ር.ሊ.ጳ.፥ንመንበረ ጥበብ ሉምሳ፡ ብዙሕነት ምኽንያት ግጭት እዩ ብዝብል ዓለም ኣይትዕገቡ ር.ሊ.ጳ.፥ንመንበረ ጥበብ ሉምሳ፡ ብዙሕነት ምኽንያት ግጭት እዩ ብዝብል ዓለም ኣይትዕገቡ 

ር.ሊ.ጳ.፥ንመንበረ ጥበብ ሉምሳ፡ ብዙሕነት ምኽንያት ግጭት እዩ ብዝብል ዓለም ኣይትዕገቡ

ከም መንበረ ጥበብ ምስ ድኻታት ተኻፊልካ ንምንባርን ንምግልጋሎምን ኣብ ዝብሉ መደባት ንኸዋሳእ ዝሓንጽ ክኸወን ኣለዎ …

ዕለት 14 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መበል 80 ዓመት ምስረታ ሉምሳ- ናጻ መንበረ ጥበብ ቅድስተ ማርያም ዘፍልሰታ ተመሃሮን መምሃራንን ተቐቢሎም፥ ኣእምሮን ልብን ኣእዳውን ኣጣሚርኩም እትዓዩን በቲ ብዝሑነት ከም ምኽንያት ግጭት ብዝብል ዓብልሊ ኣመለኻኽታ ኣይትዓግቡ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም 6 ሺሕ ተመሃሮን መምሃራንን መንበረ ጥበብ ሉምሳ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 80 ዓመት ምስረታ ተቐቢሎም፡ እቲ መንበረ ጥበብ ከም ካቶሊካዊ  መንበረ ጥበብ ናይ ሮማ ጳጳስ ማሕበረሰብ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ እቲ መንበረ ጥበብ ቅድሚ 80 ዓመት ብልዊጂ ቲንካኒ ዝተመሰረተ ከምዝዀነ ቅድሚ ቅዱስነቶም ዘረባ ዘስምዑ ናይቲ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ፍራንቸስኮ ቦኒኒ ከምዝሓበሩን፡ ቅዱስነቶም ንተማሃሮን መምሃራንን መንበረ ጥበብ ሉምሳ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ንኽልግሱ ብምፍቃዶም እውን ከምዘመስገኑ ዝሓበራ ሰፒያ ኣስዒበን፡

ንምትሕብባርን ንምትእምማንን ዝድግፍ

ቅዱስነቶም ቅዱሳን ጳውሎስ ሳድሻይን ጅሆን ሀንርይ ነው ማንን ዘኪሮም፡ መንበረ ጥበብ ደላይ ሓቅን ምርምር ሓቅን ትርጉም ዘተ እተዕሙቐሉን ስፍራ እዩ ስለዚህ ኣብ መንጐ ዘርኢ ሰብ ዓለም ስላምን ስምምዕን ንኽህሉ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ግደ ከምዘለዎ ሓቢሮም ንናይ ሮማ ትረ መንበረ ጥበብ ተመሃሮ ዕለት 17 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ተቐቢሎም፥

ከም መንበረ ጥበብ ምስ ድኻታት ተኻፊልካ ንምንባርን ንምግልጋሎምን ኣብ ዝብሉ መደባት ንኸዋሳእ ዝሓንጽ ክኸወን ኣለዎ … በዚ መንፈስ’ዚ ከም ተቐመጥቲ ከተማ ሮማ ነዛ ከተማ እዚያ ናይ ሓባር ቤትና ምዃንና ተቐቢልና ድኻታት ንምግልጋልን ናይ ምርኻብን ምትሕብባርን ባህሊ ዝንበረላ ንኽትከውን መታን ናይ ኵሉ ጻዕሪ ይሓትት፡ ብፍላይ ናይ መናብርተ ጥበብ፡

ካቶሊካዊ መንበረ ጥበም ምዃን

መንበረ ጥበብ ሉምሳ፡ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ መጻሕፍቲ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ዕሴታት ዝሓንጽን ንናይ ኩሉ ሰብኣዊ ፍትረትን ንናይ ሓባር ጥቕምን ኣገልግሎት ዘተባብዕን ኣብዚ ውስጠ ተራኻቢ ዝዀነ ዓለም፥ ሓላፍነት ብኸመይ ዓይነት መንፈስ ክንበር ከምዘለዎ ክሕብሩ እንከለዉ፡

ናይ ተልእዀን ስኒትን ሓላፍነት

እዚ ናይ ተልእዀን ስኒትን ሓላፍነት፡ በነዲክቶስ መበል 16 ንናይቲ ናይ ሮማ ጥንታዊ መንበረ ጥበብ ላሳፔንዛ ተመሃሮን መምሃራንን ተቐቢሎ ኣብ ሓደ እዋን ብሕቶን መልስን ኣገባብ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ናይ መንበረ ጥበብ ኣናስር ኣብቲ ፍጥረት ሰብ ብኑባሬ ዝተዓደሎ ኣብ ምፍላጥ ዘሎ ሓጐስ እዩ፡ ከባቢኡን ብዛዕባ ገዛእ  ርእሱን ክፍለጥ … ዳላይ ሓቂ እዩ፡ ብቕኑዕ ኣገባብ ዘተ ሓቂ ንምዳልይ ከፍርሓና የብሉን፡ ሓቅን ናጻነትን ሰናይን፡ እዘን ሰለስተ ቃላታ እዚኣተን መንበረ ጥበብ ዝመርሓ ክዀና ኣለወን፡ … ክንየው ቀላማውን ሙያውን ሕንጸት ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ሕንጸት ዘቕርብ ክኸውን ኣለዎ

ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡

ናይ ማሕበራውን ውስጠ መናብራዊ ጥበብ ሓላፍነትን

ማሕበራዊ ሓላፍነት፡ ምስ ህያው ናይ ማሕበረሰብ ሓይልታት ምርኻብን ንምሉእ ኵለንተናዊ ምዕባለ ብሓባር ምጉዓዝ፡ ማንም ከይንጸል ኣብ ዝብል ዕላማ ሓላፍነት ዝስምዖ፡ ስለዚህ መንበረ ጥበብ ሉምሳ፡ ዝተነጸለ ክፍሊ ሕብረተሰብ መታን ከይሁሉ ኣብቲ ድኻታት ዝክርከብሉ ከባቢታት ጨናፍር መናብርተ ጥበብ ንምቛም ክዓዪ ኣተባቢዖም፡

ብቑሩብ ሕጉስ ዘይምዃን፡ እዚ ከፍርሓና የብሉን

In fide et humanitat - ኣብ እምነትን ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረትን ኣዚ ሓሳብ እዚ ናይ መንበረ ጥበብ ሉምሳ መርሕ ቃል እዩ፡ ስለዚህ ባዕሉ እቲ ናይቲ መንበረ ጥበብ ሰንደቕ ቃል፡ ኵለንተናውነት የመላኽት፡

ኵላትኵም ተመሃሮን መምሃራንን … በራት ልባትኵምን ቀልብኹምን ንኸተርህዎ አተባብዕ፡ ካብቲ ገማማዕን ዓብላልን ስነ ኣመለኻኽታ ንስኻትኵም ተመሃሮ ገዛእ ርእስኹም ሓለዉ፡ ካብቲ ብዙሕነት ምኽንያት ግጭት ዝብል ዓለም እትዓግቡ ኣይትዅኑ፡ …. ንስኻትኩም መምሃራን ተመሃሮዅም ምሉእ ዓቕሞምን ክእለቶምን ንኽጥቀሙ እተነቓቕሑን ክትዀኑ ኣለኵም

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዘዚሞም ከምእተፋነዉ ሰፒያ ገሊጸን።

ር.ሊ.ጳ.፥ንመንበረ ጥበብ ሉምሳ፡ ብዙሕነት ምኽንያት ግጭት እዩ ብዝብል ዓለም ኣይትዕገቡ
15 November 2019, 17:03