ናይ ር.ሊ.ጳ. ጉዕዞን ምብጻሕን ኣብ ታይላንድ ናይ ሳልሳይ መዓልቲ ወዕሎ ብሓጺሩ

ንመንእሰያት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ብዝለገስዎ ስብከት ናይ ታይላንድ ሓዋርያዊ ዑደቶም ዛዚሞም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ባንግኮክ ብምእታው ኣብ ታይላንድ ናይ ዘካይድዎ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደቶ ዛዚሞም ናብ ጃፓን ንተመሳሳሊ ሓዋርያዊ ዑደት ከምዝነቐሉን፡ ካብዚ ኣስዒብና ናይ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ታይላንድ ናይ ሳልሳይ መዓልትን ናይ መወዳዕታ መዓልቲ ዕውሎ ዑደቶም ኣብ ታይላንድ ብምስማዐ ርእየት ዝተደገፈ ኣብ ሓደ ደቒቕ ዝተጸመረ ናይ ምስማዐ ርእየት ሓበሬታ ነቕርበልኩም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሳልሳይ ውዕሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ታይላንድ ናይ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ውዕሎ፡ ምስ ውሉደ ክህነት ገዳማውያንን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ርክብ ኣካይዶምን ቃለ ምዕዳል ለጊሶምን፡ ድሕሪ እዚ ርክብ’ዚ ምስ ናይ ክቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታይላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ተራኺቦም ቃለ ምዕዳን ምስ ለገሱ፡ ኣብ መንበረ ጥበብ መንበረ ጥበብ ቹላሎንግኮርን ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዕዱማት ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ምስ 18 ኣብ ታይላንድ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ተራኺቦምን ሰላምታ ተለዋዊጦም መደረ ምስ ኣስምዑ፡ ድሕሪ እዚ ርክብ’ዚ ባንግኮክ ናብ ዝርከብ ካቴድራል ዘፍልሰታ ከይዶም ንመንእሰያት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ብዝለገስዎ ስብከት ናይ ታይላንድ ሓዋርያዊ ዑደቶም ዛዚሞም። 

23 November 2019, 09:20