ር.ሊ.ጳ. ናይ ልኡካነ ወንጌላውነት ሕልና ንምንቕቓሕ ኩሉ ንኽጽልይ ይዕድሙ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ፍሉይ ናይ ተልእዀ ወንጌል ወርሒ ኰይኑ ክበዓልን ክሕሰብን ምእንቲ ተልእዀ ወንጌል ክጽለን፡ ካቶሊካውያን ኵሎም ኢየሱስ ሞይቱን ካብ ሞት ተንሲኡን ዝብል ብድሆ ብትብዓት ንኽገጥሙን ብዘመሓላለዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ጻዕዊት ኣቕሪቦም፡ ካቶሊካውያን ምእመናን ብጸሎት ነቶም ኣብ ዓለም ኣዚዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ ብድሆታት ንኽገጥሙ፡ ንናይ ቤተ ክርስትያን ወንጌላዊ ልኡኽነት ንጥፈት ሓድሽ ድርዀት ምንቕቓሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ሓቢሮም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ዘሰናድዎን ብኣኡ እውን ከምእተዘርገሔን፡ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ፍልዩ ናይ ተልእዀ ወንጌል ወርሒ ንኸውን ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ቅድሚ 100 ዓመት በነዲክቶስ መበል 15 እቲ ዝለዓለ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘነቓቕሕዎ ወንጌላውነትን፡ ኣብታ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊት ምዕዳኖም ዘስፈርዎ ሓሳብን መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ወርሒ ተልእዀ ወንጌል፥ ተጠምቁን ተለኣዅን፡ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ልእኽቲ ወንጌል እያ ብዝብል እርእስቲ ዝተመርሔ ኰይኑ፡ ግብረ ተልእዀ ወንጌል ናይ ኵሉ ቤተ ክርስቲያን ዕዮ መርኣያ ምዃኑ ዝምስከረሉ ወርሒ እውን ከምዝዀነ ክፍለጥ እንከሎ፡

ኢየሱስ ሞይቱን ተንሲኡን ዝብል ናይ ብስራተ ወንጌል ብድሆ ንምግጣም ሎሚ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ወንጌላዊ ልኡኽነት ንጥፈታት ሓድሽ ድርኺት ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብቲ ወሰናስን ከተማታትናን ህልውናን ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለምን ባህላውን ሃይማኖታውን ሰብኣውን መሓድሮን ናብተን ንወንጌል ወጻእተያን ንዝዀና ሃይማኖታትን ወንጌል ምብጻሕ ቅዋሜ ናይቲ ናብ ኣሕዛብ ዝብል ተልእዀ እዩ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ሕመረት ጸሎት እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምስጢረ ጥምቀት ንዝተቐበሉን ካብ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ንዝተላእኩን ኵሎም ሓድሽ ናይ ተልእዀ ወንጌል ጽድያ መንፈስ ቅዱስ መታን ከነቓቕሕ ዝጽለየሉ ፍልዩ ናይ ተልእዀ ወንጌል ወርሒ እዩ፡   

እንክብሉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ይሕብሩ።

ር.ሊ.ጳ. ናይ ልኡካነ ወንጌላውነት ሕልና ንምንቕቓሕ ኩሉ ንኽጽልይ ይዕድሙ
01 October 2019, 17:54