ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኣንጐላ ርእሰ ብሔርን ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኣንጐላ ርእሰ ብሔርን 

ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኣንጐላ ርእሰ ብሔርን

ቫቲካን ብክልቴኣተን ሃገራት ዝተፈረመ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዘማእከለ ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዱን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ንናይ ረፓብሊካዊት ኣንጐላ ርእሰ ብሔር ዥዋው ማኑኤል ጎንካልቨስ ሎውረንሶ ተቀቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ኣብቲ ርክብ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበር ኣንጐላን ዘሎ ሰናይ ርክብን ግደ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ኣንጐላን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጽፍሕታትን ህልው ኩነታት ኣንጐላን ከይዲ ምዕባሌታትን ኣብ ዕቃበ ሰላማዊ ኩነትን ዝብሉ ነጥብታት ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኣንጐላ ራእሰ ብሔር ዥዋው ማኑአል ጐንሳልቨስ ሎውረንሶ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ተፋነዉ፡ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሮም ማኑኤል ዶሚንጎስ ኣጉስቶ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሚሮስላው ስታኒስላው ዋቾዊስኪ ከምእተራኸቡን፡ ብጠቕላላ ኣብቶም ዝተኻየዱ ርክባት፡ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኣንጐላን ዘሎ ርክብ ሰናይን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣንጐላ እተበርክቶ ዓቢይ ግደ ብወገን መንግስቲ ኣንጐላ ከምእተነኣደን፡ ብፍላይ እቲ ዕለት 13 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብክልቴኣተን ሃገራት ዝተፈረመ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዘማእከለ ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዱን፡ ኣብ ኣንጐላ ምዕባለ ዝድግፍን ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰላም ንምዕቃብን ዝግበሩ ጻዕራት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ እውን ከምእተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኣንጐላ ርእሰ ብሔርን
13 November 2019, 17:49