ድለ

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ

ነቲ ምስ መግቢ ተተሓሒዙ ዝተኣታተው ጸገም ኵሉ ንምብዳህ እንኽተሎ ኣገባብን ተግባራትናን ምልዋጥ የድሊ፡ መሬት ብእትህቦ ምህርቲ እንነብር ብምዃንና፡ እቲ መሬት እተቕርበልና ጸጋታት ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ ኣጠቓቕማኡ ልዝቡነትን ይኣኽለኒ ምባልን ዝፈልጡ ኰይንና ክንርከብ

ብምኽንያት እቲ ዕለት 16 ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግባውነት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብሃብቲ ንምድላብ ኣብ ምጉያይ ናይ ድኻታት ዕለታዊ እንጌራ ነባኽን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ምስ ገዛእ ርእስና ምስ ኣሕዋትናን ምስ ከባቢናን ጥዑይ ርክብ መታን ክህልወና ተራን ብዓቐን ምንባርን ናብ ዝብል ኣገባብ ሕይወት ንመለስ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ እዋናዊ ዓለም’ዚ  ንዅሉ ዝኣክል መግቢ እናሃለው ብዙሓት ብጥምየት ክሳቐዩ ምርኣይን ኣብ ገለ ገለ ካባቢ ዓለም መግቢ ክባኽንን ክጓሓፍን ቀጥዒ ኣልቦ ቀረብ መግብን ወይ ከኣ መግቢ ንመግባውነት ዘይኰነስ ንኻልእ ዕላማ ክውዕል ምርኣይ ብሓቂ ጭካኔን ኢፍትሓውን ስግንጢራዊን እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት እቲ ተግባራትና መጻኢና እዩ፡ ጥዑይ መግባውነት ንዓለም፡ ባዶ ጥምየት ብዝብል መርሕ ቃል ዕለት 16 ጥቅምቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ነቲ ናይቶም ብስእነት መግብን ጥምየትን ዝሳቐዩ ናይ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ገዓር ዝመዓራረይ መልሲ ምሃብ ዝብል ውሳኔ እነስተንትነሉን እንዓየሉ እዋን ይኹን ከምዝበሉ ካፐሊ ሓቢረን፡

መግቢ ንዅሉ ንምብጻሕ ዘብቅዕ መትረብ

ኣብዚ 820 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ብስእነት መግቢ ኣብ ዝሳቐይሉ ዘሎ እዋን ልዕሊ 700 ሚሊዮን ዝግመቱ ብዝተጋገየ ናይ ኣመጋባ ኣገባብ ምኽንያ ብግዝፊ ሰብነት ከምዝሳቐዩ ይንገር። እቲ ጉጉይ ናይ ኣጠቓቕማ መግባውነት ስልቲ ዝስዕብ ሕዝቢ ዘጋንፎ ጸገም ብትሑት እቶት ኣብ ዝመሓደራ ሃገራት እውን ይተኣታተው ኣሎ። እቲ መጠን ኣልቦ ኣገባብ ኣመጋግባ ኣብ ጥዕና ዝተፈላለዩ ጸገማት እውን የስዕብ ከዘምዘሎን፡ ብፍላይ ሸውሃት ኣልቦነት ድዩ ኣልቦ ርውየትን ዝብሉ ጠቒሶም፡ መግቢ ንዅሉ ብምጻሕን ትኽክለይና ናይ ኣመጋግባ ስልቲ ምስዓብን ንሰብኣዊ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘጥዕይ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፡

ኣገባብ ሕይወት ምቕያር

ነቲ ምስ መግቢ ተተሓሒዙ ዝተኣታተው ጸገም ኵሉ ንምብዳህ እንኽተሎ ኣገባብን ተግባራትናን ምልዋጥ የድሊ፡ መሬት ብእትህቦ ምህርቲ እንነብር ብምዃንና፡ እቲ መሬት እተቕርበልና ጸጋታት ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ ኣጠቓቕማኡ ልዝቡነትን ይኣኽለኒ ምባልን ዝፈልጡ ኰይንና ክንርከብ ይግባእ፡ ስለዚህ ርእሰ ምቁጽጻርን ምትሕብባርን ዝብሉ ንታሪኽ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘሰነዩ ዕሴታት ዳግማይ ምብርባርን ምንባር የድሊ፡ ተራን ብዓቐን ምንባርን፡ እቲ ጥምየትን ስእነት መግብን ዘስፍሕ ውልቃውነት ኣነነት ዘማእከለን ማሕብራዊ ኢማዕርነት ዘስፍሕ ዓይነት ኣነባብራን ዝወልድ ኩሉ ኵሉ ዓይነት ኣገባብ ምውጋድ ወሳኒ እዩ፡ ምስ ገዛእ ርእስናን ኣሕዋትናን ከባቢናን ጥዑይ ርክብ ንኽህልወና ዝድርኽ ኣገባብ ሕይወት ንንበር ከምዝበሉ ገሊጸን።

ስድራ ቤት ሓድሽ ኣገባብ ሕይወት ኣትመሃረሉ ስፍራ እዩ

ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ሓልዮ ውድብ፡ ንናይ ገጠራት ኣባይቲ ስድራ ኣብ ምድጋፍን ሓድሽ ዓይነት ኣገባብ ሕርሻ ኣብ ምንቕቓሕ ዘበርክቶ ግደ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ኣብ ስድራ ቤትን ንናይ ደቀንስትዮ ኣስተውዕሎን ንኣደኣዊ መንፈስ ምስጋና እውን ይኹን ብዘይ ምዕማጽ መሬት ኣተቕርቦ ምህርቲ ብግቡእ ንምጥቓምን ንናይ ገዛእ ርእስኻን ናይ ማሕበራዊ ሕይወትን ንምክንኻን ዘብቅዕ ኣገባብ ሕይወት ካብኣተን ክንመሃርን ከነስፍሕን ሓደራ።

ዕዳጋ ዘይኰነ ሰብ ምምእካል

ናይ ዕዳጋ ኣመክንዮን መኽሰብን ጥራሕ ዝብል ኣመለኻኽታ ክሳብ ዘሎን፡ በዚ ኣመለኻኽታ እዚ ክሳብ እንምራሕን መግቢ ናይ ንግድ ኣቕሓ ገርካ ጥራሕ ክሕሰብን ንመደለቢ ሃብቲ ገንዘብን ተገይሩ ክሳብ ዝሕሰብን ንጸረ ስእነት መግብን ንጸረ ጥምየትን ጸረ ዘይተመጣጠነ መግብን እነካይዶ ቃልሲ ኵሉ ዘይብቝዕ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ፡ ብዛዕባ ሰብን ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ብጥምየት ዝሳቐን ብስእነት መግቢ ዝጥቃዕን ምሕሳብን ምሕላይን ናይ ሰብእዊ ረድኤትን ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ምዕባለን ውጽኢታዊ ንኽኸውን የብቅዕ፡ እቲ እነዋህልሎን እነባኽኖን ናይ ድኻታት እንገራ ከምዝዀነ ክርሳዕ የብሉን እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መእኽቲ ከምዘጠቓለሉ በነደታ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ
17 October 2019, 17:30