ር.ሊ.ጳ. ንክርስቲያን ሰብ ሓዳር፡ ናይ ሕያው እግዚኣብሔር ቅርጺ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ኢኻትኵም

ንሱ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ብትብዓት ኪምህር ጀመረ ጵርስቅላን ኣቂላን ምስ ሰምዕዎ ኸኣ ወዲኦም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ ኣብ ዝብል ንባብ ኣሞርኵይዞም

ሎሚ ዕለት 13 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 18 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 3 ዝተወስደ ምንባብ፥ ድሕሪዚ ጳውሎስ ካብ ኣቴና ናብ ቆሮንጦስ ከደ ሓጸይ ቀላውዴዎስ ኵሎም ኣይሁድ ካብ ሮማ ኪወጹ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ ኸኣ ጵርስቅላ ምስ ሰበይቱ ካብ ዓዲ ጥልያን ሽዑ ቕነ ዝመጸ ሓደ ኣቂላስ ዚብሃል ኣይሁዳዊ በዓል ጶንጦስ ኣብ ቆሮንጦስ ነበረ ጳውሎስ ከኣ ምሳኣቶም ተፋለጠ፡ ሰፋይ ድንኳን ስለ ዝነበረ ድማ እናዓየየ ምስኣቶም ተቐመጠ

ዝብል ምስ ተነበ ነቶም በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከቡ ምእመናን ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 18 ፍቕዲ 26 ንሱ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ብትብዓት ኪምህር ጀመረ ጵርስቅላን ኣቂላን ምስ ሰምዕዎ ኸኣ ወዲኦም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ  ኣብ ዝብል ንባብ ኣሞርኵይዞም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳውሎስ ኣብ ቆሮንጦስ ዝተራኸቦም ሰብ ሓዳር ኣቂላን ጵርስቅላን ኣይሁዳውያን ዝሃብዎ ኣብነት፡ ንክርስቲያን ሰብ ሓዳር ብጠቕላላ ንዓለማውያን ምእመናን ዓቢይ መገዲ ሓባሪ ምዃኑ ገሊጾም፡ ንምስፋሕን ምዕባለን እምነት ዱኽዒ ምዃን፡ ንሕዋት ኣብ እንህቦ ኣገልግሎት እውን፡ ነቲ ሎሚ ከይተረፈ ሓሓሊፉ ዝረአይ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድን ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይማኖት ናጽነቶም ዝገሃስን ዝሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቀረባ ንኽንከውንን ንኸነገልግሎምን ዘተባብዕ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጋብሬኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ቅድስነቶም ዝለገስዎ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም ነቶም ብምኽንያት ዝነበረ ዝናምን ቁርን ነቲ ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ካብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ብምስማዐ ርእየት መሳርዕ ዝከታተሉ ንዝነበሩ 250 እካለ ስንኵላንን ኣሰነይቶምን ሰላምታን ቡራኬን ከምዘመሓላለፉ ዝሓበራ ቸራዞ ኣስዒበን፡

ኣይሁዳውያን ምስዳድ ሰብኣውን ክርስቲያናውን ተግባር ኣይኰነን

ቅዱስነቶም ኣብ ቆሮንጦስ ዝፍጸም ዝነበረ ኣስፍሆተ ወንጌል፥ ጳውሎስ ካብ ኣቴነ መጺኡ፡ ኣብ ቆሮንጦስ ኣብ ቤት ጵርስቅላን ኣቂላን እንገዳ ይርከብ፡ ንሳቶም እውን ኣይሁዳውያን እያቶም ዝነበሩ፡ መጻእተይናታት፡ ኣብ ሮማ ብውሳኔ ሓጸይ ቀላውዴዎስ ኩሎም ኣይሁዳውያን ሮማ ለቂቖም ክወጹ ብዝብል ውሳኔ ተገዲዶም ናብ ቆሮንጦስ ዝመጹ እያቶም፡ ሎሚ እውን ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ዝፍጸም ኣሳዶን ግፍዕን ምርኣይ ብሓቂ ክንደይ የሕዝን፡ ኢሰብኣውን ኢክስርቲያናውን ተግባር ምዃኑ ገሊጾም፥

ሕዝቢ ኣይሁድ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ብርቱዕ ስቓይ ዘሕለፈ እዩ፡ ተሰጒይጉን ተሳዲዱን፡ … ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝተፈጸመ ግፍዒ … ሎሚ እቲ ግፍዒ ኣብቂዑ እዩ ዝብል እምነቶ እውን ዘሎና ከይንና ከነብቅዕ፡ እቲ ዘሕዝንን ዘቖጥዕን ከኣ ሓሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለየ ካብቢ ዓለም ክድገም ዝርአይ ምዃኑ እዩ፡ ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን እዚ ተግባር እዚ ሰብኣዊ ኣይኰነ ክርስቲያናዊ እውን ኣይኰነን፡ ኣሕዋትና እያቶም፡ ክሳደዱን ክጋፉዑን የብሎምን

ሰብ ሓዳር ናይ ልግስን ናይ ክርስቲያናዊ እንገዳ ጥበብ እያቶም

ሰብ ሓዳር ኣቂላን ጵርስቅላን ነታ ኣብ ቆሮጦስ እተወልደት ቀዳመይቲ ማሕበረ ክርስቲያን ንምግልጋል ስድዋት ዝዀኑን ንሳቶም ናይቶም ኣብ ኣፍሆተ ወንጌል ዝጽመዱ ናይ ብዙሓት ሰብ ሓዳርን ዓለማውያን ምእመናን ምስሊ እያቶም፡ ንቃል ጐይታ ኣብ ዓለም ንምስራጽን ንዝደዱን ዝሳደዱን ንምእላይን ክርስቲያናዊ እንገዳ እንመሃረሉ ቤት እዩ፡ ነቲ ብእምነት ኣብ እግዚኣብሔር ዘተመልኤ ልቢ ምስጋና ይዀን፡ ንመጻእተይና ቦታ ዝህብ ልግሲ ዝንበሮ እዩ።

ክርስቲያናዊ እንገዳ ንምንባር ካብ ገዛእ ርእሳዊ ምእኵልነት ምልቓቕ ዝብል ተምሳጥን የድሊ፡ በራት ቤቶም ከፊቶም ንጳውሎስ ዘአንገዱ፡ በዚ መንፈስ እዚ ንኣስፍሆተ ወንጌል ጥራሕ ዘይኰነ ወንጌል ንኸበስሩ ንዝመጹን እቲ ብስራተ ወንጌል ንዘምጽኦን እውን የእንግዱ፡ ‘ወንጌል …  ንዚኣምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ(ሮማ. 1,16) ከምዝበሎ፡ ካብታ ሰዓት እቲኣ ኣትሒዛ እታ ቤት ኣቂላን ጵርስቅላን በቲ ሕይወት ዝህብን ልቢ ዘህይውትን መዓዛ ወንጌል ተመልኤት፡

ስድራ ቤት ንእትስደድ ቤተ ክርስቲያን ቤት

ቤት ኣቂላን ጵርስቅላን ናይ ቤተ ክርስቲያን ቤት ትኸውን፡ ነሕዋትን ኣሓትን በራታ ክፉትቲ ዝኸነትን ቃል ኣምላኽ ዝስምዓላን ቅዱስ ቁርባን ዝስርዓላን፥

ሎሚ እውን ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ዝገሃሰሉ ከባቢ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ኣባይቲ ክርስቲያን ክኽጽልዩን ንክውዱስን ቅዱስ ቁርባን ንኽሰርዑን ብሕቡእ ዝራኸቡሉ ስፍራ ይኸውን፡ ንእትሳደድ ቤተ ክርስቲያን ምዕቆቢ ትኸውን፡

ዓለማውያን ምእመናን እምነት ዝኸላኸሉን ዘማዕብሉን

እቶም ሰብ ሓዳር ኣብ ልቢ ጳውሎስ ንሓዋሩ ዝዝከሩ ይዀኑ፡ ናብ ኤፈሶን ደሓር እውን ናብ ሮማ ምስ ተመልሱ እታ ኣብ ቆሮንጦስ ዝነበረት ቤቶም ቤት ትምህርቲ ትምህርተ ክርስቶስ ኰይና ትቕጽል፡ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮም ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፡ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ተሓባበርተይ እንክብል ሰላምታ የቕርበሎም፡ ሕይወቱ ካብ ሞት ንምድሓን ዝኸፈልዎ መስዋዕትነት ዘኪሩ የመስግን፡ ሎሚ እውን ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ነቶም ዝሳደዱ ኣድህኖት ሕይወቶም ዝስውኡ ከምዘለኡ ዘኪሮም፡ ሰብ ሓዳር ኣቂላን ጵርስቅላን ንዅሎም ኣባይቲ ሰብ ሓዳርን ዓለማውያን ምእመናንን ሓለፍትን ኣገልገልቲ ማሕበረሰብን ኵሎም እቶም ክሳብ መስዋዕቲ ሕይወት ኣውን ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ንዘገልግሉ ኣብነት ምዃኖም ከተሓሳስቡ እንከለዉ፥

ንስኻትኵም ዓለማውያን ምአመናን ብዝተቐበልክዎ ጸጋ ጥቅመት ኣቢልኩም እምነት ንቕድሚት እተብሉ ኢኻትኵም፡ ናይ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራን ሰብ ሓዳርን ማሕበረ ክርስቲያንን ተልእዀ፡ ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዋ፡ ዓለማውያን ምእመናን ወንጌል ዘዕብዩ ድዅዒ እያቶም። ነቲ ሰብ ሓዳር ህያውን እውነተይና ናይ እምነት ቅርጺ ንኽዀኑ ዝገበረ እግዚኣብሔር ነመስግን፡ … ህያው ቅርጺ ኵኑ፡ መንፈስ ኣምላኽ እተስፍሑ፡ ልክዕ ከም ኣቂላን ጵርስቅላን ቤቶም ናብ ዘቤታዊት ቤተ ክርስቲያን ዝቐየሩ፡ ናይቲ ዝንበር እምነትን ተስፋን ፍቕርን መግለጺ ዝዀነ ሱታፌን ስግደትን ኣምልዀን ዝንበራ ቤት።

ናብ ታይላንድ ጃፓንን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ

እንክብሉ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም፡ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ሰላምታ ቃል፡ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ዝረአይ ዓመጽ ከብቕዕን ነቶም ገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ሓለዋ ክግበርን ተላብዮም፡ ነቲ ዕለት 19 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ዝጅምርዎ ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኩሉ ብጸሎት ከሰንዮም ሓደራ ቢሎም፡ ኦ ጐይታ ነቶም ዝበጽሖ ሕዝቢ ፍዳፍድ ጸጋኻ ዓድል ዝብል ጸሎት ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ቸራዞ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ንክርስቲያን ሰብ ሓዳር፡ ናይ ሕያው እግዚኣብሔር ቅርጺ ዝዀት ቤተ ክርስቲያን ኢኻትኵም
13 November 2019, 18:00