ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ብዛዕባ ሞት ዝንዛሕ ኣሉታዊ መልእኽትታት ንቃወም ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ብዛዕባ ሞት ዝንዛሕ ኣሉታዊ መልእኽትታት ንቃወም 

ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ብዛዕባ ሞት ዝንዛሕ ኣሉታዊ መልእኽትታት ንቃወም

በዓለ ኵሎም ቅዱሳትን ቅዱሳንን ዘለዎ ልዑል ሃይማኖታውን መንፈሳውን ክብሪ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብሓባር ምስ ነጋድያን መሪሖም ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብማሕበርን ብውልቅን ንዝተረኽቡ ኵሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ዕለት 1 ከምኡ እውን ዕለት 2 ሕዳር ክብረ በዓል ኵሎም ቅዱሳትን ቅዱሳንን ዝኽሪ ኵሎም ምዉታንን ዝብዓል ከምዝዀነን እዘን ክልተ በዓላት እዚኣተን፡ ንመንፈሳዊ ንግደትን ጸሎትን ዝነቕሑ ኣናሓሰቡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ብዛዕባ ሞት ኣሉታዊ መልእኽትታት ኣብ ዝንዝሓሉ ዘሕዝን እዋን፡ ነዚ ኣሉታዊ መልእኽቲ ብምቅዋም ኵሉ ኣብ ከተማታቱን ኣብ ከባቢኡን ናብ ዝርከቡ ናይ መቓብር ስፍራ ንጸሎት መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽም ቅዱስነቶም ተላብዮም፡ እዚ ናብ መቓብር ስፍራ ዝፍጸም ንግደት ናይ እምነት ተግባር ምዃኑ ከምዝሓበሩ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሳልቫቶረ ትሮፐኣ ኣስዒቦም፡

እቶም ክልተ በዓላት ኣብ መንጐ ምድርን ሰማይን ዘሎ ርክብ መግለጺ እያቶም

ቅዱስነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንማሕበር ዓለማውያን ምእመና ልኡካነ ወንጌል ዶን ቦስኰ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ በዓለ ኵሎም ቅዱሳትን ቅዱሳንን ዘለዎ ልዑል ሃይማኖታውን መንፈሳውን ክብሪ ኣዘኻኺሮም፡ ካብ ዝተፈላለያ ቁምስናታት ዝተዋጽኡ ነጋድያንን ማሕበረሰብን ኣብዘን መዓልታት ዝተፈላለዩ ናይ ጸሎት መደባት ዘነቓቕሑ ንዘለዉን ኵሎም ሰላምታ ኣቕሪቦም ብምምስጋን፡ እዘን ክልተ ዓበይቲ በዓላት እዚኣተን ኣብ መንጐ ኣብዛ ምድሪ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ምስታ ሰማያዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ መንጐናን ብሞት ዝተፈለዩናን ፍቱዋትናን ዘሎ ምትእስሳር ዝምስክራ እያተን ከምዝበሉ ገሊጾም።

ፕሪሺላ ትሕተ መሬት ቤተ መቓብር ስፍራ

ካብ ዝተፈላለያ ናይ ኢጣሊያ ቁምስናታት ዝተዋጽኡ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣብ ጥንቲ ናይ ክርስትና ታሪኽ ትሕቲ መሬት ናይ መቓብር ስፍራ መንፍሳዊ ንግደት ዘካይዱ ንዘለዎ ኣባላት ማሕበር ካቶሊካዊ ተግባር ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ካብ ፈረንሳን ካብ ኢጣሊያ ከባቢ ሚላኖን ዝመጹ ኵሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ዕለት 2 ሕዳር 2019 ዓ.ም. መዓልቲ ዝኽሪ ኩሎም ሙታን ምኽንያት ኣብ ከባቢ ሮማ ጐደና ሳላሪያ ኣብ ዝርከብ ናይ ጥንቲ ክርስቲያን ቤተ መቓብሪ ፕሪሺላ ትሕቲ መሬት ናይ ቀዳማይ ዘመን ክርስቲያን ናይ መቓብር ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብኡ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እውን ምዃኖም ገሊጾም። ኵሉ ስለ ሙታን ክጽሊ ሓደራ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሳልቫቶረ ትሮፐኣ ኣፍሊጦም።

ብዛዕባ ሞት ዝንዛሕ ኣሉታዊ መልእኽትታት ንቃወም
02 November 2019, 17:14