ር.ሊ.ጳ. ካብ ኣሲዚ ዝመጸ ፈልሲ ኦም ኮርችያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ተኺሎም

እቲ ስነ ስርዓት ተኸላ ፈልሲ ኦም ኮርችያ፡ እቲ ሲኖዶስ ክቕደስ ንኣማላድነት ቅዱስ ፍራቸስኮ ሓደራ ንምባል ብዝዓረገ ጸሎት ከምእተዛዘመን፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ተኸላን ጸሎትን ናይ ከባቢ ኣማዞን ቀዳሞት ተወለድትን ኣብቲ ከባቢ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መራሕትን ከምእተሳተፉ

ዕለት 4 ጥቅምቲ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራቸስኮ ዘኣሲዚ ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ኣሲዚ ዝመጸ ፈልሲ ኦም ኮርችያ (ዝበ) ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽትሊ ስፍራ ተኺሎም፡ እዚ ፈልሲ ኦም ተኸላ ንኵለንተናዊ ምህዳር ጭቡጥ ወስታ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ስነ ስርዓት ተኸላ ፈልሲ ኦም ነቲ ዕለት 6 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝክፈት ዛዕባ ኣማዞን ንዝመክር ሲኖዶስ እግዚኣብሔር ክቕድሶ ንኣማላድነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ሓደራ ንምሃብ ዝብልን ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ዘጠቕልል ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብፍላይ እዚ እዋን’ዚ መላእ ቤተ ክርስቲያን ስለ ናይ ሓባር ቤትና - ተፈጥሮ ክጽለይ ኣብ ዘተባብዕሉ እዋንን ናይ ዘፍጥረት ግዜን እቲ ዛዕባ ኣማዞን ንኽመክር ዝጸውዕዎን ዕለት 6 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝኽፈት ሲኖዶስ ዘለዎ ኣገዳስነት ንምሕባርን ኣብ ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን እቲ ሲኖዶስ እውን ንገዛእ ርእሱ ቅዱስ ፍራቸስኮ ኣብነት ዝገበረ ክኸውን ዘተሓሳስብ እዩ።

እቲ ስነ ስርዓት ተኸላ ፈልሲ ኦም ኮርችያ፡ እቲ ሲኖዶስ ክቕደስ ንኣማላድነት ቅዱስ ፍራቸስኮ ሓደራ ንምባል ብዝዓረገ ጸሎት ከምእተዛዘመን፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ተኸላን ጸሎትን ናይ ከባቢ ኣማዞን ቀዳሞት ተወለድትን ኣብቲ ከባቢ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መራሕትን ከምእተሳተፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እዚ መደብ’ዚ ፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሓውን ናይ መላእ ከባቢ ኣምዞን መርበባዊ ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበርን ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ክንክን ከባቢ ኣየርን ዘነቓቕሖ ከምዝዀነ ኣፍሊጡ።

ናይ 2019 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ጥቅምቲ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ቅድም ቀዳድም ዛዕባ እቲ ኣማዞን ዝመክር ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ንኽኽፈት ክልተ መዓልቲ ኣብ ዝተረፈሉ እዋን ዝበዓልን ናይቲ ካብ ዕለት 1 ክመስከረም ዝብገስ ናይ ዘፍጥረት መርሓ ግዜ መዛዘሚ ዕለት 4 ጥቅምቲ ብምዃኑን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ናይ ምህዳር ሓላዊ ቅዱስ ተባሂሉ ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተሰመየሉ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ንኽበዓል ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ሰነ 2014 ዓ.ም. ምእንቲ ምንቕቓሕ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ እስራኤል ርእሰ ብሔር ሺሞን ፐረስን ናይ ፍልስጥኤም ብሔራዊ መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ርእሰ ብሔር ኣቡ ማዘንን ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዓዲሞም ብሓባር ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ተኸላ ኦም ከምዝፈጸሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ካብ ኣሲዚ ዝመጸ ፈልሲ ኦም ኮርችያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ተኺሎም
04 October 2019, 18:04