ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተመሃሮ መንበረ ጥበብ ሶፊያ፡ ሰናይ ንምሕራይ ተመሃሩ

ስርዓትን ስሉጥነት ዝብል ናይ ሕዝቢ ጃፓን መለለዪ እውን እንተዀነ ክንየው እዚ መለለዪ’ዚ ዝኸይድ ካልእ ሰብኣውነትን ርህራሀን ምሕረትን ዝዓሰሎ ሕብረተሰብ ምሕናጽ ዝብል ጥልቂ ድላይ እውን የንጸባርቕ

ቅዱስነቶም በቲ ዝነበሮም መርሓ ፍጻሜ መሰረት ቶክዮ ኣብ ዝርከብ ኣብ መንበረ ጥበብ ሶፊያ ተረኺቦም፡ ናይቲ መንበረ ጥበብ መለለዪ ሰብኣውነትን ክርስቲያናውነትን ዓለም ለኻውነትን ዝብል ምዃኑ ዘመላኽት ሰፊሕን ጥልቅን መደረ ከምዘስምዑ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ መንበረ ጥበብ ካብ ርሑቕ ዘመናት ዝተበገሰ እውን እንተነበረ ምሉእ ብምሉእ ከም መንበረ ጥበብ ኣብ 1913 ዓ.ም. ብሓልዮት ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ዓስራይ፡ 8 ጨንፈር መጽናዕትን 18 ዝተፈላለይ ዓይነት ትምህርትን ሒዙ ቆይሙን ኣብ ዓመት ካብ ሃገረ ጃፓን ወጻኢ ዝመጹ ሓደ ሺሕ ተመሃሮ እውን ዝቕበል ከምዝዀነ ዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡

ክንየው ስራትን ስሉጥነትን

ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ጃፓን ውሁድ ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን እንተዀነ ብዙሓት ናይ እምነት መሰካኽር ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐብሉላ ሃገር እያ፡ ብዙሓት ሰማዕታት እምነት ዘወፈየት ሃገር እያ፡ ስርዓትን ስሉጥነት ዝብል ናይ ሕዝቢ ጃፓን መለለዪ እውን እንተዀነ ክንየው እዚ መለለዪ’ዚ ዝኸይድ ካልእ ሰብኣውነትን ርህራሀን ምሕረትን ዝዓሰሎ ሕብረተሰብ ምሕናጽ ዝብል ጥልቂ ድላይ እውን የንጸባርቕ፡ ኣብዚ ተወዳዳርነትን ዕደ ጥበባውነትን ዝብል ምስረቓ ዝረኣየሉ ሕብረተሰብ ናይ ትምህርትን ስነ ምርምርን ማእከላት ናይ ገዛእ ርእሰን ናጽነትን ሉኣላውነትን ዘለወን ክዀና ይግባእ፡ ስነ ምርምራዊ ሕንጸት ዝፍጸመሉ ጥራሕ ዘይኰነ ብሉጽን ብተስፋ ኣዚዩ ሃብታም ዝዀነ መጻኢ ዘለዎ ሕብረተሰብ ዝሓንጽ እውን እዩ ክኸውን ዘለዎ ከምዝበሉ ሓቢሮም።

ዝበለጸ ምሕራይ

ካልእ ቅዱስነቶም ዝተንከፍዎ ኣርእስቲ፡ ዛዕባ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ብመንፈስ በቲ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቶም፥ ፍጥረት ምኽባር እቲ ሓደ ናይ ምስራቕ ከባቢ ዓለምን ሕዝብን መለለዪ እዩ፡ ቢሎም እቲ መንበረ ጥበብ ካብ ዝቐውም ኣትሒዙ ዓለም ሓቆፋዊ መልክዕ ዘለዎን ንመንእሰይ ጃፓን ብሉጽነት ንምልጋስ ኣብ ዝብል ረቛሒ ዝሓብሩ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ መምሃራን ዝርከብሉ እዩ።

መንእሰያት

ናይ ዓለምን ናይ ቤተ ክርስቲያንን መጻኢ ሓድሽ ወለዶ እዩ፡

እዚ መንበረ ጥበብ ብዅለንተናኡ ኣብ መንእሰያት ዘተኵር እዩ፡ ሰለዚህ መንእሰይ ተቐበልቲ ሕንጸት ጥራሕ ዘይኰኑ ንኣኣቶም ሓሳብ ብምልጋስን ኣማዕድዎኦምን ትጽቢታቶም ንመጻኢ ዘለዎም ተስፋታቶምን ብምክፋል ናይቲ መደብ ሕንጸት ተዋሳእቲ ዝዀነሉ እውን እዩ፡ ሰለዚህ እዚ መንበረ ጥበብ ኣብዚ ኣገባብ እዚ ኣብነታዊ እዩ

ምስ ድኻታት ብሓባር ምጉዓዝ

ኣብዚ ነጻልን ከም ጓሓፍ ዝድርብን ሰብ ከም ውዳቕ ዝርእይ ባህሊ ኣብ ዘሰፍሓሉ ዘሎ እዋን

እቶም ዝተሓረጉን ዝተነጸሉን ናይቲ መደብ ሕንጸት ተዋሳእትን ተቐበልንት ክዀኑ ብምግባር ኣብ እዋናዊ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ሰብ ከም ውዳቕ ዝሓስብ ጓሓፋይ ባህሊ ዝፈጥሮ ምብትታኽን ምርሕሓቕን ምእላይ፡ ብሉጽ ትምህርቲ ንውሑዳት ኣብ ዝዀነሉ እዋን መንበረ ጥበብ ናይ ፍትሕን ናይ ሓባር ጥቕምን መጋበርያ ከምዝዀነ ብምስትውዓል ኵሉ ንኽምዕብልን ንኸማዕብልን ዝብል ኣገልግሎት ዝፍጸመሉ ክኸውን ኣለዎ፡ ድኻታት ኣይትረስዑ ዝብል ናይ ጴጥሮስን ጳውሎስን ቃለ ምዕዳን ሎሚ እውን ክቡር እዩ፡ ስለዚህ እዚ ቃለ ምዕዳን’ዚ ዝንበረሉ ይዅን።

ቢሎም ነቶም መንእሰያት ተመሃሮን መምሃራንን ንመላእ ናይቲ መንበረ ጥበብ ሰራሕተይናታትን መለኰታዊ ጥበብ ድለዩን ኣስፍሑን፡ ንናይ እዋንና ሕብረተሰብ ሓሴትን ተስፋን ኣቕርቡን ቢሎም ብሕዝብን ብመንግስትን ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጃፓን ዝገበረሎም ኣቀባብላን ዝቐረበሎም እንገዳን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እውን ብልቢ አመስግን ከምዝበሉ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተመሃሮ መንበረ ጥበብ ሶፊያ፡ ሰናይ ንምሕራይ ተመሃሩ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተመሃሮ መንበረ ጥበብ ሶፊያ፡ ሰናይ ንምሕራይ ተመሃሩ
27 November 2019, 10:54