ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅድስቲ ማርያም ዘኣፓረሲዳ ንህዝቢ ብራዚል ተሰንይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅድስቲ ማርያም ዘኣፓረሲዳ ንህዝቢ ብራዚል ተሰንይ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅድስቲ ማርያም ዘኣፓረሲዳ ንህዝቢ ብራዚል ተሰንይ

እዛ ቅድስቲ እኖ ንሕዝቢ ብራዚል ኣብ ናይ ሰላምን ሓሴትን ፍትሕን ጉዕዞኡ ከተሰንዮ

ዕለት 12 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ሲኖዶስ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ እዋን ዕረፍቲ ዕለት 12 ጥቅምቲ ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘኣፓረሲዳ ሓላዊት ቅድስቲ ብራዚል ምዃና ዘኪሮም ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ትሕትቲ ድንግል ማርያም ዘኣፓረሲዳ ንሕዝበ ብራዚል ከተሰንይ ተማሕጺኖም፡ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓላ ናብ ብራዚል እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡

ሓላዊት ቅድስቲ ብራዚል

ብራዚል እታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ብራዚላዊ ሓላዊት ዝዀነ ናይ መላእ ሃገርን ሕዝብን ብራዚል ሓላዊት ቅድስቲ ማርያም ዘኣፓረሲዳ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ኣፓረሲዳ ኣብ ዝርከብ ቅድስተ ማርያም ዘኣፓረሲዳ ቅዱስ ስፍራ ምብጻሕ ኣካይዶም ከምዝነበሩ ዘኪሮም፡ እዛ ቅድስቲ እኖ ንሕዝቢ ብራዚል ኣብ ናይ ሰላምን ሓሴትን ፍትሕን ጉዕዞኡ ከተሰንዮ ተማሕጺኖም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ፖለቲካውን ማሕበራውን ምህዳራውን መደብ ምዕባለን ናጽነትን ዘጋጥም ውስንነት ኣማላድነትኪ ንጽልይ ከምዝበሉ ዝሓበረ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ካብ ኢጣሊያ ወጻኢ ንፈለማ ግዜ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ብራዚል ብምኽንያት እቲ ኣብ ብራዚል ዝተኻየደ መበል 28 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣካይዶም ኣብ ቅዱስ ስፍራ ቅድስተ ማርያም ዘኣፓረሲዳ ንግደት ፈጺሞም ቅድስተ ማርያም ዘኣፓረሲዳ ንመላእ ብራዚል ረብሓ ጸጋታትት ካብ ምሕረት እግዚኣብሔር ክውሕዝ በማላድነታ ጸሎት ኣዕሪጐም ከምዝነበሩ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅድስቲ ማርያም ዘኣፓረሲዳ ንህዝቢ ብራዚል ተሰንይ
12 October 2019, 18:36