ጸሎት ር.ሊ.ጳ ምእንቲ ማሕበራዊ ሰላም ኣብ ቦሊቪያ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ምእንቲ ማሕበራዊ ሰላም ኣብ ቦሊቪያ 

ጸሎት ር.ሊ.ጳ ምእንቲ ማሕበራዊ ሰላም ኣብ ቦሊቪያ

እቲ ናይቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ተቖጻጻርን ድምጺ ቆጻሪ ኣካል ብሓላፍነትን ብዘይ ተጻብኦን ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ኣሚቱ ዳግማይ ምጽራይ ውጽኢት ሕዝባዊ ምርጫ ከሳልጥ እምሕጸን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ሕዳር 2019 ዓም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡ ህልው ኩነታት ቦሊቪያ እናሓሰቡ፡ እቲ ሰሙናት ዘቑጽር ዘሎ ኣብ ቦሊቪያ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ተተሓሒዙ እቲ ምርጫ ምትላል ዝተራእዮ ነይሩ ቢሉ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ብርእሰ ብሔር ሞራለስ ዝምራሕ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ዝቃወም ፖለቲካዊ ውድብ ዝጠለቦ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ስዒቡ ዝተኣታተወ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዘይምርግጋእ ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ ንጸልይ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ማርኰ ጉወራ ኣስዒቦም፡ ናይ ቦሊቪያ ርእሰ ብሔር ኤቮ ሞራለስ ዕለት 10 ሕዳር 2019 ዓ.ም. መዓስ ይካየድ ብትኽክል ዕለት እውን ኣይግለጹ ኣቲ ሕዝባዊ ምርጫ ዳግም ክካየድ ኣለዎ ዝብል ውሳኔ ከምዘመሓላለፉ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እታ ነታ ንዝተወለድኩላ ሃገረይ ፍቕርቲ ቀረባ ዝዀነት ቦሊቪያ ምእመናን ክጽለይ ሓደራ ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ እቲ ድሕሪ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ስዒቡ ዝተኣታተው ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዘይምርግጋእ ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡  ናይቲ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዘይምርግጋእ ቀንደይና ምኽንያት ዝዀኑ ናይ ፖለቲካ ኣካላት፡ እቲ ናይቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ተቖጻጻርን ድምጺ ቆጻሪ ኣካል ብሓላፍነትን ብዘይ ተጻብኦን ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ኣሚቱ ዳግማይ ምጽራይ ውጽኢት ሕዝባዊ ምርጫ ከሳልጥ እምሕጸን ከምዝበሉ ዝሓበሩ ገወራ ኣተሓሒዞም፥

ናይ ሃገራት ኣመሪካ ውድብ

ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 3 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ናይ መላእ ሃገራት ኣመሪካ ውድብ እቲ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቦሊቪያ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ግልጽነት ዝጐደሎን ብግልጺ ተጽእኖ ዝተራእዩ እዩ ኔሩ ቢሉ ክስረዝን ዳግማይ ሓድሽ ሕዝባዊ ምርጫ ክካየድ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ምርጫ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጽብጻብ ከምዝሓበረ ገሊጾም፥

ናይ ሕዝባዊ ምርጫ ተቕጻጻሪ ቤት ፍርዲ

ርእሰ ብሔር ሞራለስ፥ ኣብ ርእሰ ከተማ ላ ፓዝ ዕለት 10 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ናይቲ ብዙሕ ነቐፌታን ህየሳን ዝፍነወሉ ዘሎ ነቲ ናይ ድምጺ ቆጸራ ማንም ከይተጸበዮ ንኽቋረጽ ዝገብረ ናይ ሃገሮም ናይ ሕዝባዊ ምርጫ ተቖጻጻሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣካላት ብሓደስቲ ኣካላት ክትክኡ ዝብል ውሳኔ ከምዘመሓላለፉ ዝሓበሩ ገወራ ኣስዒቦም፡ ርእሰ ብሔር ሞራለስ ኣብ 2006 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ስዒሮም ርእሰ ብሔር ኰይኖም ዝመርሑ ዘለዉን ናይቲ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ምርጫ እውን ተዓዋቲ ምዃኖም ከምዝገለጹን፡ ናይ ሃገራት ኣመሪካ ውድብ ዝህቦ ውሳኔ እውን ክቕበል ስንድው እየ እንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩ የዘኻኽሩ።

ጸሎት ር.ሊ.ጳ ምእንቲ ማሕበራዊ ሰላም ኣብ ቦሊቪያ
11 November 2019, 17:20