ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ገጽ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዘበለ ኵሉ ዓመጽ ክውገድ ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ገጽ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዘበለ ኵሉ ዓመጽ ክውገድ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ገጽ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዘበለ ኵሉ ዓመጽ ክውገድ

ኣብዚ ብስነ ኣሓዝ ኣብ ዝተራቐ ዓለም ክብሪ ሕጻናት ንምክልኻል ዝግበር ጻዕሪ ናብ ናይ ጽባሕ ወለዶ ዝሰጋገር ክኸውን መታን ናይ ሎሚ ወለዶ ብምትሕብባር ክዓዪ ኣለዎ፡

ኣብቲ ሎሚ ዕለት 15 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ዛዕባ ናይ እዋንና ብስነ ኣሓዝ ናይ ዝተራቐ ዓለም ዜጋታት ሕጻናት ክብሪ ምንቕቓሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 14 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ብዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዝተበገሰ፡ ኣብዚ ብስነ ኣሓዝ ኣብ ዝተራቐ ዓለም፡ ናይ ሕጻናት መሰልን ክብርን ክሕሎን ኩሉ ኣብዚ መዳይ’ዚ ሓላፍነት ክስምዖ ይግባእ ቢሎም፡ ብፍላይ ኣብዚ ዓይነት ሓላፍነት’ዚ እቶም ዓበይቲ ትካላት ማሕበራዊ መረብት ዓቢይ ሓላፍነት ኣለዎም ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ኣብ ብስነ ኣሓዝ ኣብ ዝተራቐ እዋን ናይ ሕጻናት ክብሪ ምንቕቓሕ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝመክር ዓውደ ጉባኤ ንዝሳተፉ 80 ተጋባእያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡

ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ምክልኻል ስምረት

እቲ ማሕበር ነቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዓለም ዘቕርቦም ድሆታት ንምድራትን ብፍላይ መጋበርያ ሕንጸትን ኵለንተናዊ ምዕባለን ዝድግፍ ክኸውን ኣብዚ መዳይ’ዚ መንግስታትን ዓለም ሓቆፍ ማሕበራትን ናይ ማሕብራዊ መረብት ትካትላትን ክሓብራን ብምውሃድ ክዓዩን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፡

ኣብዚ ብስነ ኣሓዝ ኣብ ዝተራቐ ዓለም ክብሪ ሕጻናት ንምክልኻል ዝግበር ጻዕሪ ናብ ናይ ጽባሕ ወለዶ ዝሰጋገር ክኸውን መታን  ናይ ሎሚ ወለዶ ብምትሕብባር ክዓዪ ኣለዎ፡ እዚ ፍቕሪ እግዚኣብሔር መግለጺ እዩ፡ ንኹሉ ብፍላይ ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎ ዜጋታት ክብሪ ክሕለው ኵለን ሃይማኖታትን ክሓብራ ግድን እዩ፡ …. ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ካብ ምድረ ገጽ ክውገድ ናይ ኵሉ ጻዕሪ ይሓትት፡ ሕጻናት ሰናይ ሕይወት እዩ ዘድልዮም፡ ስለዚህ ሰናይ ሕይወት መታን ክህልዎም ናይ ኵላትና ጻዕሪ ይሓትት

ቅዱስ ኣቦና ቃለ ምዕዳን ቅድሚ ምልጋሶም፡ ናይ ሕቡራት ሃግራት ኢሚራት ዓረብ መራሔ መንግስቲ ሸኽ ሳይፍ ቢን ዛየድን ናይቲ ንናይ ሕጻናት ክብሪ ቃል ኪዳን ናይ ዝብል ማሕበር ኣባል ኣመራርሓ ቤት ምኽሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርድን ዘረባ ከምዘስምዑን፡ ዝሓበራ ዲኒኒ ኣስዒበን፥

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ምክልኻል ሕጻናትን ሓልዮ ክብሪ ሕጻናትን ናይ ኵሉ ሓላፍነት ምዃኑን፡ ብፍላይ ኣብዚ ናይ ማሕበራዊ መረብት ትካላት ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለም ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ክብሪ ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዝረአይን ብዙሓት ሕጻናት እውን ንዝተፈላለዩ ዓመጽ ከምዘቃላዕን ነዚ ዅሉ ግምት ብምሃብ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ቅኑዕ ትርጉም ክህልዎን እቲ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቀ መጋበርያ ንናይ ገበን ጉጅለታትን ንሕጻናት ንሓደጋ ንዘቃልዑ ናይ ገበን ጉጅለታት መጋበርያ ክይውዕል ብርቱዕ ምክትታል ዘድልዮ እዩ፡ እዚ ናጽነት ምድራት ማለት ዘይኰነ ኣብ ዝኰነ ይኹን ኵነት ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ብዝያዳ ናይ ሕጻናት ክብሪ ክይገሃስ መታን እዩ፡ ዝበሉ ቅዱስነቶም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ትፈልጦንን ክውገድ እውን ኣበርቲዓ እትዓዪ ምዃናን ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ ዓለም ስነ ምግባራዊ መምርሒ ክህልዎ ግድን እዩ፡ ጸያፍ ኣሳዕልን ጸያፍ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽትን ዝመሓላለፈሉን፡ ኣብዚ ሓደጋ እዚ እውን ሕጻናት መጋብርያ ዝገብርን ኰይኑ ምርአይ ዘሕዝን እዩ ስለዚህ መራኸቢ ብዙሓን ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መጋበርያ ንሓደጋ ከቃልዕ ከምዝኽእል ብዘይ ምስልካይ ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ ክተግህን ናይ ማሕበራዊ መረብት ትካላት ኣብዚ ዕላማ እዚ ክሓብራ እውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እዚ መታን ክረጋገጽ ነዚ ዝድግፍ ናይ ህብረተሰብ ርእይቶ ምንቕቓሕ የድሊ ከምዝበሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ገጽ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዘበል ኵሉ ዓመጽ ክውገድ
15 November 2019, 17:10