ር.ሊ.ጳ. ንደናግል ማሕበር ኢየሱስ ማርያም፥ ንዓለም በዕይንቲ እግዚኣብሔር ጠምታ ር.ሊ.ጳ. ንደናግል ማሕበር ኢየሱስ ማርያም፥ ንዓለም በዕይንቲ እግዚኣብሔር ጠምታ 

ር.ሊ.ጳ. ንደናግል ማሕበር ኢየሱስ ማርያም፥ ንዓለም በዕይንቲ እግዚኣብሔር ጠምታ

ሕይወት ኣብ ጐደና ሕውነትን ተሓባባርነትን ተጓዓዚ ምግባር የድሊ፡ ርክባት ኣብ ወንጌላውነት

ዕለት 5 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ መበል 37 ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበር ደናግል ኢየሱስ ማርያም ንዝሳተፋ ተጋባእያን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፡ ከምቲ ቅድስቲ ክላውዲና ተቨነት ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምርኻብ እትፍጽሞ ዝነበረት ኣገልግሎት ኣብነት ገይርክን ኣብ እትፍጽምኦ ኣገልግሎት ተበራትዓ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣመደኦ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ክላውዲና ተቨነት ኣብ 1774 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ከተማ ሊዮን ብንግዲ ሞያ ካብ እተመሓደር ስድራ ዝተወልደት ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ኣብቲ እዋን ናይ ዝነበረ ናይ ፈረንሳ ሶውራ ኪደታቱ ናይ ዝፈጠሮ ኩሉ ተዋስኦ ምዕራፋት ልክዕ ከም ናይ እዋና መንእሰያት ፈረንሳ ዝተመከረትን፡ ክልተ ኣሕዋታ ብፍርዲ ሞት ዝሰኣነትን ድሕሪ እቲ ናይ ፍረንሳ ሶውራ ንኢየሱስን ማርያምን ዘለዋ ፍቕሪ ንድኻታት ኣሕዋትን ኣሓትን ንክትድግፍ ከምዝደራኻን፡ ኣብ 1818 ዓ.ም. ምስ ሓንቲ ናይ ጉልበት ሰራሕተይንን ሓንቲ ዘኽታምን ሓደ ኣላምን ብሓባር ኣብ ሓንቲ ትሕቲ ቤት ክነብራ ጀሚረን፡ ኣብታ ቤት ክትነብር ዝጀመረትላ ዕለት ነቲ ሎሚ ኢየሱስ ማርማያም ማሕበር ደናግል ኣናስር እዩ፡ እቲ ማሕበር ደናግል፡ ሓልዮ ሕንጸት ንድኻታት መንእሰያትን ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ምግልጋል ዝብል ኰይኑ፡ ሎሚ እዚ ማሕበር ደናግል’ዚ ኣብ ኣርባዕተ ክፍለ ዓለምን ኣብ 28 ሃገራት ዘገልግልን ከምዝዀነ ቅዱስነቶም ኣዘኻኺሮም፡ ነተን ደናግል፥

መሰኻኽር ሓልዮት እግዚኣብሔር

ቅድም ቀዳድም መሳኻኽር ምሕረት እግዚኣብሔር ኵኑ፡ እዚ ናይ ቅድስቲ ክላውዲና ተቨነት ተመክሮ እውን እዩ፡ ለዋህን መሓርን እግዚኣብሔር፡ ክልተ ኣሕዋተን ብፍርዲ ሞት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ዝበደሉና ይቕረ ከምእንብል ንዝበደልናካ ይቐረ በለልና ዝበልዎ እዚ ምሕረት እግዚኣብሔር እዚ ኣብ ሕይወት ተቨነት ዓቢይ ምልዋጥ ዝፈጠረ እዩ ንስኻትን ኣባላት እዚ ማሕበር’ዚ፡ በዚ መንጽር ምሕረት ንኣተካይድኦ ኣኼባ ኣንብባን ሕይወትክንን ኣገልግሎትክንን ጸዋዕታኽንን ብኣኡ ተመልከታ፡ ንዓለም በዕይንትኽን ዘይኰነ በዕይንቲ እግዚኣብሔር ኣብ ምጥማት ትግሃ፡ ከም ማርያም ብጐይታ ንኽንጥመት እንፈቅድ እንተድኣ ኰይና ነገራት ኵሉ በዕይንት እግዚኣብሔር ክንጥምት ኢና ከምዝበሉ ሎሞናኰ ገሊጾም።

ሕውነታውን ተሓባባርን ህይወት

ሕይወት ኣብ ጐደና ሕውነትን ተሓባባርነትን ተጓዓዚ ምግባር የድሊ፡ ርክባት ኣብ ወንጌላውነት፡ ርካባት ኵሉ ምስ እንውንግሎ ኣብ እንነብረሉ ዓለም ኣብ ሕውነታውነት ዝጸንዔ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንፍጽም፡ ዝፍጸም ወንጌላዊ ኣገልግሎት ኩሉ ጭቡጥ ስለ ዝኸውን ንዅሉ ተላገብ ይኸውን፡ እዚ ብዙሓት ህይወቶም ነንገልግሎት ወንጌል ነኸወፍዩ የነቓሕ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፡ ኣብ ማሕበርክን ሕውነታውን ማሕበራውን ሕይወት ከይዝንጋዕ ሓደራ፡ እዚ ከምቲ ናይቲ ማሕበር መስራቲት፥ ፍቕሪ ናይ የዕንትኽን መንጽር ምግባር ቢላ ብዝገለጸቶ ኣገባብ ዝንበር ክኸውን ኣለዎ፡

ልልያን ሰገር ምንቃል

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃል መዕዳን፡ ነተን ደናግል ኣብ ልልያ ነቒሔን ሰገር ከብላን፡ እግዚኣብሔር ኣብ ምውጻእ ናብ ዓለም ይኣትውን ንሰብኣዊ ፍጥረት ይቕበልን፡ ሰገር ንምባል ልልያ ወሳኒ እዩ፡ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣነቕርቦ ኣገልግሎትን ፍቕርን ኩሉ መንፈስ ቕዱስ ዝድርዀ መታን ክኸውን ካብ ልልያ ዝነቐለ ይዅን፡ ነቲ እግዚኣብሔር ሎሚ ዘቕርቦ ሕቶ መልሲ ንምሃብ መታን ክትኽእላ ልልያ ግበራን ተጸባጸባን እግዚኣብሔር ዝደልዮ ኣለልያን ጸልያን፡ ቢሎም፡ እንነብረሉ ዓለም ሓደስቲ መጋበርያታት ንኣስፍሆተ ወንጌልን ንተልእዀ ወንጌል ዝሓትት እዩ፡ እዚ ግና ኣብ በይናውነት ዘይኰነ ብሓባራውነት፡ በይናውነት ኣልቦ መጻኢ እዩ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ንዓለም በዕይንቲ እግዚኣብሔር ጠምታ
05 October 2019, 18:18