ር.ሊ.ጳ.፥ ኢየሱስ ብሕይወት ንምግልጋል ዝተጸዋዕኵም ኢኻትኵም ር.ሊ.ጳ.፥ ኢየሱስ ብሕይወት ንምግልጋል ዝተጸዋዕኵም ኢኻትኵም 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኢየሱስ ብሕይወት ንምግልጋል ዝተጸዋዕኵም ኢኻትኵም

ኣናጐስጢስን መዘምራንን ኣብ ሮማ ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት ናይ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን መቓብር ክበጽሑን ክሳለሙን ዘብቅዕ ዓቢይ ጸጋ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ፈረንሳ ኣባላት ማሕበር ኣናጐስጢስን መዘምራን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ካብ ዕለት 24 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 28 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ኣብ ዝካየድ መደብ መንፈሳዊ ንግደት ንኽሳተፉ ብወግዒ ከምዝዓደምዎም ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ነቲ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ቅዱሳት ስፍራ ዝፍጸም መንፈሳዊ ንግደት ፍሉይ ዝተቐደሰ እዋን እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ ኢየሱስ ጐይታ ኣብ እዋን መስዋዕተ ቅዳሴ ንኸተገልግሉ ይጽውዓኩም፡ እቲ ንኽትሳተፉ ዝተዓደምኩምሉ መደብ መንፈሳዊ ንግደት እውን ንኣኡ ብዝያዳ ንምፍቃርን ኣብ ፍቕሩ ንምትጋህን ዝድግፍ እዩ፡ ንጐይታ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ከከም ጸዋዕታና ድሕሪ እንቕርቦ ኣገልግሎት፡ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ንኸነገልግሎ እውን ንጽዋዕ፡ ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ምርኻብን፡ ልኡካን ኢና፡ እዚ ክንርስዖ ዘይብልና ጸዋዕታ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ካፐሊ ኣስዒበን፥

ኣብ ኣሰር ጴጥሮስን ጳውሎስን

ኣናጐስጢስን መዘምራንን ኣብ ሮማ ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት ናይ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን መቓብር ክበጽሑን ክሳለሙን ዘብቅዕ ዓቢይ ጸጋ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ናይቲ ዝፈጸምዎ ተባዕ ነቲ ምእንቲ ኢየሱስ ጐይታ ሕይወትካ ክሳብ ኣሕሊፍካብ ምሃብ ዝብል ናይ ቃልን ሕይወት ምስክርነት ምስትውዓልን ኣብ ኣሰር እዞም ቅዱሳት ክርስቲያናዊ ሕይወት ንኽንነብርን ቢሎም፡ ዕለታዊ ሕይወት ኣብ ዘቕርበልካ ምስ እምነት ዘይሰማማዕ ፈተናታትን ሃልኪ ህይወትን ኣብ ልዕሌዅም ዝንዛሕ ህየሳን ኩሉ፡ እተቐርብዎ ናይ ሕይወት ሕቶታት ኵሉ ምስርክነት እቶም ቅዱሳት ኣብነት ይኩንኵም ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ኣብ ሓባራውነት ዝዓበየ ትብዓት ይንበር

እቲ እተካይድዎ መንፈሳዊ ንግደት ብተወሳኺ እውን ምስቶም ብተመሳሳሊ ተልእዀ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዘገልግሉ ኣናጐስጢስ ንምርኻብ ዕድል እዩ እንክብሉ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም፡ ኣብቲ እተቕርብዎ ኣገልግሎት ክሓብር ዝደልይ ዓድሙን ኣሳትፉን፡ ንበይንና ክርስቲያን ንኽንከውን ዘይኰነ ኵላትና ብሓባር ክርስቲያን ንኽንከውን እዩ፡ ክርስትና ኣብ በይናውነት ዘይኰነ ብሓባር፡ ስለምታይ ኣብ ሓድነት ብርታዔ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ሓባራውነት ዝዓበየ ትብዓት ኣሎ ከምዝበሉ ካፐሊ ሓቢረን ኣስዒበን እውን፡ ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ንዅላትኩምን ምእንታዅምን እጽልይ፡ ብወገንኵም ከኣ ጸሎትኵም ስለ ዘድልየኒ ስሌይ ምጽላይ ሓደራ ኣይትረስዑ፡ ኣገልግሎተይ ከቢድ እዩ፡ ቅድስተ ማርያም ጽላል ትኹንኵም እግዚኣብሔር ኣቦ ይባርኹም እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኢየሱስ ብሕይወት ንምግልጋል ዝተጸዋዕኵም ኢኻትኵም
13 November 2019, 17:55