ንእምነት ወጅህን ኣካልን ታይላንድ ንምልባሱ ኣይትፍርሁ!ር.ሊ.ጳ ንውሉደ ክህነት ታይላንድ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
እታ ብ1969 ዓም ብኢየሱስ ዝበርሀት ንእሽቶ ሽምዓ ቤተክርስትያን ታይላንድ ምስ ካህናታን ገዳማውያታን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን መምህራን ትምህርቲ ክርስቶስን ምስ ር.ሊ.ጳ እንክትራኸብ ዓቢ ሓበን ይስምዓ። ቅዱስነቶም እውን ብወንገኖም እቲ ዘበርክትዎ ትብዓት ዝመልኦ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣብ ኢድ እቲ ንሒደት ብዙሕ ንድኹም ብርቱዕ ዝገብር ፈጣሪ ጐይታ ብምቅማጥ ውሑዳት ኢና ንዝብል ፈተና ፍርሒ ኢዶም ከይህቡ ሓደራ ብማለት ንኩሉ ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ምስ ዘንብሩ ብሕይወቶም ገቢሩ ዝበለጸ ገጻት ታሪኽ ድሕነት ናይ ዓዳቶም ከምዝጽሕፍ ኣረጋጊጾምሎም። ኣብዚ ንምብጻሕ ግን ክስገር ዘለዎ ሓያል ነጥብታት ከምዘሎ ካብዚ ከኣ ብቀዳምነት እምነትን ሰማዕትነትን ከምዝኾኑ እውን ኣመልኪቶም። ነዚ ኣብነት ዝኾኖም ከኣ እቲ ብስሙ መካነ ንግደት ተሓኒጹሉ ዘሎ ብፁዕ ኒኮላስ ብ1944 ኣብ ቤትማእሰርቲ ብዘጋጠሞ ዓባይ ሰዓል ዝሞተ ካህን እምነትን ሰማዕትነትን ዘኪሮም። ስለዚ ሽሕ’ኳ ውሑዳን እንተኾኑ ምስክርነት ክትህብ እትኽእል ቤተክርስትያን ምዃኖምን ንምድንፋዕ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝተጸውዑ ምዃኖምን ገሊጾምሎም።
ቅዱስነቶም ንምክስርነት ናይ ሓደ ክልተ ውልደ ክህነት ምስ ሰምዑ ብሓቂ መሳጢ ታሪኻት ጸዋዕታ ምዃኑ ምስ ኣስመሩሉ ከመይ ገቢርካ ንዕብየት ሓዋርያት ክብጻሕ ይከኣል ዝብል ሕቶ ብምቅራብ ነዚ ዚዕብ ቃል ሂቦም።
ብቀዳምነት ይብሉ ቅዱስነቶም ብቀዳምነት በቲ ሓዋርያነት ዝህበና ጽባቄን መንፈስን ክንምራሕ ክነፍቅድ ኣሎና። እዚ ከም ዓቢ መጋበሪ ናይ ስብከተ ወንጌል ከገልግለና ይኽእል። ኣብ ታሪኽ ክርስትናን ጸዋዕታን በነደታ ከምዝሰማዕናዮ ጽባቄ ድንግል ማርያምን ጠመተኣን ብዝበለጸ ንክትፈልጥ ከምዝደፋፋኣን ናብ ጐይታ ከምዝሰሓበታን ዝገለጸቶ ንሰብ ውፉይ ሕይወት ከኣ ሓዲስ መኣዝን ዝኸፍተሎም እዚ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ንሰብ ውፉይ ሕይወት ዘቅረብዎ ሓደራ ንጸሎት ዝምልከት ኰይኑ ‘ብዘይ ጸሎት ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ኮነ ብዓንዱ ርእሱ ሕይወት ትርጉም ስለዘይብሎም’ ሰብ ጸሎት ክኾኑ ከምዚ ብምግባር ከኣ መሳርሒ ኣምላኽ ኰይኖም ብዙሕ ፍረ ከምዘፍርዩ ብምዝኽኻር ተሰናበትዎም።