ናይ ምንባር ትርጉም ምጥፋእ እቲ ዝዓበየ ሽግር ምዕቡላት ሃገራት እዩ! ር.ሊ.ጳ

ሶሙን መጸ ኣብ ዕለተ ሮቡዕ ዝቀርብ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ሎሚ እውን ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ ሾመንተ መዓልቲ ኣብ ሃገራት ታይላንድን ጃፓንን ንዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣመልኪቶም ግብዝና ዓለምና ከምዝተሓሳሰቦም ምናዳ ኸኣ ግብዝና ናይታ ብዛዕባ ሰላም እናመደርካን እናዘመርካን ብውሽጢ ውሽጢ ዚካየድ መሸጣ ኣጽዋር ውግእ ኰኒኖም። ብቀንዲ ኣብዚ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ብምዕዛብ ኒክለራዊ ኣጽዋር ፈጺሙ ካብ ገጽ ምድሪ ክጠፍእ ዘለዎም ኩነኔ ከምዝገለጹን ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ዘመንና ዝካየድ ምዝመዛ ደቂሰባት ብሕልፊ ደቂ ኣንስትዮን ትሕቲ ዕድመን ዝምልከት ዋና ትምህርቶም ነበረ። ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ንዝመጽእ ሰንበት ግረቾ ኣብ ትብሃል ከተማ ሃገረ ጣልያን ብምኻድ ነቲ ቅ.ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ቀዳማይ ናይ ልደት በዓቲ ዝሰርሓላ ቦታ ክበጽሑ ምዃኖም ሓቢሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ትርጉም ሕይወትን ዘንጸላልዋ ጸገማትን ኣመልኪቶም ካብቲ ቀንዲ ኣብ ዘመንና ንሕልቂት ዘመደ ኣዳም ዝደናደን ኣቶሚካውን ኒክለራውን ኣጽዋር ጀሚርካ ክሳብ ናይ ምንባር ትርጉም ምጥፋእ ቀንዲ ክንዋግኦም ዘሎና ጸላእቲ ሕይወት ምዃኖም ኣመልኪቶም። ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ማዕቢልና ዝብላ ሃገራት ዘሎ ቀንዲ ጸገም ትርጉም ሕይወት እንታይነት ምንባር ምጥፋእ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም እዚ ነቲ ቀንዲ ህላዌና ስለዝትንክፍ ብዘይ ወዓል ሕደር ክንሰርሓሉ ዘሎና ጉዳይ ኩልና ምዃኑ ገሊጾም። ኣብቲ ዘቅረብዎ ሓጺር ጸብጻብ ናይ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ሃገራት ታይላንድን ጃፓንን ሕመረት መሪሕ ዝነበረ ሕይወት ወሳንን መሰረታውን ሕቶ ደቂሰባት ምዃኑ ምግንዛብ ከምዝነበረ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ንሕይወት ክትከላኸለላ እንተደኣ ኰንካ ንሕይወት ብዓንደ ርእሳ ክተፍቅራ የድሊ። ሎሚ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዘሎ ዚዓበየ ግድል ወይ ብደሆ ትርጉም ምንባርካ ምጥፋእ እዩ። ናይዚ ባዶሽ ኣተሕሳስባ እዚ ቀዳሞት ግዳያት ከኣ እቶም ተስፋ ኩሉ ዝኾኑ ተስፋ ሃገር ተስፋ መጻኢ ዝኾኑ መንእሰያት እዮም። ስለዝኾነ ከኣ ከም ቀንዲ ጉዳይ መርሓ ግብር ብምግባር ኣብ ቶክዮ ሃገረ ጃፓን ብፍላይ ንመንእሰያት ክረክብ ምሳኦም ግዜ ከሕልፍ ወሲነ። ነዚ ከኣ ሕቶታቶምን ሕልምታቶምን ጽን ኢለ ንምስማዕ ዝገበርክዎ እዩ። ኩሉ ምስ ሰማዕኩ ድማ ንዝኾነ ናይ ዓርከ መሰታ ዓመጽ መንእሰያት ክቃለስዎ ኣተባቢዕዮም ከምኡ እውን ንዝኾነ ፍርሒ ከሸንፉ ካብ ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ክዕንቅጾም ንዝፈታተን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኻ ናይ ምትራፍ ፈተና ከሸንፉ ኣብ ጸሎትን ኣገልግሎት ብጾቶምን ክጽመዱ ሓደራ ኢለዮም።”

ብዘይካ እዚኦም ካልኦት መንእሰያት እውን ኣብ ሶፍያ ዪኒቨርሲቲ ረኺበ ንኣታቶም እውን ከም ኩለን ካልኦት ዪኒቨርሲታት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ኣብያተ ትምህርታን ኣብ ሃገረ ጃፓን ብዙሕ ተቀባልነት ከምዘለዎም ገሊጸሎም።

ብድሕር’ዚ ቅዱስነቶም ዓቢ ዘይብል ንእሽቶ ናይ ዘመንና ሕማም ግብዝነት ምዃኑ ብቀንዱ ከኣ ንሰላምን ንግድ ኣጽዋርን ብዝምልከት ብዛዕባ ሰላም ድምጺ ክሳብ ዝልሕተት ድሕሪ ምምዳር ብሕቡእ ኣጽነቲ ዝኾኑ ኣጽዋር ሸጥካ መኽሰብ ንምርካብ ዝግበር ናይ ዘመንና ግብዝነት ነቲ ሕይወት ምክልኻል ዝብል መሪሕ ቃል ሓውጾተ ኖልዎኦም ከዝጻረር ገሊጾም።

ብዛዕባ ሰላም እናተዛረብካ ኣጽዋር ናይ ምሻጥ ግብዝና!

ቅዱስነቶም ኣብዚ ዘዘኻኸርዎ መሪሕ ቃል ናይ ሓውጾተ ኖልዎ ሃገረ ጃፓን ‘ሕይወት ምክልኻል’ ዝብል ምንባሩ እዚ ከኣ ነታ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኻ ግዳይ ኣቶሚክ ቦምብ ብምዃን ኣብ ናጋሳኪን ሂሮሺማን ንዓለም ዘሰከሐ ሕልቂት ዝተራእየሉ ሳዕቤኑ ከኣ ገና ኣብ ልዕሊ ሕይወት ዘይተወደኤ ንመላእ ዓለም ምስክር ብምዃን በሰላ ኣቶሚካዊ ደብዳብ ንመላእ ዓለም ናይ ሰላምን ብሕይወት ምንባርን ወሃብቲ ቃል ይገብሮም። ኣብ ክልቲኡ ቦታታት ተረኺቦም ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎትን ካብ መዓት ሂሮሲማን ናጋሳኪን ንእስክላ ድሒኖም ክሳብ ሕጂ ነቲ በሰላ ተሸኪሞ ዝኸዱ ከምኡ እውን ንቤተሰብ ናይ ገለ ግዳያት ረኺቦም ኣብ ዘዘረራረቡሉ ‘ተሪር ኩነኔ ንኣጽዋር ኑክሌር’ ብምቅራብ ነቶም ብኣፎም ብዛዕባ ሰላም ዝዛረቡ ተሓቢኦም ግን ኣጽዋር ዝሸጡ ግቡዛት ክብሉ ወቂሶም። ንዓለምና ካብዚ ግብዝና እዚ ነጻ ንምግባር ንቃለስ እውን ኢሎም።

ሃገረ ጃፓን ድሕሪ ዕንወት ኣቶሚክ ቦምብ ንዘርኣየቶ ትብዓትን ተበግሶን ምክልኻል ሕይወት ዘመስገኑ ቅዱስነቶም ካብ 2011 ዓምፈ ንነጀ እውን ኣብ ፉኩሺማ ዘጋጠማ ምንቅጥቃጥ መሬትን ይኹን ሱናሚ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣብቲ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዘመንጩ ብኒክለራዊ ሓይሊ ዝንቀሳቀስ ማእከል ዝወረደ ማእሰይትን ኣከባብያዊ ዕንወትን ንምብዳህ ዝገበርዎ ቃልስን ዓወትን ኣመጒሶም። በዚ ተመኲሮ እዚ ከኣ ሃገረ ጃፓን ምስ ኣከባቢ ብሰላምን ውህደትን ናይ ምንባር መራሒት ትኹን ኢሎም።

ሃገረ ጃፓን ምስ ኣከባቢ ብሰላምን ውህደትን ናይ ምንባር መራሒት ትኹን።

ቅዱስነቶም ኣብ ሃገረ ጃፓን ምስ ኣተው ጋሕጋሕ ምድሪ ንመጀመርያ ረኺኦም ዘዘራረብዎም ኣቡናት ሃገረ ጃፓን ነበረ። ንእሽቶ ቤተክርስትያን ውሑዳን ኰይኑ ብሓቂ መባዅዕቲ ወንጌል ብምዃን ኣብ ምሉእ ሃገረ ጃፓን ጽቡቅ ሥራሕ ንእተበርክት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንዝመርሑ ኣቡናት ቀዳማይ ሥራሖም ስብከተ ወንጌልን ሕይወት ምክልኻልን ምዃኑ ገለጹሎም። ቀጺሎም ምስ ሰበሥልጣን እታ ሃገርን ኣካላት ዲፕሎማሲን ኣብ ርእሲ ምርኻብ ገዛኢ እታ ሃገር ናሩሂቶ ንምርካብ እውን ዕድል ረኺቦም።

ሓፈሻዊ ብዝኾነ ኣመላኽታ ቅዱስነቶም ንሃገረ ጃፓን እንክገልጹ ‘ኣብ እትውንኖም ናይ ዝተፈላለዩ እምነታት ዕሴትን ሞራልን ጸኒዓ እንክትነብር ንመልእኽቲ ወንጌል ከኣ ክፍቲ ዝኾነት ሃገር። ኣብ ዘመንና ኣብ መንጎ ኣከባብን ወዲሰብን ከመይ ዝበለ ውህደትን ክህሉ ከምዘለዎን ፍትሕን ሰላምን ዝመልኦ ዓለም ንምህናጽ መራሒት ክትከውን ከምእትኽእል እውን ኣተንቢሆም።

ቅዱስነቶም ነዚ ናይ ሽድሽተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ በታ ጥንታዊት መንግሥቲ ግን ከኣ ብልዑል ናህሪ ናብ ዘመናውነት ዝሰገረት ሃገረ ታይላንድ እንክጅምሩ እዛ ብመንፈሳውን ባህላውን ሃብቲ ዝበልጸገት ጥንታዊት ሃገር እዚኣ ንኩሉ ኣብነት ዝኸውን ተወሃሂድካን ተጻዊርካን ናይ ምባር ኣብነት ብምዃን ወትሩ ፍሽኽታ ዘይፍሎም ስልጡናት ሕዝቢ ኢሎሞም። ኣብዚ እውን ንቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገርን ሰብሥልጣናትን ውሉደ ክህነትን ጳጳሳትን ከምኡ እውን ውስተ ሃይማኖታውን ሓድነታውን ርክባት ናይ እምነታት ኣካዪዶም።

ቅዱስነቶም ብሓፈሻ ስለ ሰብኣውነት እንክዛረቡዎም ቀንዲ ዘሥመሩሉ ከኣ ንቊስልታት ምዝመዛ ደቂኣንስትዮን ትሕቲ ዕድመን ክፍውሱ ሓደራ ከምዝበሉ ገሊጾም።

ኣብ ሆስፒታ ቅዱስ ልዊ ዝገበርዎ ምብጻሕስ ይኹን ኣብ ባንግኮክ ዘዕረጕኦ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምኡ እውን ኣብቲ ካተድራል ምስ መንእሰያት ኣብ ዝተራኸቡሉ ሓደስቲ ክርስትያን ሥድራቤታት ታይላንድ ከምዝተዓዘቡን ምስጋናኦም ከምዝገለጹን ኣብሪሆም ንክልቲኡ ሕዝብታት እግዚኣአብሔር ብልዑል ጸጋታቱን ብዝሒ ሰላሙን ክባርኾም ከምዝጸለዩ እውን ገሊጾም።

ኣብ ምዝዛም ትምህርቶም ቅዱስነቶም ትማሊ ኣብ ሃገረ ኣልባንያ ንዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድርን ዘስዓቦ ጥፍኣት ሞት 23 ሰባትን ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ቊስሉታን ዕንወት ብዙሕ ንብረትን ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላጽ እግዚአብሔር ንዝሞቱ ኣብ መንግሥቱ ክቅበል ንሥድራቤት መወቲ ምጽንናዑ ክህብ ነቶም ቆሲሎም ዘለውን ፈውሲ ነቶም ኩሉ ንብረቶም ኣጥፊኦም ተማዑቊቦም ዘለዎ ከኣ ከጸናንዕ ጸሎቶምን ቅርበቶምን ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ ከአ ንዝመጽእ ሰንበት ግረቾ ኣብ ትብሃል ከተማ ሃገረ ጣልያን ብምኻድ ነቲ ቅ.ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ቀዳማይ ናይ ልደት በዓቲ ዝሰርሓላ ቦታ ክበጽሑ ምዃኖም ብምሕባር ትምህርቶም ዛዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
27 November 2019, 18:42