ር.ሊ.ጳ. ኣብ ላተራነንሰ፥ ሓድሽ ናይ ሰላም ዘመን ክርህው ጸሎትን ምሉእ ሓይልን ዓቕምን ምውዳድ

ንዘተ ዝድግፍ ኩሉ ዕድልን ኣጋጣምን ምልላይን እዚ ብሓባር ንምንባር ጥራሕ ዘይኰነ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ናይ ሕንጸት መምዘኒ እውን እዩ

ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር  ዕለት 5 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ንዝተፈልዩ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ክብሪ፡ ናይ ዘተን ናይ ሕንጸት ሰላምን ሰብ ብዝብል ኣርእስቲ ንኽብሮም ዝቐረበ ምርኢት መኽፈቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ላተራነንሰ ሕንጸት፡ ሰብኣዊ ሰላምን ክብርን፡ ናይ ውስጠ ሃይማኖታት ርክብ መጋበርያን ግደ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ብዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምእተዛዘመ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቲ ንኽብሪ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ብዝቐረበ ናይ ስእሊ ምርኢት ዝተዛዘመ ኣብ ላተራነንሰ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ መዕጸዊ ኣብ ዝልገስዎቃለ ምዕዳ፡

ንዝሳቐዩ ካብ ስቓይ ዘናግፍ መልሲ ንምሃብ ሕንጸት ኣብ ሰላም

ኣብ ዓለም ብውግእን ዓመጽን ንዝሳቐዩ መልሲ ንምሃብ ወሳኒ እዩ፡ ስቓዮም እናረኣና ሱቕ ምባል ብተዘዋዋሪ መገዲ ስቓዮም ንኽብእስ ምኽንያት ከምእነኸውን ከመላኽቱ እንከለዉ፥

ተማህለልቲ ሰላም ኰይናንካ ኣብ ሸለልተይናነት ሕይወት ምንባር ዝከኣል ኣይኰነን፡ ኵሎም መምሃራንን ሓነጽትን ተመሃሮን ሓነጽቲ ሰላምን ተኸላኸልቲ ሰላምን ንኽዀኑ ዝተጸውዑ እያቶም፡ ስለዚህ ኣብ ሕንጸትን ምክልኻልን ሰላም እግዚኣብሔር ጸጋ ሰላም ክጽግወልና ምእንቲ ሰላም ምጽላይ የድሊ፡ ብጭቡጥ ተግባር መጋበያ ሰላም ከይኰንካ ምእንቲ ሰላም ምጽላይ ኣይከኣልን፡

ንመእሰያት ናይ ሰብኣውን መንፈሳውን ክብሪ ምትሕልላፍ

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ተነቓቒሑ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ዘለዎ ልኡል ክብሪ ንምምስካር ኣብቲ መንበረ ጥበብ ኣብ ዝርከብ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ብዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣረጋጊጾም፡ በጽሒ ወለዲ ንሓድሽ ትውልዲ ኣብ ሰላም ንምሕናጽ ዘለዎ ሓላፍነት ኣዘኻኽሪም፡ በዚ ሕንጸት’ዚ ንእዋናዊ ብድሆ መልሲ ንምሃብ ብመሃዝነትን ኣተኩሮ ንብሉጽ መጻእን ኵሉ ብቀንደይና ተዋሳእነትን ኣብ ዘለዎ ሓላፍነት ነቒሑ ክዓይን ዘተባብዕ እዩ፡ ስለዚህ ንሓድሽ ወለዶ ዕደ ጥበባውን ሞያውን መሳለጢ ጥራሕ ዘይኰነ ፍትሕን ቅንዕናን ክብሩ ምግባር ብዝብል ኣገባብ ዝምራሕ ሰብኣውን መንፈሳውን ዕሴት እውን ክመሓላለፈሉን ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዓመጽን ግጭትን ንኽሰግርን ናይ ዓመጽን ግጭትን መንቀሊ ምኽንያት ንኽኣልይ ምድጋፍ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም፡

ዘተ ናይ ሕንጸት መምዘኒ ክኸውን

ኣስዒቦም፡ ዘተ ዝብል ቃልን ሓሳብን ጠቒሶም፡ ንዘተ ዝድግፍ ኩሉ ዕድልን ኣጋጣምን ምልላይን እዚ ብሓባር ንምንባር ጥራሕ ዘይኰነ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ናይ ሕንጸት መምዘኒ እውን እዩ፡ በዚ መሰረት’ዚ እዩ ድማ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ናይ ውስጠ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ቲዮሎጊያ ዝብል ናይ ትምህርቲ ጨንፈር ዘበገሰ ቢሎም፡ ሓነጽቲ ኣብ እውነተይና ዘተን ንእውነተይና ዘተን ምዃን ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ማሶቲ ኣፍሊጠን።

እቲ ዝቐርብ ምርኢት ዘተ ዝብል ቋንቋ ዝገልጽን ብተወላዲ ስዑዲ ዓረብ ናይ ስነ ቅብእን ንድፍን በዓል ሙያ ኣል ኩዛየም ዝተሰርሑ ኣሳእልን ቅብእን ዝቐረበሉ ክኸውን እንከሎ፡ ዘተ ናይ ኵሉ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ሕንጸት ማእከል ክኸውን ከምዘለዎ ዘዘኻኽር ምዃኑ ኣብሪሆም፡

ከም ብፁዕ ካርዲናል ቱራን፡ ደላይ ናይ ሓባር ሓሳብ ምዃን

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኰይኖም ዘገልገሉ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን እናሓሰቡ፡ መላእ ሕይወቶም ዘተ ምስ እግዚኣብሔር፡ ዘተ ምስ ኣሕዛብን ዘተ ምስ መንግስታትን ብምንባር መሪሖም ናጽነትን ሕልናን ዝግህስን ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኵሉ ንምብዳህ እውነተይና ዘተ ስሉጥ መጋበርያ ዘቕርብ ምዃኑ ዝመስከሩን ኣብ ዘተ ዘተነቓቕሑን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላማዊ ናይ ሓባር ዘተ መሰረተ ሰላም ኣብ ዓለም ምዃኑ ብቓልን ሕይወትን ዝመስከሩ እዮም ከምዝበሉ ዝሓበራ ማሶቲ ኣስዒበ፡

ንናይ ሰላም ዘመን ብሓባር

ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ንዅላዊት ቤተ ክርስቲያንን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮን ንናይ ሮማ ጳጳስን፡ ኣብ ዝለገስዎ ኣገልግሎት፡ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘካይድዎ ኵለ መዳያዊ ኣገልግሎት ዘተ ዘለዎ ዓቢይ ግደ ብጥልቂ ንኸስተውዕሉ ከምዝሓገዝዎም እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘኪሮም፡  ኣብ ዓለም ሓድሽ ናይ ሰላም ዘመን ዘርህው ዓለምሓቆፍ ናይ ሕንጸት ውዕሊ ንዘተ ክረጋገጽ ክሉ ብምትሕብባር ክዓዪ ጻዋዒት ብምቕራብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለለ ኣመልኪተን። 

[ Audio Embed ሓድሽ ናይ ሰላም ዘመን ክርህው ጸሎትን ምሉእ ሓይልን ዓቕምን ምውዳድ] 

02 November 2019, 17:09