2019.11.25 ሓውጾተ ኖልዎ ሃገረ ጃፓን -  መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቶክዮ ዶም 2019.11.25 ሓውጾተ ኖልዎ ሃገረ ጃፓን - መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቶክዮ ዶም  

ናይ መኽሰብ ቅድድም ሰጊርኩም ሕይወት ንምቅባል ተቀዳደሙ! ር.ሊ.ጳ ንሕዝቢ ጃፓን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ምዝዛም ሓውጾተ ኖልዎ ሃገረ ጃፓን ኣብ ቶክዮ ዶም ዝበሃል ቦታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ ንሕዝቢ ጃፓን ከኣ ነቲ ዝተኸፈለ ይኸፈል ዓወትን መኽሰብን ዝብል ነጺሉ ሒዝዎም ዘሎ ኣምር ሰጊሮም ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም ንኩሉ ከምዘለዎ ብምቅባል ነፍሲ ወከፍ ማሕበረክርስትያን ምስኩሉ ጸገማቱን ድኻምነቱን ዓውዲ ምቅባል ጽጉማት ክኾኑ ተማሕጺኖም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነታ ኣብ ወንጌል ተጠቂሳ ዘላ ንመንግሥቲ እግዚአብሔር ከም መባዅዕቲ እተመልክት ምሳሌ መሠረት ብምግባ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጃፓን እውን ሽሕ’ኳ ውሑዳን እንተኾኑ ‘ትንቢታዊ መባዅዕቲ’ ናይታ ማሕበረሰቦም ብምዃን እታ ማሕበረሰቦም ንኩሉ ሕይወት ዝከላኸልን ዝከናኸንን’ መሪሕ ተኸቲላ ምስ ኩሎም ደቂ ዓዲ ምስቶም ካብ እምነቶምን ኣተሓሳስባኦምን ዝተፈልየ ርድኢት ዘለዎም እውን ከይተረፈ ‘እናተሓባበሩን እናተዛተዩን’ ሰላማዊ ማሕበረሰብ ክሃንጹ ጸዊዖም።

ርግጽ እዩ ሃገረ ጃፓን ዝማዕበለ ቊጠባ ትውንን ኰይኑ ግን ቅዱስነቶም ክሓብእዎ ዘይደለዩ ጉዳይ ናይቶም ውሑዳት ዘይኮኑ ካብዚ ምዕቡል ቊጠባ ተጐስዮም ኣብ ድኽነት ዝነበሩ ዘለው እዩ።

ኣብቲ ቅዳሴ ልዕሊ 50 ሺሕ ምእመናን ከምዝተሳተፉን ቅዱሰነቶም ኣብቲ እስታድዩም ብክፍቲ ማኪና ተዘዋዊሮም ሰላም ከምዝበሉን ንብዙሓት ኢዶም ብምንባር ከምዝባረኹን ምናዳ ከኣ ንሕጻናትን ንሕሙማትን ክሳብ ሓቊፍካ ብምስዓም ፍቅሮም ምስ ገልጹ ነቲ ስለ ውህበት ሕይወት ንምምስጋ ዘዕረጕኦ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብቋንቋ ላቲን ኣዕረጉ።

ልዕልና ብትምህርትን ንጥቅሚ ክትብል ዝግበር መጽናዕትን ኣይርከብን!

ንዕለቱ ዝቀረብ ቃለ ወንጌል ካብ ማቴዎስ 6 ዝተወስደ ኰይኑ ኣብ ፍጻሜ ናይታ ኢየሱስ ንመጀመርያ ግዜ ዘቅርባ ትምህርቲ እትበሃል ኣብ ምዕራፍ 5 ዘላ ትምህርቲ ብጽዕና ኰይና ‘ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቁ’ ንእትብል ቃል መንቀሊ ብምግባር ቅዱስነቶም ብዓንዲ ርእሱ እቲ ትምህርቲ ጎቦ ወይውን እታ ቀዳመይቲ ትምህርቲ ኢየሱስ ኣብ እምባ ወጸ ክምህሮም ከኣ ጀመረ እትብል እምባ እግዚኣአብሔር ዝግለጸሉን ዝፍለጠሉን ቦታ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ኣብ ጥርዙ ንምብጻሕ ግን እንታይ ኰን የድሊ ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ ክመስሉ ከምዚ ኢሎም።

“ኣብ ጫፍ ናይዚ እምባ እዚ ንምብጻሕ ድላይ በይኑ ወይውን ብቅዓት ክተጥሪ ምቅላስ ኣይኮነን ዘድሊ ተጠንቂቅካ ብትዕግሥቲ ጽን ቢልካ ነቲ መምህር ዘስተምህሮ ምስማዕ ኣብቲ እትገብሮ ጒዕዞ ዝርከብ ልዕሎን ትሕቶን ጥውይዋያትን ኣተኩሮኻ ኣብ ትምህርቲ መምህር ይኹን ኢሎም። እንተዘየሎ ኣብ ዕንኪላሎ ናይ ናብራ ንኣቱ።”

ናብራ ዕንኪላሎ!

እታ እንኮ መንገዲ ንመምህርና ጽን ኢልካ ምስማዕ ምዃና ዝገለጹ ቅዱነቶም እዚኣ ከኣ ሓዲሽ ሕይወት ትህበና እሞ ፍቊራት ደቂ ኣምላኽ ምዃና ነጻነት ከምእነስተማቅር ትገብረና እንተዘየሎ ኣብ ዕንኪላሎ ንነብር ኢሎም።

“ኣብቲ እንገብሮ ነዊሕ ጒዕዞ ሕይወትና ነጻነት ውሉድ ሓንሳእ ሓንሳእ ብካልእ ክዕፈንን ክዳኸምን ምናዳ ከኣ ኣብ ናይ ሕንጡይነትን ውድድርን ዓንኬል ሕይወት ዕንክሊል ክንብሎ ጉልበትናን ግዜናን ክነጥፍእ እንከሎና ጸገም ኣሎ! ስለዚ ንኩሉ ኣተናናን ዝበለጸ ሓይልናን ክንዲ ኣብ መኽሰብን ቅጥዒ ዘይብሉ እቶት ንምርካብን ሃልክን ከም እንኮ ፍታሕን ምርጫን ካብ ምግባር ክንወጽእ። ከመይ እዚ ኣብ ገዛእ ርእስና ዓጽዩ ካልኦት ክቀርቡና ወይ ክንቀርቦም ብዘይምፍቃድ ዝገደደ ከኣ ጉዳይ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣይምልከተንን ኢልና ክንዲ ነቲ ኣድላዪን ቀንድን ነገር ንምልከት ኣብ ዘብለጭልጭን ሓላፍን ነገራት ንዕንቀጽ። እዚ ከኣ ንነፍስና ጽዕነት ኣብ ልዕሊ ጽዕነት ጸቂጡ ንኩሉ ክንውንን ዘድሊ ዘበለ ክነፍሪ ንኩሉ ክንቈጻጸሮን ክንመልኮን ንኽእል ኣብ ዝብል ኣምር የወድቅ። መኽሰብ ጥራይ ከአ ሃሰስ ንብል።”

መኽሰብ ጥራይ ሃሰስ ምባል!

ቅዱስነቶም ቀቅድሚ እዚ ቅዳሴ ምስ መንእሰያት ጃፓን ኣብ ካተድራል ቅድስት ማርያም ዝገበርዎ ርክብ ብምዝካር ኣብኡ ካብ ዝተባህለ ሎሚ ከም ሎሚ ኣብዛ ምዕብልትን ሃብታምን እትበሃል ሃገረ ጃፓን ብማሕበረሰብ ዝተነጸሉ ሰባት ትርጉም ሕይወትን ህላዌኦምን ምርዳእ ዝሃርበቶም ከምዘለው ናይ ቶክዮ ሊቀጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ታርቺዝዮ ኣብ ዘቅረብዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረኦም ከምዝገለጹሎም ዘኪሮም ከምዚ ኢሎም።

“ገዛ ቤትትምህርት ማሕበረሰብ ዝበሃላ ኣምራት ነፍሲወከፍ ሰብ ካብ ካልኦት ደገፍን ሓገዝን ክረኽበሎ ዝቆሙ ትካላት ኰይኖም ኣብዚ ዘመንና ግን ቅጥዒ ብዝሰኣነ ውድድርን መኽሰብን ብቅዓትን ንምርካብ ብዝግበር ጻዕርን ተዓምጺጸን ይዓንዋ ኣለዋ። ብዙሓት ሰባት በዚ ተደናጊሮምን ዘይሕጉሳትን ዘይቅሱናትን ኰይኖም በቲ ዘሎ ጠለባት ተዋሒጦም ብምጭናቅ ሰላሞምን ቅሳነቶምን ተጨውዩ ኣሎ። ስለዚ ነዚ ፈውሲ ንድለ። ፈውሱ ኣብ ኢየሱስ እዩ። ብቀንዱ ግን ንሓንቲ ሰላማዊትን ውህድትን ማሕበር ዕንቅፋት ዝከውን እንታይ እዩ።”

ንሓንቲ ውህድቲ ማሕበረሰብ ዘጋጥሙ ዕንቅፋታት!

ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኢየሱስ ከይንጭነቅ ሓደራ ይብለና። ኣብ ሰማያዊ ኣቦና ምሉእ ምትእምማን ክህልወና ይጽውዕ። ርግጽ እዩ ኣብ ከባቢና እንታይ ይወርድ ኣሎ ከገድሰና እዩ ኰይኑ ግን ንሱ ቀዳምነት ክንህቦ ዘሎና ጉዳይ ከምዘሎኸኣ የብርሃልና።

“ጐይታ ኣነጺሩ ዝብለና መሠረታውያን ኢልና እንሓስቦም መግብስ ይኹን ክዳን ግድን ኣይኮኑን ግዳስ ዝተከፍለ ይኸፈል ዓወት ክርከብ ኣለዎ ካብ ዝብል ፈተነ ክንጥንቀቅ እዩ ዚሓተና። ናይዚ ዓለም እዚ ነገራት ካብ ንኣይ ይጥዓመኒ ጀሚርካ ግላዊ ሓጐስን ዓወትን ንምርካብ ብዛዕባ ምዕባሌ ማሕበርሰብና ብዛዕባ ውህደቱን ሰብኣውነትን ንከይንግደስ ይዕንቅጸና። ነዚ ኣነ ንዓይ ዝብል ንጹልን ብሕትውን ዘሸንፍ ንሕና ዝብል ብሓባር በዓል ዝገብር ንኩሉ ዘሳትፍ ማሕበር ክነማዕብል የድሊ። ነዚ ከኣ ከምቲ እግዚኣአብሔር ንኩሉ ብነጻ ዝለገሶ ኩልና ብሓባር ምስ ካልኦት ክንጥቀም ክነፍቅድ ነዚ ከኣ ብግብሪ ምስ እንምስክር እዩ።”

ምስክርነት!

ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ከም ማሕበረክርስትያን ክንገብሮ ዘሎና ብቀዳምነት ንኩሉ ሕይወት ክንከላኸል ብርሕራሔን ፍቅርን ልግስን ጽን ኢልካ ምስማዕን ዝተቀለሰ ሕውነትን ምቅብባልን ምድግጋፍን ዝመለለዪኡ ማሕበር ብምቋም ክንምስክር ኣሎና። ነቲ እትውፈየና ሕይወት ከምዘላታ ሃንጐፍያ ኢልና ክንቅበላን ምስቲ ኩሉ ተኣፋፍነታን ንእሽቶ ምዃናን ርኢና ክንከናኸና ኣሎና። ቤተክርስትያን ከስ ናይ ዓውደ ውግእ መሐከሚ ዳስ ኰይና ንኩሉ ተቀቢልና ቊስሉ ክትፍውሰሉ። እዚ ኣቊሳል እዚ ካብ ብሕትውናን ተነጽሎን ጀሚርካ ድኽነቱን ጭንቀቱን ኩሉ ፈውሲ ዘድልዮ እዮ። ስለዚኸስ ንሕይወት ካብ ምቅባላ ጀሚርካ ክሳብ ምሕብሓባ ብተግባር ክንምስክር ሓደራ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 November 2019, 17:14