ድለ

መዓጹና ንዝኵሕኵሕ ልባትና ነርህወሉ መዓጹና ንዝኵሕኵሕ ልባትና ነርህወሉ 

መዓጹና ንዝኵሕኵሕ ልባትና ነርህወሉ

ደቡብ ሱዳን እናሓሰቡ፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ምእንቲ ክርስቶስ ንዝሳቐዩ ስቓዮም መታን ክእለይ ጸሎትን ግብረ ሰናይን ኣይንፍለዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብቂዖም፡ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብማሕበርን ብውልቅን ንዝተረኽቡ ሰላምታኦም ከምዘቕረቡን፡ ንቋንቋ ዓረብ ተጠቀምቲ ምእመናን ሰላምታ ክቕርቡ፡ ንዝሳቐዩን ንድኻታትን ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዕለትዊ እንጌራ ንኽረኽቡ ከርተት ንዝብሉን መሰሉን ክብሩን ንኽኸበረሉ ዝሓትትን ንዝሳቐይን ኵሎም ንመሰረታዊ ድላዮም ሰማዕቲ መታን ክንከውን ልባትና ንኽፈተሎም።

ካብ ፖላንድ ንዝመጹ ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ኣብታ ሃገር ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምስ ዝሓልይ ማሕበር ብምትሕብባር ዝበዓል መበል 11 መዓልቲ ምትሕብባር ንእትስደድ ቤተ ክርስቲያን ዝዝከረሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም፡ ደቡብ ሱዳን እናሓሰቡ፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ምእንቲ ክርስቶስ ንዝሳቐዩ ስቓዮም መታን ክእለይ ጸሎትን ግብረ ሰናይን ኣይንፍለዮም ምስ በሉ፡ ካብ ዝተፈላለያ ዞባታት ኢጣሊያ ንዝተዋጽኡ ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ኣብ ኢጣሊያ ወርሒ ሕዳር ምእንቲ ሙታን ዝጽለየሉን ግብረ ሰናይ ዝፍጸመሉን እዋን ምዃኑ ዘኪሮም፡ ሕይወት ከም ህያብ ምስ ዝንበር ዓቢይ ክብሪ ስለ ዝህልዎ እዚ እዋን’ዚ ናይ ህልውና ሓቀይናን ናይ ዘለኣለማዊ ሕይወትን ትርጉም እነስተውዕለሉ እዋን ይዅነልና ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተሰናበቱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።  

መዓጹና ንዝኵሕኵሕ ልባትና ነርህወሉ
06 November 2019, 17:33