ንክርስቶስ ዚኽተል ናይ ፍርሓት ባርያ ኣይኮነን እንታይ ደአ ምስክር ተስፋ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 17 ሕዳር 2019 ዓምፈ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከቡ ምእመናንን ነጋድያንን ቅድሚ ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔር ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ‘ጐይታ ንኩልና ኣብ መጻኢ ሕይወት መጋበርቲ ሰላምን መሰኻኽር ተስፋን ኰና ኣብ ሕንጸት ታሪኽ ምስኡ ክንተሓባበር ይጽውዓና ኣሎ’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ሉቃስ 21 ኰይኑ ‘ቅድሚ ዅሉ ኸኣ ኪሕዙኹምን ኪሰጕኹምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ናብ ቤት ጸሎትን ናብ ቤት ማእሰርትን ኪወስዱኹም፡ ናብ ነገስታትን ሹማትን ኬብጽሑኹም እዮም። እዚ ንምስክር ኪዀነኩም እዩ። ኣነ ንዅሎም መኻራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከአሎም ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ከም እትመልሱ፡ ቅድም ከይትሐልዩ፡ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ። ወለድን ኣሕዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣሕሊፎም ኪህቡኹም፡ ካባካትኩምውን ንሓያሎ ኪቐትሉ እዮም።
ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ኺጸልኣኩም እዩ። ግናኸ ኻብ ርእስኹም ሓንቲ ጸጕሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ።’ ዝብል ዝርከቦ እቲ ክሳብ መወዳእታ ዝተዓገሠ ከምዝድሕን ዘመልክት ነበረ።

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ቤተክርስትያን ድሕሪ ክልተ ሶሙን ዘመነ ምጽኣት ስለእትጅምር ናይዚ ሰንበት እዚ ንባባት ንፍጻሜ ሊጢርጊያዊ ዓመት ምስ መወዳእታ ዓለም ብምምስሳል ከምቲ ወንጌል ዝብለና ክሳብ መወዳእታ ክንዕገስ ንጽልኢ ብፍቅሪ ንዓገብ ብምሕረት ክንምልስ ንጽዓሉ ግዜ ምዃኑ ዘመልከቱ ቅዱስነቶም ነቲ ቅድሚ ሠለስተ ዓመት ብኣዋጅ ዘጽደቅዎ ዓለምለኸ ዕለተ ድኻታት እውን ንሳልሳይ ግዜኡ ብምዝካር ድኻታት ሃብቲ ቤተክርስትያን ኰይኖም ንመንግሥተ ሰማያት ዝመርሑና ምዃኖም ገሊጾም።

መወዳእታ እንከበሃል መወዳእታ ዓለም ኣይኮነን!

ሉቃስ ወንጌላዊ ዝዛረቦ ቅልውላውን ክሳብ መወዳእታ ምዕጋስ ከምዘድሊ ምምልካቱን ብተስፋ ኣብቲ ፍጻሜ ኩሉ ነገራት ዝኾነ ምእማን ከምዘድሊ ንምግላጽ እዩ። ጐ.ኢ.ክ ንሓዋርያቱ ብዛዕባ ዕንወት ቤተመቅደስ ኢየሩሳሌም ‘እምኒ ኣብ ርእሲ እምኒ ኣይክትረፍን እዩ’ እናበለ ዝተዛረቦም ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ወይውን ፍጻሜ ታሪኽ ከምዘይኮነ ነቲ ምሳሌ ብክልተ መልክዕ ክንግዘቦ ማለት ብቀዳምነት ነቲ ክኸውን ዘለዎ ፍጻሜ ታሪኽ ማለት ውግእን ወረ ውግእን ጥሜትን ሕማምን ምንቅጥቃጥ ምድርን እንከመልክት ብካልኣይ ደረጃ ከኣ ‘ካብ ርእስኹም ሓንቲ ጸጒሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ’ እናበለ ዝህቦ ርግጽነት የጠቃልል። እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ ሕይወቱ ክዝክሮ ዘለዎ እዩ።

“እዚ ዝንባሌ እዚ ኣብቲ እዚ ነገራት እዚ ክኸውን ዘፍቅድ እሞ በዚ ክንደሃል ከምዘይብልና ዘረጋግጸልና ኣምላኽ ተስፋ ምግባር እዩ። እዚ ጉዳያት እዚ ምስክርነትና ንክንህብ ዕድል ዝህቡና እዮም። ሓዋርያት ክርስቶስ ባሮት ፍርህን ረዓድን ኰይኖም ክተርፉ የብሎምን እንታይ ደኣ ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ዕንወትን ፈተናን ርሕራሔ እግዚኣአብሔር እትገልጽ ሓልዮት ኣምላኽ ከምዘላ ተኣማሚኖም ኣዕናዊ ሓይሊ ክፍኣት ብሠናይ ነገር ናይ ጐይታ ከምዝሽነፍ ርግጸኛታት ክኾኑ የድሊ። እዚ ነገራት እዚ መንግሥቲ እግዚኣአብሔር ኣባና ከምዝቀረበትን እቲ እግዚኣአብሔር ዝደልዮ ሓዲስ ዓለም ምምጻኡ ከምዝቀረበን የመልክተልና ኢሎም።”

እግዚአብሔር ንዘመደ ኣዳም ይሓልየሉ ክንተሓባበሮ ከኣ ይጽውዓና!

ንፍጻሜ ነገራትን መወዳእታኦምን ዝፈልጥከስ እግዚኣአብሔር ኰይኑ ንዓና እውን ናብኡ ገጹ ይመርሓና ፣ ሰማዕታት ኩሎም ናይዚ ጉዳይ እዚ መሰኻክር እዮም። ሃየ እምበአር ኣሰሮም ተኸቲልና ነዚ ታሪኽ እዚ ንሥራሕ ሰላም ኣምጻእትን መሰኻኽር ተስፋን ብምዃን ከኣ ነታ መጻኢት ትንሣኤ ሕይወት ናይ ድሕነትና ንምህናጽ ንተሓባበር ኢሎም።

“እምነት ከስ ምስ ኢየሱስ ሓቢርና ኣብተን ኣሳቀይቲ ዝኾና መንገድታት ሕይወት ናይዚ ዓለም ከምእንጐዓዝ ትገብረና። ነዚ ኸኣ ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ንሓይልታት ጸልማት ብፍቅሩ ዘሸንፈሉ ርግጽነት ተኣንጊብና ንገብሮ። ከመይ ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ዝለዓለ ፍቅሪ ኰይኑ ከኣል ኩሉ እዩ። ነዚ መሰኻኽር ዝኾኑና ሰማዕታትና ሰማዕታት ክርስትያን እዮም። ካብ መጀመርያን ኣትሒዞም ስደትን መከራን እኳ እንተበዝሖም ወትሩ ናይ ሰላም ሰባት ነበሩ። ንሶም ወትሩ ክስዕብዎ ዘለዎም ውርሻ ኣለዎም። እዚ ነቲ ናይ ፍቅርን ምሕረትን ወንጌል ክኽተሉን ብኣብነት ከርእዩን ኣለዎም። እቲ ዝበለጸ ሃብቲ ካብ ሰማዕታት ዝወረስናዮኸስ እዚ እዩ። ንሕና ከኣ ብግደና ንናይ ዘመንና ሰባት ክህንቦ ዘሎና ምስክርነት ንጽልኢ ብፍቅሪ ብምምላስ ንዝበደሉና ይቅረ ብምባል እዩ ኢሎም።”

ብድሕርዚ ቅዱስነቶም ምስቶም ኣብቲ ቅርዓት ዝነበሩ ነጋድያንን ምእመናንን ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔር ብሓባር ደጊሞም ኣብ ዕለቱ ንሳልሳይ ግዜኡ ዝዝከር ዘሎ ዓለም ለኸ ዕለተ ድኻታት ብምዝካር ከኣ ሃብቲ ቤተክርስትያን ምዃኖም እንደገና ብምግላጽ ኣብ ቅድሚ ድኻታት ዝግበር ሸለልትነት ከምዘሳቂ ኣዘኻኺሮም።  ነቲ ብዙሓት ንጽጉማት ንምርዳእ ዝገብርዎ ኣበርክቶ ሕጉስ ከምዝኾኑ ብምግላጽ ኣብ ኤኳዶር ብፅዕናኡ ንዝተኣወጀ  ሓዋርያ ጸሎት ከምዝነበሩ ገሊጾም ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ እምነትን ምስክርነትን ክሕግዘና ንማሕጸኖ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ናብ ታይላንድን ጃፓንን ንዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኩልና ብጸሎት ክንድግፎም ብምልባው ተሰናበቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
17 November 2019, 17:11