሰረት ምእንቲ ሓድነትን ውህደትን ዘካይድዎ ጾሎተ ዘሰክር ዝዘከሩ ደ ኣንጀሊስ ኣስዒቦም፡

ደቡብ ሱዳን ናይ ምብጻሕ ሓሳብ

ወርሒ ሚያዝያ, 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብድላይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ ሓሳብ ተቐቢሎም ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዘሰናደውዎ ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ መንግስቲ መራሕትን ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካን በርገሳውያን ላዕለዎት ኣካላትን ምእንቲ ሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝብል ሱባኤ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ከምእተራኸቡን፡ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ለካቲት, 2017 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ተቐቢሎም ኣብ ዘዛራረቡሉ ዕለት ኣብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ንኸካይዱ ዘለዎም ድላይ ከምዝሓበሩን ኣብታ ሃገር ምስ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳ ወልባይ ብሓባር ምብጻሕ ምክያድ ዝብል ዝክረ ነገር ይጽናዕ ኣሎ እንክብሉ ባዕሎም ቅዱስነቶም ሓቢሮም ክምዝነበሩ የዘኻኽሩ።

ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ብምኽንያት በዓለ ጰራቅሊጦስ 2019 ዓም.

ኣብ ወርሒ ግንቦት 2019 ዓም. ብምኽንያት በዓለ ጰራቅሊጦስ በቲ ኣብ ትዊተር ዘሎ ናይ ማሕበራዊ መረብት ኣድራሻኦም ኣቢሎም ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓጺር ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መንፈስ ቅዱስ ንናይ መንፈስ ቅዱስ ተግባራት ልባትና ንኸርህዎ ንጸልይ ዝብል ጸሎት ኣብቲ መግስትኻ ትምጻእ እተሰምየ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዝተመስረተ ናይ ጸሎት ምንቅስቓስ መደብ ጸሎት ዝሓብር ጸሎት እዩ ከምዝበሉ ደ ኣንጀሊስ የዘኻኽሩ።

ድላይ ር.ሊ.ጳ.ን ናይ ኣንግሊካን ቤተ ክርስቲያን ቀዳማውን ብሓባር ደቡብ ሱዳን ንምብጻሕ
14 November 2019, 17:36