ር.ሊ.ጳጳሳት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ቱስክ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ር.ሊ.ጳጳሳት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ቱስክ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ 

ር.ሊ.ጳጳሳት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ቱስክ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ

ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምድግጋፍ ዝጸንዔ ጽኑዕን ሰላማውን ናይቶም ነቲ ሕብረት ዘቑማ ሃገራት ሕዝቢ መንነተት ዘኽብር ውህደት ክረጋገጽ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እተበርክቶ ኣስተዋጽኦ ዝነኣድ

ዕለት 5 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 11.00 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሓዋርያዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ዶናልድ ቱስክ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ቱስክ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቀዳማይ ምስ ቅዱስ ኣቦናን ስዒቡ እውን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣብ መንጐ ሕብረት ኤውሮጳን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ሰናይ ክሌእዊ ርክብን፡ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምድግጋፍ ዝጸንዔ ጽኑዕን ሰላማውን ናይቶም ነቲ ሕብረት ዘቑማ ሃገራት ሕዝቢ መንነተት ዘኽብር ውህደት ክረጋገጽ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እተበርክቶ ኣስተዋጽኦ ዝነኣድ እውን ምዃኑ ከምእተመልከተን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣገደስቲ ዓለም ለኻውን ክፍለ ዓለማውን ጸኣት ስደተይናታትን ኣብ ዝምልከቱ ርእሰ ጉዳያት እውን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ከምእተኻየደ የመልክት።

ር.ሊ.ጳጳሳት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ቱስክ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ
05 October 2019, 18:22