ንምሕረት እግዚአብሔር ምስ ካልኦት ንምክፋል ሰበኽቲ ወንጌል ኩኑ! ር.ሊ.ጳ ንካቶሊካውያን ታይላንድ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 21 ሕዳር 2019 ዓምፈ ኣብ ሃገራዊ ሜዳ ባንግኮክ ሃገረ ታይላንድ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነቶም ጐይታ ኣሳናድዩልና ዘሎ ኣባላት ዓባይ ስድራቤት ቤተክርስትያን ኰይኖም ቃል ኣምላኽ ሰሚዖም ፍቃዱ ብምፍጻም ኣሐኣትናን ኣሓትናን ኣደታትናን ዝኾኑና ንምርካብ ከምቲ ቅድሚ 350 ዓመት ክልተ ልኡኻት ስብከተወንጌል ዝገብርዎ ንሕናው ንስብከተ ወንጌል ንውፈር እንክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

 ‘መን እያ ኣደይ! መንከ እዮም ኣሕዋተይ!’ (ማቴ 12.48)

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዘን ቃላት እዚአን ገቢሩ ነቲ ንኩሉ ብሩህ ዝመስል ኩነት ብሕቶ ምቅራቡ ንሰማዕቱ ግር የብል። እዛ ግህድቲ ትመስል ሕቶ ግን ኣብ ኣእዛን እቶም ሰማዕቲ ብሓዲስ መንገድን መንፈስን ትቀርብ እሞ መልሳ ኸኣ ‘ፍቃድ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ዝገብር እዩ ሓውይ ሓፍተይ ኣደይ’ (ማቴ 12.50) ኢሉ ከኣ ሓዲስን ንጹርን መልሲ ይህቦም። ከምዚ ብምግባር ከኣ ነቲ ዝፈርስ ዘይመስል ዝነበረ ናይ ግዜኡ ውሳኔታት ሃይማኖትን ሕግን ምፍራስ ጥራይ ዘይኮነ ንሰማያዊ ኣቦኡ ቅድምያ ብምሃብ ንሱ እውን እንኮ ወዱ ብምዃኑ ቀዳምነት ከምዝግብኦ የተንብህ። ነቶም ክሰምዑ ፍቃደኛታት ንዝኾኑ ከኣ ቃል ወንጌል ክፉት ዕድመን ነፍሲወከፍ ከኣ ብንጻ ዚወሃብ መሰል ከምዝኾነ ይገልጽ።

ብዙሕ ግዜ ቃለ ወንጌል በዚ ኣገባብ እዚ ነቶም ሰማዕዱ ሓያል ሕቶታት ብምቅራብን ቁሩብ ተናዊጾም ተኸተልቱ ኰይኖም ንቅድሚት ክግስግሱን ነታ ሕይወት ክትህብን ክተሐድስን እትኽእል ሓቂ ክረኽብዋ ይዕድም። እዘን ሕቶታት ቃለ ወንጌል ንልብና ክኸፍታን ነታ ዝበለጸት ሕዳሴ ሃዋሁ ንምርካብን ክንዮ ሓሳባትና ይወስደና። ሕቶታት መምህርና ኩሉ ግዜ ሕይወትና ከሐድሱ ንመነባብሮ ማሕበራትና ከኣ ወደር ኣልቦ ታሕጓስ ክህቡ እዮም ዚቀርቡ።

ኣብዚ ምድሪ እዚ ንዝመጹ ቀዳሞት ሰበኽቲ ወንጌል  እዚ እዩ ገጢምዎም። ንሕቶታት ጐይታ ንክምልሱ ኣብ ዝፈተኑሉ ካብታ ብትውልድን ባህልን ወገንን ዝቆመ ሥድራቤት ዝሰፍሐ ሥድራቤት ከምዘለዎም ተገንዚቦም። ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተደፊኦምከስ በቲ ካብ ሓዲስ ዜና ወንጌል ዝውለድ ተስፋ ሳንጣታቶም መልኡ እሞ ነቶም ዘይፈልጥዎም ናይዛ ሓዳስ ሥድራቤት ኣባላት ንምድላይ ጒዕዞ ጀመሩ። እዞም ሰበኽቲ ወንጌል እዚኦም ኣብ ታይላንድ ንዝርከቡ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣደታቶምን ገጾም ንምርኣይ ልቦም ነቲ ዝኸፋፍል ዝተፈላለየ ቅጽላት ሰጊሩ ኣብቲ ዋና መኣዲ ሰንበት ዘይርከቡ ንከሳትፉ ተበገሱ። እዚ ተበግሶ እዚ ገለ ነገር ንምሃብ ጥራይ ዘይኮነ ንዓኦም ዝጐድሎም ነገራት እውን ካብኦም ተቀቢሎም ብእምነትን ብርድኢት ቅዱስ መጽሓፍን ንክዓብዩ የድልዮም ስለዝነበረ እውን ነበረ።

ከምዚ ዚዓይነቱ ርክብ እንተዘይህሉ ነሩ ክርስትናና ገጻትኩም ምጐደሎ እቲ ፍሽኽታ ደቂ ታይላንድ ዝገልጽ ፍሉይ ተውህቦ መዛሙራትኩምን ሳዕስዒትኩምን ምጐደሎ። በዚ ከምዚኸስ ነቲ ንኩሉ ኣብ ሓደ ክትጭብጥ ወይውን ኣብ ሓደ ባህሊ ክትዕብልል ዝብል ጸብጻባትናን ሓልዮትናን ዚዓቢ መደብ ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ኣቦ ክርእዩ ክኢሎም። ሓዋርያ ስብከተ ወንጌል ናይ እምነት ሸቃጢ ኣይኮነን! ደቂ እምነቱ ከብዝሕን ከስድዕን ዝብገስ እውን ኣይኮነን እንታይ ደኣ ሓደ ድኻን ለማንን ምዃኑ ፈሊጡ ነቲ ኢየሱስ ንኩልና ዝዓደሎ ናይ ዕርቅን ምሕረትን ሥራሕ ብሓባር ምስኦም ኰይኑ ዘብዕል ኣሕዋትን ኣሓትን ኣደታትን ከምዘድልይዎ ዚፈልጥ ኰይኑ ከምቲ ጐይታ መርዓ ኣሰናድዩ ኣብ መንገዲ ንዝረኸብኩምዎ ኩሉ ዓድሙ ኢሉ መኣዲ ዘሰናደው እሞ ዝጽበየና ብሓባር ንምስታፍ ዝተበገሱ እዮም (ማቴ 22.4.9)። እዚ ዕድመ እዚ ምንጪ ሓጎስን ምስጋናን ምሉእ ደስታን እዩ ምኽንያቱ ከኣ እግዚአብሔር ክንዮ ገዛእ ርእሰና ነቲ ሓቀኛ ኣነነትና ክንረክብ ስለእንፈቅደሉ እዩ። ምንጪ ሥራሕ ስብከተ ወንጌል ከኣ ኣብዚ እዩ (ሓሴት ወንጌል 8)።

ሓዋርያዊ መንበር ሽያም ካብ ዝምሥረት ድሮ 350 ዓመታት ሓሊፉ (1669-2019) እዚ ከኣ ዓቢ ምልክት ናይ ሃንጐፋይ ኢልካ ንሰበኽቲ ወንጌል ምቅባል እዩ። ካብ ኩሎም ንስብከተ ወንጌል ዝተላእኩ ክልተ ጥራይ ነቲ ዘርኢ ንክዘርኡ ትብዓት ረኺቦም። እዚ ዘርኢ እዚ ከኣ ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚሩ ይዓብን ይፈርን ኣሎ። ዝተፈላለየ ሓዋርያዊ ተበግሶ ነዛ ሃገር ብምውፋይ ከኣ ዓቢ ኣበርክቶ ገሩ። እዚ ዝኽሪ እዚ ናፍቆት ናይ ዝሓለፈ ኣይኮነን ዘመልክት እንታይ ደኣ ሓዊ ተስፋ ኰይኑ ሎሚ እውን እንተኾነ ከምታ ናይ ሽዑ ውሳኔን ሓይልን ተኣማንነትን ንክንምልሽ ይዕድመና። ናይ በዓልን ምስጋናን ዝኽሪ ኰይኑ ነታ ካብ ወንጌል እንረኽባ ሓዳስ ሕይወት ምስ ካልኦት ገና ዘይፈልጥናዮም ኣባላት ስድራቤትና ንምክፋል ንክንወጽእ ይደፋፋኣና።

ናይዛ ናይ ጐይታ ስድራቤት ክፍሊ ክንከው እንክንውስንን ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ማለት ንሓጢኣተኛታትን ንኩሎም ዘይንጹሓት ተባሂሎም ዝተፈረጁ ፍጡራት ኣብ መኣዲ ኣቦ ቦታ ከምዘለዎምን ከምዝሳተፉን ንከረጋግጸሎም ምሳኦም ኣብ መኣዲ ኰፍ ንምባልን ንምትንካፎምን ዘይፈርሐ ንሕና እውን ንኩሉ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክነካፍል ከሎና ኩልና ሓዋርያት ስብከተ ወንጌል ኢና። ነቶም ዘይንጹሓት ዝበሃሉ ንብምትንካፎምን ብኣኣቶም ንክትንከፍ ብምፍቃድን ቅርበት እግዚአብሔር ከምዝርድኡ ገሩ ንሳቶም እውን ብፁዓን ከምዝኾኑ ገሊጽሎም (ቅ.ዮሓንስ ጳውሎስ 2ይ ቤተክርስትያን ኣብ ኤስያ 11)

ኣብዚ ግዜ እዚ ሃመይን ቀልበይን ግዳይ ኣመንዝራነትን ንግድ ደቂሰባትን ዝኾኑ ሕጻናትን ደቂ ኣንስትዮን እዩ ዘሎ። ሓቀኛ ክብረቶም ተገፊፉ ዘሎ ናይ ዕጸ ፋርስ በራዩ ዝኾኑ መንእሰያት እውን ከምኡ። እዚ ኩሉ ትርጉም ሕይወቶም ከምዝስእኑን ሕልሞም ከምዝበንንን ትርኢቶም ከምዝድወንን ይግብሮም። ከምኡ እውን ካብ ገዛውቶምን ስድራቤታቶምን ተፈልዮም ኣብ ስደትን መከራን ንዝርከቡ ከምኡን ብዙሓት ተረሲዖም ኰይኑ ዝስምዖም ዘኽታማትን ሰብ ዘይብሎምን ካብ ኩሉ መሰረታዊ ናይ ናብራ ነገራት ከም በዓል መብራህቲ ማይ ዝሰኣኑ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነቲ ዘጸናንዕ ዕርክነት ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይረኸቡ ምሳኡ ሓቢሮም ዝጽልዩሉን ዝቅበሎምን ማሕበረ እምነት ዘይረኸቡ መኣዝንን ትርጉምን ሕይወት ዝሰኣኑ ንዘክር (ሓሴት ወንጌል 49)። ከምኡ እውን እቶም ዝምዝመዙ ዘለው ገፈፍቲ ዓሳን ማንም ዘይዝክሮም ኣብ ፈቀዶኡ ዘለው ለመንትን እሓስብ።

እዚኦም ኩሎም ክፍሊ ስድራቤትና እዮም! ኣደታትናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እዮም። ማሕበራትና ናይዞም ሰባት እዚኦም ወጅሂ ኣቊሳል በሰለታት ሰሓቆምን ናብራኦምን ክጐድሎ የብሉን። ንኣቊሳሎምን መውጋእቶምን ብምሕረት ፍቅሪ እግዚአብሔር ንዘንነሎም። ናይ ስብከተ ወንጌል ሓዋርያ ስብከተ ወንጌል ማለት ሰዓብቲ ንክተጥሪ ዝግበር ጻዕርን ሓይሊ ክተርኢ ዝግበር ቃልሲ ከምዝኮነ ይፈልጥ እዩ። ስብከተወንጌልሲ ንክትነብር መዓጹ ምኽፋት ነቲ ምሕረት ዝመልኦ ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ምክፋል ስድራቤት እግዚአብሔር ንዝገብረና ምፍዋስ እግዚአብሔር ምብጻሕ እዩ።

ዝኸበርኩም ማሕበር ታይላንድ ንወጅህታት ናይቶም እግዚኣአብሔር ዝልግሰልናን ገና ኣብ መኣዲ ቅዱስ ቊርባን ክሳተፉ ዘይከኣሉን ኣደታትን ኣቦታትን ኣሕዋትን ኣሓትናን ድሊና ንክንረኽቦምን ንክንፈልጦምን ኣሰር እቶም ቀዳሞት ሰበኽቲ ወንጌል ተኸቲልና ንቅድሚት ንገስግስ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

21 November 2019, 18:51