ድለ

ጻማ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ቡልጋሪያን ሰሜን መቄዶኒያን ጻማ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ቡልጋሪያን ሰሜን መቄዶኒያን 

ጻማ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ቡልጋሪያን ሰሜን መቄዶኒያን

ብፁዕነቶም ብኣካል ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 2 መስከረም 2019 ዓ.ም. ተረኺቦምን ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገጸ በረኸት ከምዘቕረቡሎም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቡላጋሪያን ሰሜን መቄዶኒያን ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ዝትርኽ መድብላዊ መጽሓፍ ኣብ ቡልጋሪያ ርእሰ ከተማ ሶፊያ ብወግዒ ከምዝቐረበን፡ ነዚ ንንባብ ዝበቕዔ መጽሓፍ ዘተባብዑ ኣብ ቡልጋሪያን መቄዶኒያን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣንሰልሞ ጉይዶ ፐኮራሪ ክዀኑ እንከለዉ ኣብቲ ነታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘተኻየደ ዓውደ ርክብ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕቲ ዝርከብዎም ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝተፈላለያ ካልኦት ሃይማኖታትን መንፈሳዊ መራሕትን ኣብ ቡልጋሪያ ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ከምእተሳተፉ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓደ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ይኹን ብሔራዊ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ምምላሶም ዝዛዘም ኣይኰነን፡ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ዝዘርእዎ ፍረ፡ ይጥጥዕን ይፈርይን፡ ነባሪ ጻማ የጸግው፡ በዚ መንፈስ እዚ ኣብ ቡልጋሪያን መቄዶኒያን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ኣንሰልሞ ጉይዶ ፐኮራሪ፡ ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ቡልጋሪያን ሰሜን መቄዶኒያን ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ግንቦት ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ዘዘንትውን በሳእል ዝተደገፈን መጽሓፍ ከይኑ ክቐርብ ሓቂኖም ዘካየድዎ ምንቕቓሕ ሰሚሩን እቲ መጽሓፍ ብወግዒ ንንባብ ንንባብ ቅድሚ ምቕራቡ፡ ብፁዕነቶም ብኣካል ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 2 መስከረም 2019 ዓ.ም. ተረኺቦምን ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገጸ በረኸት ከምዘቕረቡሎም ክዝከር እንከሎ፡ ናይታ መጽሓፍ ኣወሃሃዲ ቡልጋሪያዊ ናይ ስነ ታሪኽ ሊቅ ኪሪል ካርታሎፍ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብታ መጽሓፍ ዝርከቡ ኣሳእል ናይቲ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ክፍሊ ኣገልግሎት ቤተ ስእሊ ዘቕረቦ ክኸውን እንከሎ፡ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. እታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዘተኻየደ ዓውደ ርክብ፥

እቲ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ርክብ ዘለዎ ክብሪ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቡልጋሪያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምስ ናይ ቡልጋሪያ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘካየድዎ ርክብ ኣማእኪሎም ኣባ ኣንገል ኣንገሎቭን ዲያቆን ኢቫን ኢቫኖቭን ሰፊሕ መብርሂ ከምዝሃብሉን፡ ብኻልእ መዳይ እውን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ኣብ ቡልጋሪያ መንፍሳዊ መራሕቲ ማለት፡ ኣብ ሶፊያ ምስ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ሙፍቲን ምስ ናይ ቡልጋሪያ ናይ ኣይሁድ እምነት ሰዓብቲ ማሕበረሰብን ዘካየድዎ ርክብ ዘለዎ ዓቢይ ክብሪ እውን በተን ናይተን ክልተ ሃይማኖታት ኣብ ቡልጋሪያ ላዕለዎት መንፍሳዊ መራሕቲ ከምእተሓበረን፡ ኣብ ቡልጋሪያ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንስታትን፡ ምስ ናይ መንግስቲ ቡልጋሪያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ ርክባት ጉዳይ ሓላፍን ዘካየድዎ ርክብን ናይ ራኮቭስኪ ከንቲባ ዘቕረብዎ ጽሑፍን፡ ኣብ ቡልጋሪያ ናይ ፍራንቸስካውያን ዘቅዱስ ልቢ ማሕበር ደናግል ወኪለን እናቴ ኤልካ ስታነቫ ቅዱስነቶም ኣብ ቡልጋሪያ ምስ ገዳማውያንን ውሉደ ክህነት ዘካየድዎ ርክብ ኣማእኪለን ዝሃባሉ ትንተናን፡ ኣብ ቡልጋሪያ ናይ ስክይፕጀን ናይ ስትሩሚቻ ኤፓርቅና ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኪሮ ስቶያኖቭ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቡልጋሪያ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ን 245 ሕጻናት ናይ መጀመርታ ቅዱስ ቁርባን ከምዝሰርዑን ዘዘኻኽርን ነዚ ኣማእኪሎም ዘቕረብዎ ጽሑፍን ዘጠቓለለ መጽሓፍ ክኸውን እንከሎ፡

ኣብ ኣናስርካ ዝጸንዔ ምጥማት ንቕድሚት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቡልጋሪያን ሰሜን መቄዶኒያን ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ ኣዋን ዘሰነይዎም ኣብቲ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ምኽትል ኣሰናዳኢ ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ዘቕረብዎ ናይታ መጽሓፍ መሰረታዊ መልእኽቱ ናይቲ መጽሓፍ ሓደ ክፍሊ ክኸውን እንክሎ ብፍላይ ቅዱስነቶም ኣብ ኣናስርካ ጸኒዕካ ምጥማት ንቕድሚት የድሊ ዝበለዎ ሓሳብ ብሰፊሕ ኣብሪሆም እቲ ኣብተን ክልተ ሃገራት ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ዘተን ሰላምን ምትሕብባርን ዘመላኽት እውን ምዃኑ ይገልጹ።

ዕለት 2 መስከረም 2019 ዓ.ም. ብፁዕ ኣቡነ ፐኮራሪ እታ መጽሓፍ ንቕዱስነቶም ከምዝለገሱን

እቲ ነታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ሶፊያ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ኣብ ቡልጋሪያን መቄዶኒያን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ፐኮራሪ ብዘስሞዎ መደረ ከምእተዛዘመን፡ ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ እዛ መጽሓፍ ብወግዒ ንንባብ ቅድሚ ምቕራባ ዕለት 2 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንቕዱስ ኣቦና ከምዝለገሱሎም፡ ቅዱስነቶም እውን ኣድናቖቶም ከምዝገለጹ ሓቢሮም፡ እታ መጽሓፍ ንመላእ ቁምስናታት ኣብ ቡልጋሪያን ሰሜን መቄዶኒያን ክትዕደልን ናይቲ ቅዱስነቶም ኣብተን ክልተ ሃገራት ዘካየድዎ ምብጽሕ ዝትርኽ ካብ ናይ 2019 ዓ.ም. እዋን ሓጋይ ዝተበገሰ ስእላዊ ትርኢት እውን ይቕጽል ኣሎ እንክብሉ ከምዘዘኻኸሩ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ጻማ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ቡልጋሪያን ሰሜን መቄዶኒያን
23 October 2019, 16:47