2019.10.08 ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ሰራፊጝ ፈርናንደስ ደ ኣራውዦ 2019.10.08 ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ሰራፊጝ ፈርናንደስ ደ ኣራውዦ  

ተለግራም መግለጺ ሓዘን ር.ሊ.ጳ ንዕረፍቲ ብ.ካ.ሰራፊጝ ፈርናንደሽ ደ ኣራውዦ

ሊቀ ጳጳሳት በሎ ሆሪዞንተ ሃገር ብራዚል ነበር ብፁዕ ካርዲናል ሰራፊም ፈርናንደስ ደ ኣራውኾ ትማሊ ንግሆ ኣብ መበል 95 ዓመቶም ዓሪፎም። ብሞት ብፁዕነቶም ነፍሰኄር ካርዲናል ኣራውኾ ቊጽሪ ካርዲናላት 224 ኮይኑ ካብዚኦም 127 ር.ሊ.ጳ ክመርጹን ክምረጹን ዝኽእሉ 97 ከኣ ብገደም ዕደመ ክመርጹ ዘይክእሉ እዮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሞት ብፁዕነቶም ምስ ሰምዑ ነታ ሓደ ካብ ጓሶታ ዝሰኣነት መንበረ ሊቀ ጵጵስና በሎ ሆሪዞንት ናይ ጽንዓት ይሃብኩም ተለግራም ከምዝለኣኹን፡ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ብዝምልከት ከኣ ‘ንቤተክርስትያን ብዓቢ መንፈሳዊ ቅንዓት ዘገልገሉ ብዓቢ ስብከተወንጌላዊ ወኒ ከኣ ፍቅሪ ክርስቶስን ፍቅሪ ቤተክርስትያንን ከምዝድንፍዕ ዝገብሩ ነበሩ’ ክብሉ ዘኪሮሞም።

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ሰራፊጝ ፈርናንደስ ደ ኣራውዦ ብዕለት 13 ነሓሰ 1924 ዓም ኣብ ከተማ ሚናሽ ኖቫሽ ትበሃል ሰበኻ ኣራስዋኢ ሃገረ ብራዚል ተወልዱ። ካብ 16 ኣሕዋት በዂሪ ነበሩ። ኩሉ ዘድሊ ትምህርትን መጽናዕትን ምስ ፈጸሙ ብ1945 ኣብ መካነ ጥበብ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ዪኒቨስቲ ግረጎርያን ዝለዓለ ትምህርቲ ምስ ፈጸሙ ብዕለት 12 መጋቢት 1949 መዓርገ ክህነት ተቀቢሎም። ብ1951 ንሃገሮም ተመሊሶም ክሳብ 1956 ኣብ ዝተፈላለያ ቊምስናታት ምስ ኣገልግሉ ብድሕሪኡ መምህር ሕገ ቀኖናን ቀጺሎም ዋና ሓላፊ ናይ ትምህርተ ክርስቶስን መምህር ትምህርተ ክርስቶስን ክሳብ 1959 መሃሩ። ብ1959 ሓጋዚ ጳጳስ ሥዩመ ጳጳስ ዘቨሪኖፖሊ ኮይኖም ተሾሙ።

ብ1960 ዓም ሓላፊ ዪኒቨርሲቲ ካቶሊካ ኮኑ ካብ 1962-1965 ከኣ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንሃገረ ብራዚል ወኪሎም ካብ ዝተሳተፉ ናይ መጨረሻ ኣቦ እዮም። ኣብ ብዙሕ ጉባኤታት ተሳተፉ ብ21 የካቲት 1998 ካርዲናል ተሾሙ ካብ 2004 ንደሓር ግን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በሎ ሆሪዞንት ኮኑ።

ቅዱስነቶም ንሞት ብፁዕነቶም ብዓቢይ ሓዘን ከምዝሰምዖ ዝገለጹሉ ናይ ሓዘን ተለግራም ናብ ፕረሲደንት ሃገራዊ ረኪበ ጳጳሳት ብራዚልን ሊቀጳጳሳት በሎ ሆሪዞንትን ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ዋልሞር ኦሊቨይራ ደ ኣዘቨዶ ዝተጻሕፈ እንክኸውን ብጸሎት ቅርበቶም ከምዝገለጹ ምናዳ ኸኣ ንቤተሰብ ነፍሰኄርን ምእመናንን ኣብዚ ግዜ ሓዘን ኣብ ጐድኖም ከምዘለው ገሊጾም። ንነፍሲ ነፍሰኄር ከኣ ናብ ምሕረት እግዚኣአብሔር ኣማዕቊቦም ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮ ኣገልግሎቶም ብምዝካርን ፍልይ ብዝበለ ከኣ ኣብ ጉባኤ ካልኣይ ቫቲካን ንዘበርከትዎ ብምዝካር ‘‘ንቤተክርስትያን ብዓቢ መንፈሳዊ ቅንዓት ዘገልገሉ ብዓቢ ስብከተወንጌላዊ ወኒ ከኣ ፍቅሪ ክርስቶስን ፍቅሪ ቤተክርስትያንን ከምዝድንፍዕ ዝገብሩ ነበሩ’ ክብሩ ገሊጾም ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ለጊሶም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

11 October 2019, 19:21