ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ትንሳኤ ናይ ሕይወት ትርጉምን ሸቶን እዩ

ዕለት 4 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ንዝተፈልዩ ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳት ጳጳሳትን ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንተዝካር ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝስምዕዎ ስብከት፡ ትንሳኤ ጸዋዕታ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት እዩ ቢሎም፡ ትንሳኤ ናይ ሕይወት ትርጉምን ሸቶን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜን ቫቲካን ረዲዮ ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ኣስዒበን ኣብ 2019 ዓ.ም. 13 ብፁዓን ካርዲናላትን 147 ጳጳሳትን ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልዩ ካምፓኒለ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ተወኪሰን የመልክታ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 6 ዝተወስደ ምንባበ ወንጌል ኣሞርኵይዞም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ጦብላሕታናን ናይ ኣምልዀ መግለጽታትናን ሒዝና ካብ ገዛእ ርእስና ምውጻእ፡ ናብ ኢየሱስ ትንሳኤ ምባል፡ ናብዚ ዓለም ናይ ምምጻእና ኣመክንዮ እዩ ቢሎም፡

ናብ ህያው ኢየሱስ ምኻድ

እቲ ናባይ ዚመጽእ ከኣ ንወጻኢ ኸቶ ኣይክድርብዮን እየ! ዝብል ቃል ጠቒሶም፡ ጉዕዞና እንምርምረሉ ነስተንትኖ ዝጠቕሙ ሕቶታት፥

ህያው ኴይንካ ናብ ጐይታ ንምባል ዶ ወይ ከኣ ኣብ ገዛእ ርእሳዊ ዒንኪላሎ ምንባር? ናይ ጉዕዞይ ኣንፈት እንታይ እዩ? ብምስሉይነት ዝመላለስን ክፍተው ዝብል ዓይነት ኣነባብራ ድየ ዝነብር፡ ናይ ገዛእ ርእሰይ ናይ ስልጣን ሓላፍነት ጥራሕ ድዩ ዘገድሰኒ? ወይ ከኣ ናብ ኢየሱስ ኣቕኒዔ እየ ዝጓዓዝ? ነቲ ናባይ ዝመጽእ ከኣ ንወጻኢ ከቶ ኣክድርብዮን እየ ዝብልቃል … ንዝኣምን ናይ ኢየሱስ ምዃንን ወይ ከኣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ምዃን እዩ፡ ንዝኣምን እታ ምርጫ ሓንቲ እያ፡ ናይ ኢየሱስ ዝዀነ ካብ ገዛእ ርእሱ ወጺኡ ናብ ኢየሱስ ዝብል እዩ።

ሕይወት ኵሉ ናብ ዝብል እዩ፡ ካብ ማሕጸትን ኣደ፡ ኩሉ ኣብ ምወጻእ እዩ፡ … ካብ ገዛእ ርእስኻ እውን ከይተረፈ ምውጻእ እውን እዩ፥

ኣብዛ መዓልቲ’ዚኣ ምእንቲ ካብ ምድራዊ ሕይወት ወጺኦም ምስ ትንሱእ ንራኸቡ ዝተፈልዩና ኣሕዋትና ብፁዓን ካርዲናላት ጳጳሳትን ክንጽልይ እንከለና፡ እቲ ንዅሉ ትርጉም ዝህብ ከቢድ ዝዀነ ምውጻእ፥ ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእ ዝብል ሓቂ መግለጺ እዩ፡ ካብ ገዛእ ርእስና ብምውጻእ ጥራሕ ኢና ነታ ናብ ጐይታ እትመርሕ መዓጾ እነርህዋ፡ ስለዚህ ነዚ ዝፍጽሙ ኮይንና ክንርከብ ጸጋኡ ንለምን፡

ትእምርቲ ሃይማኖተይናነት

ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ፍቕሪ መፈጸምታ የብላን ብዝብል ቃሉ ዝተመርሔ መቃቢያዊ ይሁዳ ካብዛ ዓለም ብሞት ንዝተፈልዩ ዝፈጸሞ ግብረ ሃይማኖት፡ ክንይወ ምድራዊ ሕይወት ካልእ ሕይወት ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ፡ ምስ ትንሳኤ ዝተተሓሓዘ፥

ምእንቲ ካልኦት እትፍጽሞ ምግባረ ሃይማኖት መዓጾ ዘለዓለማውነት ዘርህው እዩ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝተናዕቁን ኣብ ሕሰም መከራን ድኽነትን ዝርከቡ ፊት ኣብራኽካ ምዕጻፍ ናብ መንግስተ ሰማያት ምባል ማለት እዩ፡ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፋ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ምዕ. 13 ፍቕዲ 8 - ፍቕሪ ነባሪት እያ ዝብሎ፡ በታ መፈጸምታ ዘይብላ ፍቕሪ ዲና ንመላለስን ኣብ ቅድሚ ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ልግስናን ርህራሄን ንነብር? ምእንቲ እቶም ዝተረስዑ እጽልይ ዶ? ክመልሰለይ ንዘይክእል ኣብ ድኽነት ንዝርከብ እድግፍ ዶ? እዚ ተራ ሓይልዮትን ረኣዩለይ ዘይብል ሓልዮት እዩ፡ እዚ ናይ ሕይወት ሕቶን ጉዳይ ትንሳኤን እዩ፡

ኣብ ፊት እግዚኣብሔር ከምዘለኻ ገርካ ገዛእ ርእስኻ ምሕሳብ

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ቅዱስ ኢግንጺዮ ዘሎዮላ መንፈሳዊ ትምህርቲ ተሞርኵይዞም፥ ናብ ትንስኤ ዘቕንዔትን ዘመስረቐትን ሕይወት ምንባር ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ክሕብሩ እንከለዉ፡

ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ፡ ቅድሚ ዝዀነ ይዅን ኣገዳሲ ውሳኔ ምውሳድካ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከምዘለኻ ምሕሳብ፡ ማለት ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ሕይወት ኣብዛ ምድሪ ገርካ ብምሕሳብን ምንባርን እንክብል ይምዕድ፡ ስለዚህ በዚ ዓይነት ኣገባብ’ዚ ዝኽወን ምርጫ ብግቡእ ዝተመስረቐ እዩ፡ ስለምንታይ ነቲ ናይ ሕይወት ትርጉምን ሸቶን ንዝዀነ ትንሳኤ ቀረባ ብምዃኑ፡

ዕለት ብዕለት ንጭቡጥ ኵነት ብዓይኒ ጐይታ ንምጥማት ምልምማድን - ምንባርን የድሊ፥

ነቲ ናባይ ዝመጽእ ከኣ ንወጻኢ ከቶ ኣክድርብዮን እየ ዝብል ናይ ኢየሱስ ቃል ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ከምዝሕብሮ፡ ካብቲ ኣቦ ዝሃበኒ ሓደ’ኳ ከይጠፍእ ዝብል ቃሉ ናይ ሕይወትና ሕቶ ገይርና ንኽንነብሮ ፈቓደይናታት ኴይንና ንረኸብ፡ ምስቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ሕያው ምስ ዝዀነ ናይ ኢየሱስ ድላይ ድላይና ምስ እነዋድድ፡ ዕለታዊ ሕይወትና ወጋሕታ ትንሳኤ ዝነብር ይኸውን፡

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ትንሳኤ ናይ ሕይወት ትርጉምን ሸቶን እዩ
04 November 2019, 17:15