ቀንዲ ተዋሳኢ ስብከተ ወንጌል መንፈስ ቅዱስ እዩ! ር.ሊ.ጳ

‘ፊልጶስ ድማ ናብ ሓንቲ ኸተማ ሰማርያ ወሪዱ ብዛዕባ ክርስቶስ ሰበኸሎም። ካብ ብዙሓት ሰባት ርኹሳት መናፍስቲ ብብርቱዕ ድምጺ እናጨርሑ ይወጹን፡ ብዙሓት ምልቡሳትን ሓንካሳትን ድማ ይሓይውን ስለዝነበሩስ፡ እቶም ህዝቢ ነቲ ፊልጶስ ዝገበሮ ዝነበረ ተአምራት ብምርኣይን ብኃባር ናብቲ ዘረባኡ የቕልቡ ነበሩ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ኸኣ ዓብይ ታሕጓስ ኮነ።’ (ግሐ 8.5-8)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን!  ደሓንዶ ሓዲርኩ!

ድሕሪ ሰማዕትነት ቅዱስ እስጢፋኖስ ጒዕዞ ቃል ኣምላኽ ቊሩብ ብማእሰርቲ ዝተጠቅዔት ትመስል። ኣብ ግሐ 8.1 ‘በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣብ ልዕሊ ወያ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤተ ክርስትያን ከቢድ ስደት ተላዕለ’ ይብል። ነዚ ስዒቢ ከኣ ሓዋርያት ኣብ ኢየሩሳሌም እንክተርፉ ብዙሓት ክርስትያን ግን ኣብ ካልእ ቦታታት ይሁዳን ሰማርያን ፋሕ ብትን በሉ።

ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሓዋርያት ስደት ዳርጋ መዓልታዊ ተርእዮ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ከምቲ መምህሮም ኢየሱስ ኣቀዲሙ ‘ንዓይ እንተደኣ ኣሳዲዶም ንዓኹም እውን ከሳድዱኹም እዮም’ (ዮሐ 15,20) ዝበሎ ኮነ። ኰይኑ ግን ስደት ክንዲ ነቲ ሓዊ ስብከተወንጌል ዘቅሕሞ እኳ ደኣ ከበራትዖ ኣጸቢቁ ከምዝሰፍሕን ገበሮ።

ክንበብ ኣብ ዝሰማዕናዮ ቃል ኣምላኽ ፊሊፖስ ኣብ ከተማ ሰማርያ ስብከተወንጌል ይጅምር ብዙሕ ምልክታት ሓራ ምውጻእ ካብ ኣጋንንትን ምፍዋስን ነቲ ስብከተ ወንጌል የሰንዮ ነበረ። ኣብዛ ነጥቢ እዚኣ መንፈስ ቅዱስ ሓዲስ ምዕራፍ ስብከተ ወንጌል ይጅምር። ንፊሊጶስ ከኣ ሓደ ወጻእተኛ ብክፉት ልቢ ንእግዚኣአብሔር ናብ ዝደሊ ይልእኮ። ፊሊጶስ ብኡ ንብኡ ተንሲኡ ብሓንቲ ሓደገኛ ዝኾነት ኣብ ምድረበዳ ዘላ መንገዲ ይጐዓዝ ሓደ ኣሰናዩ ናይ ንግሥቲ ኢትዮጵያ ይረክብ። ኣመሓዳሪ መዝገባ ዝነበረ እዩ። እዚ ሕጽው ሰብ እዚ ኣብ ኢየሩሳሌም ንመንፈሳዊ ንግደት ሥርዓተ ኣምልኾን ፈጺሙ ንዓዱ ገጹ ይምለስ ነበረ። ቀናእ ኣማኒ ኣይሁዳዊ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ነበረ። ኣብ ሓንቲ ሰረገላ ተቀሚጡ ከኣ ካብ ትንቢት ኢሳያስ ነቲ ብራብዓይ ቅኔ ዝፍለጥ ‘ኣገልጋሊ ጐይታ’ ዝብል የንብብ ነበረ።

ፊሊፖስ ናብቲ ሰረገላ ይጽጋዕ እሞ ‘ነዚ ተንብቦ ዘሎኻ ትርድኦዶ ኣሎኻ!’ (ግሐ 8.30) ቢሉ ይሓቶ። እቲ ኢትዮጵያዊ ‘ዚፈትሓለይ እንተደኣ ዘይረኺበስ ከመይ ቢለ ክርድኦ’ በሎ። እቲ ኩሉ ዝፈልጥን ኩሉ ዝመልኽን ዝመስሎ ዝነበረ ሰብ ንቃል ኣምላኽ ክርዳእ ሓገዝ ከምዘድልዮ ይርዳእ። ሚኒስተር ቊጠባ ናይታ ንግሥቲ ዓቢ ክኢላ እዩ ነሩ። ናይ ገንዘብ ሥልጣን ነበሮ ኰይኑ ግን ንቃል ኣምላኽ ብዘይ መግለጺ ክርድኦ ከምዘይክእል ይፈልጥ ነበረ። ብሓቂ ትሑት ሰብ ነበረ።

እዚ ኣብ መንጎ ፍሊጶስን ኢትዮጵያውን ዝተኻየደ ዘተ ንቃል ኣምላኽ ምንባብ ጥራይ እኹል ከምዘይኮነ ከም እነስተንትን ኣብ ርእሲ ምግባሩ ንሓቀኛ ትርጉም ቅዱስ መጽሓፍ ነቲ ጽማቚ ናቱ ክንዮ እቲ ተንብቦ ንምርዳእ ንኩሉ ንዘንቀሳቅስ መንፈስ ቅዱስ ምውካሱ የድሊ። ከምቲ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ መኽፈቲ ሲኖዶስ ቃል ኣምላኽ ‘ትርጓሜ ቅዱስ መጽሓፍ ሓቀኛ ንባብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣንቢብካ ናይ ምኽኣል ጉዳይ ጥራይ ዘይኮነ ምንቅስቃስ ህላዌየይ ዝትንክፍ እዩ’ ዝበልዎ እዩ ነገሩ። ኣብ ቃል ኣምላኽ ምጥላቅ ማለት ካብ ገዛእ ርእስኻን ካብ ድሩትነትካን ወጺእካ ነቲ ሕያው ቃል እግዚኣአብሔር ኣብ ዝኾነ ክርስቶስ ክትራክብን ምሳኡ ክትወሃሃድን የድሊ።

ነዚ ቃል ኣምላኽ ዘንብብ ዝነበረ ቀንዲ ረዳኢ ዋና ተዋሳኢኸስ እቲ ነቲ ቃል ኣምላኽ ዝፈትሓሉ ፊሊጶስ ከምዘመልክቶ እቲ ትሑት ዝሳቀ ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ነቶም ክፉእ ዝገበርዎ ብክፍኣት ዘይምልስ ኣብ መወዳእታ ብኩሉ ዝፈሸለን መኻንን እንክመስል ኣብ ፍጻሜ ንሕዝቢ ሓርነት ኣልቢሱ ካብ ኢንታኡ ኣንጺሑ ፍረ እግዚአብሔር ዘምጽእ እቲ ፊሊጶስን መላእ ቤተክርስትያንን ዝሰብክዎ ዝነበሩ ክርስቶስ እዩ። ብፋሲካኡ ንዓና ንኩልና ኣድሒኑና። ኣብ መወዳእታ እቲ ኢትዮጵያዊ ንክርስቶስ ይፈልጦ ብኡ ንብኡ ከኣ ብስም ኢየሱስ ክጥመቅ ይሓትት። እዚ ዛንታ እዚ ደጋጊምካ ክተንብቦ ክንደይ ይጥዕም ከመይ እቲ ዝደፍእ መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ ፍሊጶስ ነዚ ሰብኣይ ኣብ በረኻ ንክረኽቦ ይልእኽ። ናብታ ሰረገላ ንክጽጋዕ ዝደፋፍእ እውን መን እዩ እንተበልና መንፈስ ቅዱስ እዩ።  ናይ ስብከተ ወንጌል ቀንዲ ተዋሳኢኸስ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ምናልባት ሓደ ናባይ መጺኡ ኣባቴ ኣነ ናብ ስብከተወንጌል ክ ወፍር እየ እንተደኣ ኢሉኒ ሓራይ እንታይ ክትገብር ኢኻ ኢለ ምስ ዝሓቶ ‘ዋእ ንወንጌል እሰብኽ! ኢየሱስ መን ምዃኑ አዘንቱ! ንሰባት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ምዃኑ ከረድኦም እጽዕር’ ይብለኒ። ኣነኸኣ ክቡርይ ሓወይ እዚ ስብከተወንጌል ኣይኮነን! እዚ ምስዳዕ እምነትካ ምውዕዋዕ እዩ! ስብከተወንጌልሲ መንፈስ ቅዱስ ክመርሓካ ምፍቃድ ንሱ ንክትሰብኽ ክደፋፍኣካ ምጽባይ ብምስክርነት ሕይወትካ ምስባኽ ነዚ ከኣ ብሰማዕትነት ከይተርፈ ክትገብሮ ብቃልካ እውን ይከኣል እብሎ።

ፍሊጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ ምስቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ምስ ኣራኸቦ ማለት እቲ ኢትዮጵያ ዘንብቦ ዝነበረ ትንቢት ብዛዕባ እቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ምዃኑ ተረዲኡ ይረኽቦ ከኣ ብድሕርዚ ፊሊጶስ ብመንፈስ ይውሰድ ካልእ ሥራሕ ክገብር ይለኣኽ። ቀንዲ ተዋሳኢ ስብከተ ወንጌል መንፈስ ቅዱስ እዩ ክብል ጸኒሔ ኣብዚ ተመርኲሰ ንስኻ ክርስትያን ምዃንካ ሰባኺ ወንጌል ምዃንካ እንታይ እዩ ምልክቱ ኢልና እንተሓቲትና መልሱ ዓቢይ ታሕጓስ ኰይኑ ሰማዕትነት እውን ኣሎ። ፍሊጶስ ብታሕጓስ ተመሊኡ ናብ ካልእ ወገን ወንጌል ክሰብኽ ከይዱ።

መንፈስ ቅዱስ ንኩሎም ዝተጠምቁ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሰበኽቲ ወንጌል ኰይኖም ንካልኦት ናብኦም ዘይኮነ ናብ ክርስቶስ ከምዝሰሓቡ ንሥራሕ እግዚኣአብሔር ልቦም ዝኸፍቱ ንኻልኦት ሓራ ዘውጽኡን ኣብ ቅድሚ ጐይታ ሓላፍነቶም ዝለብሱን ይግበሮም። እግዚአብሔር ይሃበለይ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
02 October 2019, 13:15