ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ጉጅለ ደቀባት ኣማዞን፥ ወንጌል ክብህትልው ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ጉጅለ ደቀባት ኣማዞን፥ ወንጌል ክብህትልው 

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ጉጅለ ደቀባት ኣማዞን፥ ወንጌል ክብህትልው

ኣብ ከባቢ ኣማዞን ናይ ሓባር ቤትና ካብ ምክንኻንን ክንክን ሃብቲ ማያትን ክንክን ምህዳር ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ምስግጋር ርጉእን ፍሱሕን ሕይወት ዝጽግው ምዃኑ ዝመያየጥን

ዕለት 17 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ ኣማዞናውያን ደቀባት ወኪሉ ምስ ዝሳተፉ ዘሎ ጉጅለ ልኡካን ደቀባት ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ማተዮ ብሩኒ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ስዓት ሰለስተን ፈረቓን ምስቶም ኣብቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ዘሎ ሲኖዶስ ንከባቢ ኣማዞን ደቀባት ወኪሎም ንዛተ ዘለዉ ኣርብዓ ዝግመቱ ልኡካን ጉጅለ ደቀባት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ብሩኒ ኣስዒቦም፡ ነታ ጉጅለ ደቀባት ዘሰነዩ ናይ ፖርቶ ቨሎ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሮከ ፓሎስኪን ብብፁዕ ካርዲናል ክላውዶዮ ሁመስ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ ዝተኻየደ ርክብ፡ ነታ ጉጅለ ደቀባት ወኪልም ብዘስምዕዎ ሓጺር መደረ ተበጊሱን፡ ኣብቲ ዘስምዕዎ መደረ፡ ቅዱስነቶም ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ሲኖዶስ ስለ ዝጸውዑ ንቕዱስነቶም ኣመስጊኖም፡ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ናይ ሓባር ቤትና ካብ ምክንኻንን ክንክን ሃብቲ ማያትን ክንክን ምህዳር ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ምስግጋር ርጉእን ፍሱሕን ሕይወት ዝጽግው ምዃኑ ዝመያየጥን ነዚ ዘረጋግጽን ሲኖዶስ እዩ ቢሎም፡ ቅዱስነቶም ንዘነቓቕሕዎ ዘለዉ ኵለንተናዊ ምህዳር ከምዘመስገኑ ኣፍሊጦም።

ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ዝቐረበ ናይቲ ርክብ መኽፈቲ ሓጸርቲ መደረ ኣስዒቦም፡ ወንጌል ልክዕ ከም ሓደ ዘርኢ እዩ፡ ናብ መሬት ወዲቑ ዝዓብይን ዝፈርይን፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣገባባት ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓደገይና እዩ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ስሙ ከምዝሕብሮ ኣሉታዊ እዩ፡ ነቲ ጥንታዊ ኣብ ኣይሁዳዊ መሬት ንዝተወልደን ናብ ግሪከ ላቲናዊ ዓለም ዝሰፍሔን ዝማዕበለን ናብ ካልእ ከባቢ ዓለም፥ ናብ ስላቫውን ምስራቓውን መሬት ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካን ዝበጽሐ ናይ ቀዳማይ ዘመን ክርስትና እናሓሰቡ፥ ሕዝብታት እቲ ናይ ኢየሱስ ብስራት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ባህልታት እዮም ዝቕበልዎ ስለዚህ ወንጌል ክብህልወት ኣለዎ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ብሩኒ ሓቢሮም።

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ጉጅለ ደቀባት ኣማዞን፥ ወንጌል ክብህትልው
18 October 2019, 16:07