ር.ሊ.ጳ. ኣብ ታይላንድ፡ ሕብረተሰብ ናይ እንገዳ ኣንጠረይናታት የድልዮ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ታይላንድ፡ ሕብረተሰብ ናይ እንገዳ ኣንጠረይናታት የድልዮ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ታይላንድ፡ ሕብረተሰብ ናይ እንገዳ ኣንጠረይናታት የድልዮ

ኣብ ማእከልኩም ንኽርከብን ነዛ ብዘድንቕ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ዕድልቲ ዝዀነት መሬትን ናይ ታይላንድ ኣበው መንፈሳውነትን ምእንጋድን ዝብል ዝንበር ዕሴት ከም ኣብነት ዝጥቀሶ ባህልን ብዘደንቕ ኣገባብ እትዕቅብ ሃገርን ሕዝብን ንኽበጽሕ ዕድል ምርካበይ ሕጉስ እየ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ክልተን ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ ናይ ለይቲ ብናይ ታይላንድ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሸሞንተን ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቃይቕ ኣብ ቤተ ምንግስቲ ታይላንድ ኣብ ዝተገበረሎም ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ናይ ስደተይናታት መሰልን ክብርን ምኽባርን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ሕጻናትን ዝፍጸም ዓመጽ ካብ ሱሩ ንኽመሓው ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ብምሉእ ሓይሊ ጽንዓት የድሊ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቀዳማይ መደረ ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ታይላንድ ቤተ መንግስቲ ምስ በጽሑ ብመራሔ መንግስቲ ጀነራል ፕራዩት ቻን ኦቻ ኣቀባብላ ተገይርሎምን ንኽብሮም ናይ ቤተ መንግስቲ ክቡር ዘበዐይና ሰላምንታ ምስ ኣቕረበሎም ናይ ሃገረ ቫቲካንን ናይ ታይላንድን ሰንደቓዊ መዝሙር ምስ ተሰምዔ ብቐጥታ ኣብ ናይ መራሔ መንግስቲ ናይ ግሊ ቤት ጽሕፈት ናይ ግሊ ክሌኣዊ ርክብ ምስ ኣካየዱ ኣብ ቅዱሳት ሰማዕታት ናብ እተሰምየ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ናብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ በጺሖምን ምስ ናይ ታይላንድ ናይ መንስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ሓለፍትን ኣብ ታይላንድ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንስታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ዓውደ ርክብ፥ ናይ ታይላንድ መራሔ መንግስቲ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ከምዘስምዑን፡ ኣብ ዘስምዖ መደረ ኣብ ታይላንድ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳጳስ ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳማዊ ካልኣይ ምዃኑ ዘኪሮም፡ እቲ ቅዱስነቶም ኣብ ታይላንድ ዘካይድዎ ዘለዎ ምብጻሕ ኣብ ታይላንድ ሲያም መበል 350 ዓመት ቅዋሚ ሓዋርያዊ መስተናብር ምስ ዝበዓለሉ እዋን ዝተተሓሓዘ ብምዃኑ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ እዩ ቢሎም፡ …. ኣብ ታይላንድ ብጠቕላላ 380 ሺሕ ካቶሊካውያን ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ … መራሔ መንግስቲ ኣስዒቦም ኣብ ባንግኮግ ናይ መላእ ሃገራት እስያ ማሕበር ኣብ ቀረባ እዋን ብናይ ታይላንድ መንግስቲ ናይ ኣቦ መንበር ተረይና ስልጣን ተመሪሑ ዘካይዶ ዓውደ ጉባኤ ጠቒሶም፡ እቲ ናይ መላእ ሃገራት እስያ ማሕበር ራእይ ምስ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ራእይ ዝሰማማዕ ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለ ዘነቓቕሕ ምዃኑ ብሰፊሕ ከዝገለጻ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ቅዱስነቶም ድሕሪ ንኽብሮም ዝቐረበ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም መደረ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥

ታይላንድ ናይ ህብረ ባህልነትን ናጽነትን ተምሳሌት እያ

ኣብ ማእከልኩም ንኽርከብን ነዛ ብዘድንቕ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ዕድልቲ ዝዀነት መሬትን ናይ ታይላንድ ኣበው መንፈሳውነትን ምእንጋድን ዝብል ዝንበር ዕሴት ከም ኣብነት ዝጥቀሶ ባህልን ብዘደንቕ ኣገባብ እትዕቅብ ሃገርን ሕዝብን ንኽበጽሕ ዕድል ምርካበይ ሕጉስ እየ፡   

ምስ ናይ ታይላንድ ንጉስ ራማ ዓስራይን መንግስትን ሕዝብን ምስ ናይ ታይላንድ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ልዑል ፓትሪያርክ  ኣብ ታይላንድ ምስ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካንን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ሓለፍትን ንኽራኸቡ ሕጉስ ምዃኖም ገሊጾም፡ ዓውሎማነት ኣብ ኤኮኖምን ቁጠባን ጥራሕ ዘተኰረ ምስ ዝኸውን ጽባቔን ናይ ሕዝቢ መንፈስን እዩ ዝሓክኽ፡ ምእንቲ እዚ እቲ ኣብ ታይላንድ ዝቖመ ናይ ስነ ምግባርን ማሕበራውን ዝነኣድ እዩ፡ እዛ መሬት ከም ስማ ናጽነት ዝብል መጸውዕ ዘለዋ ከምዝኸነትን፡ እዚ ዅሉ ናብቲ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዘሰንይ ክኸውን ከምእተላበዉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ካምፓኒለ ኣስዒበን፡

እንገዳን ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ክብሪ ምኽባርን

ቅዱስነቶም ናይ ታይላንድ ኣአንጋዲ ባህሊ ኣድኒቖም፡ ብዙሓት ዝተሰዱን ዝተመዛበሉን ሕዝብታት እተአንግድ ሃገር ምዃና ገሊጾም፡ ነዚ ግምት ብምሃብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ናይ ስደተይናታትን ተመዘበልትን ጸገማት መፍትሒ ንኽረብ ብሓላፍነትን ንርሑቕ ዝኣመተን መራሓ ግብሪ መሰረት ውሑስን ሕጋውን ስደተይናነት ክውን ኣብ ምግባር ክዓዪ ሓደራ ክብሉ እንከለዉ፡

ኣብ እንነብሮ ዘሎና እዋን ናይ ብዙሓት ደቀንስትዮን ሕጻናትን ስቓይን መቑሰልትን፡ ኣደዳ ዓመጽ ዝዀኑን ንዝተፈላለየ ናይ ምዝመዛ ዓመጽ ዝተቓልዑ እናሓስብ፡ መንግስቲ ታይላንድን ካልኦት ዝተፈላለያ ናይ ሰብኣዊ ማሕበራት እውን እዚ ዓመጽ እዚ ንኽውገድን ካብ ስሩ ንኽመሓውን ኣብ ታይላንድ ዝገብር ዘሎ ጻዕሪ አደንቕ፡

ከምዝበሉን ኣተሓሒዞም እውን ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕጻናትን በጽሒ ወለዶን መሰልን ክብርን ውሳኔ ዘኪሮም፡ ናይ ሕጻናት ዜጋታት መሰልን ኣካላውን ኣእምሮኣውን መንፈሳውን መዕበያን ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰሎምን ውሑስ ክኸውን ሓደራ ቢሎም፡ እቶም ኣብቲ ዓውደ ርክብ ንዝተረኽቡ ኵሎም ኣብ ፍትሕን ምትሕብባርን ሕውነታዊ ስኒትን ዝጸንዔ ናይ ኣሕዛብ ኵለንተናዊ ምዕባለ ክረጋግጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣበራቲዖም ክዓዩ ዓዲሞም፡ ንናይ ሕዝብና መጻኢ እነካይዶ ጻዕሪ ምስቲ ኣብ ሰብኣዊ ክብሪ ዝጸንዔ ናይ ደቅና መጻኢ ውሑስ ኣብ ምግባር ምስ እነካይዶ ጻዕሪ ዝተጣመረ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ታይላንድ፡ ሕብረተሰብ ናይ እንገዳ ኣንጠረይናታት የድልዮ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ታይላንድ፡ ሕብረተሰብ ናይ እንገዳ ኣንጠረይናታት የድልዮ
22 November 2019, 09:02