2019.11.22 ር.ሊ.ጳ ምስ ውሉደ ክህነት ታይላንድ 2019.11.22 ር.ሊ.ጳ ምስ ውሉደ ክህነት ታይላንድ 

ንእምነት ወጅህን ኣካልን ታይላንድ ንምልባሱ ኣይትፍርሁ!ር.ሊ.ጳ ንውሉደ ክህነት ታይላንድ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሣልሳይ መዓልቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ታይላንድ ምስ ውሉደ ክህነት ናይቲ ዓዲ ብምርካብ ጀሚሮም። ንቤተክርስትያን ኣህጉር ኤስያ ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ ዘጓንፉዋ ጸገማት ሓደ ዋሕዲ ብምዃኑ ውሑዳን ብምዃኖም ምንም ክስምዖም ከምዘይብሉ ጐይታ ኣብ ብዝሒ ዘይኮነ ኣብ ለውጢ ከምዝኣምን ብምምልካት ምንም ከይሰግኡ ንባህልታት ምስ ወንጌል ንምውህሃድ ሓደስቲ መንገድታት ሃሰስ ክብሉን ንቃል ኣምላኽ ብምስባኽ ንጐይታ ከፍልጡን ኣተባቢዕምዎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

እታ ብ1969 ዓም ብኢየሱስ ዝበርሀት ንእሽቶ ሽምዓ ቤተክርስትያን ታይላንድ ምስ ካህናታን ገዳማውያታን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን መምህራን ትምህርቲ ክርስቶስን ምስ ር.ሊ.ጳ እንክትራኸብ ዓቢ ሓበን ይስምዓ። ቅዱስነቶም እውን ብወንገኖም እቲ ዘበርክትዎ ትብዓት ዝመልኦ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣብ ኢድ እቲ ንሒደት ብዙሕ ንድኹም ብርቱዕ ዝገብር ፈጣሪ ጐይታ ብምቅማጥ ውሑዳት ኢና ንዝብል ፈተና ፍርሒ ኢዶም ከይህቡ ሓደራ ብማለት ንኩሉ ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ምስ ዘንብሩ ብሕይወቶም ገቢሩ ዝበለጸ ገጻት ታሪኽ ድሕነት ናይ ዓዳቶም ከምዝጽሕፍ ኣረጋጊጾምሎም። ኣብዚ ንምብጻሕ ግን ክስገር ዘለዎ ሓያል ነጥብታት ከምዘሎ ካብዚ ከኣ ብቀዳምነት እምነትን ሰማዕትነትን ከምዝኾኑ እውን ኣመልኪቶም። ነዚ ኣብነት ዝኾኖም ከኣ እቲ ብስሙ መካነ ንግደት ተሓኒጹሉ ዘሎ ብፁዕ ኒኮላስ ብ1944 ኣብ ቤትማእሰርቲ ብዘጋጠሞ ዓባይ ሰዓል ዝሞተ ካህን እምነትን ሰማዕትነትን ዘኪሮም። ስለዚ ሽሕ’ኳ ውሑዳን እንተኾኑ ምስክርነት ክትህብ እትኽእል ቤተክርስትያን ምዃኖምን ንምድንፋዕ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝተጸውዑ ምዃኖምን ገሊጾምሎም።

ቅዱስነቶም ንምክስርነት ናይ ሓደ ክልተ ውልደ ክህነት ምስ ሰምዑ ብሓቂ መሳጢ ታሪኻት ጸዋዕታ ምዃኑ ምስ ኣስመሩሉ ከመይ ገቢርካ ንዕብየት ሓዋርያት ክብጻሕ ይከኣል ዝብል ሕቶ ብምቅራብ ነዚ ዚዕብ ቃል ሂቦም።

ብቀዳምነት ይብሉ ቅዱስነቶም ብቀዳምነት በቲ ሓዋርያነት ዝህበና ጽባቄን መንፈስን ክንምራሕ ክነፍቅድ ኣሎና። እዚ ከም ዓቢ መጋበሪ ናይ ስብከተ ወንጌል ከገልግለና ይኽእል። ኣብ ታሪኽ ክርስትናን ጸዋዕታን በነደታ ከምዝሰማዕናዮ ጽባቄ ድንግል ማርያምን ጠመተኣን ብዝበለጸ ንክትፈልጥ ከምዝደፋፋኣን ናብ ጐይታ ከምዝሰሓበታን ዝገለጸቶ ንሰብ ውፉይ ሕይወት ከኣ ሓዲስ መኣዝን ዝኸፍተሎም እዚ እዩ።

“ንሃንደበትነት መንፈስ ቅዱስ ክፍቲ ዘይኮነት ውፍይቲ ሕይወት ኣብ ፍርቂ መንገዲ ዝተዓንቀጸት እያ። ውፍይቲ ሕይወትከስ ዕለት ዕለት በዚ ክትምራሕ ክትሕጐስ ክትበኪ ኣለዋ ኰይኑ ግን ወትሩ ንሃንደበትነት መንፈስ ቅዱስ ክፍቲ ክትከውን ኣለዋ። እንተዘየሎ ተዓኒዳ ትተርፍ። ጐይታ ክጽውዓና ከሎ ንሰብ ተጽዕኖ ክንፈጥር ኢሉ ኣይኮነን ዝልእከና እንታይ ደኣ ነቲ ንሱ ዝዓደለና ሓጐስ ብሓዲስ መንገድን ኣደናቂ ብዝኾነ ሃንደበትነትን ምስ ካልኦት ንክንሳተፎ እዩ። ንወንጌል ምስ ባህሊ ንምውህሃድ ኣይትፍርሑ፣ ከምቲ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ እምነት ብምስዳዕ ኣይኮነን ዚዕምብብ እንታይ ደኣ ብምስክርነት ስለዚ ሕያዋን መሰኻኽር ወንጌል ንምዃን ኣይርፍርሑ። ነቶም ትረኽብዎም ዘበልኩም ካልኣ ክርስቶስ ኰንኩም ብገጽታን ፍሽኽታን ኢየሱስ ተቀበልዎም።”

ኣብ መወዳእታ ንሰብ ውፉይ ሕይወት ዘቅረብዎ ሓደራ ንጸሎት ዝምልከት ኰይኑ ‘ብዘይ ጸሎት ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ኮነ ብዓንዱ ርእሱ ሕይወት ትርጉም ስለዘይብሎም’ ሰብ ጸሎት ክኾኑ ከምዚ ብምግባር ከኣ መሳርሒ ኣምላኽ ኰይኖም ብዙሕ ፍረ ከምዘፍርዩ ብምዝኽኻር ተሰናበትዎም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
22 November 2019, 12:03