2019.09.11 Logo del Consiglio delle Conferenze Episcopali d'Europa (CCEE) 2019.09.11 Logo del Consiglio delle Conferenze Episcopali d'Europa (CCEE) 

ር.ሊ.ጳ. ንጳጳሳት ኤውሮጳ፥ ንጸረ ኵሉ ዓይነት ኣቑሳል ንምብዳህ ፍቕሪ ምሕያል

ካብቶም ብዙሓት ክርስቲያን ክስዕቦ ዘለዎ መገድታት እቲ መሰረታዊ መገዲ ፍቕሪ እዩ፡ እዚ ነቲ ምግምማዕን ምንጽጻግን ምቅውዋምን ዝፍውስ ፍቕሪ እዩ

ኤውሮጳ፥ ኣብ ትንሳኤ? ናይ ተስፋ ምልክታ ብዝብል ኣርእስቲ ንኽመክር ኣብ ስፐይን ከተማ ሳንትያጐ ደ ኮምፖስተላ ካብ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ንዝተኣከበ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብስም ናይቲ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣብቲ ናይ ምግምማዕን ግርጭትን ምስሓሓባትን ፍቱን ፈውሲ ኣብ ዝኰነ ፍቕሪ ተበዓት ኵኑ፡ ንሓድሽ ሰብኣውነት ኣብ ኤውሮጳ ጻዕርታትኵም ኣሐይሉ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣይ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መልእኽቶም ናይቲ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ሕብረት መርሕ ቃል ጠቒሶም፡ እቲ ጥንታዊ ክፍለ ዓለም ነቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ነዘጥፈኦ መሊሱ መታን ክረክብ ኣብ ዘኽእሎ መገዲ ንኽጓዓዝ ዝትዅቱኽ መርሕ ቃል እዩ፡ ስለዚህ ናይ ተስፋን ሓድሽ ሕይወትን ዝዀኑ ምልክታ ከናድዩ ሓደራ ቢሎም፡ እቶም ምልክታ ኣብ ዓበይቲ ፍጻሜታት ጥራሕ ዘይኰነ ኣብቶም ዘይርአዩ ዝመስሉ ብዙሕ ግዜ ንኡሳንን ሸለል እንብሎምን ከነቃልበሎምን፡ ኣብ ስቓይን ድኽነትን ብፍላይ ኣብ ህሙማንን እሱራትን ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ባህላዊ ጻዕርታትን ብፍላይ ኣብ ሕንጸት ነቶም ናይ ኤውሮጳ መጻኢ ኣብ ዝዀኑ ሕጻናት ዝረአይ ምልክታ እዩ።

ፍቕሪ ንክርስቲያን መሰረታዊ መገዲ እዩ

ቅዱስነቶም ካብቶም ብዙሓት ክርስቲያን ክስዕቦ ዘለዎ መገድታት እቲ መሰረታዊ መገዲ ፍቕሪ እዩ፡ እዚ ነቲ ምግምማዕን ምንጽጻግን ምቅውዋምን ዝፍውስ ፍቕሪ እዩ፡ ፍቕሪ ማለት ነቲ ካልእ ሰብ ሰብ ከም ምዃኑ ምጥማትን ኣብ ዝደልዮ ምድጋፉን ከምቲ ኢየሱስ፥ ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ ተቐበልኩምኒ። ዐሪቀ ከደንኩምኒ። ሐሚመ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ መጻእኩምኒ። ዝብሎ፡ ፍቕሪ ርህው ይገብር ንኸተስተንፍስ የብቅዓካ።

እዚ እዋን እዚ ሕዝበይተይናውነት ዝሰፍሓሉን ልቢ ንዘይከፍት ፈላላይ መናድቕ ንምቛም ዘጋራጨዉ ነገራት ጥራሕ ዝድለየሉ ኰይኑ ኣሎ፡ … ፍቕሪ ንማንም ሰብ ኣይትቃወምን፡ ድኻታት ዘድልዮም ክንራይ ዝገብረና እዩ፡ …

ኤውርጳ ዳግም ንምሕናጽ ዕዮታት ምሕዳስ

ናይ እምነት ምስክርነት መጋበርያ መስድዒ ሃይማኖት ዘይኰነስ ናይቲ ዝማርኽ ዝሓለፈ ንድፊ መልሲ ዘየቕርብ ንናይ መንፈስ ቅዱስ ሕዳሴ ክፉታት ካብ ምዃን ዝነቅል ምስክርነት ንኽንበር ኣተሓሳሲቦም፡ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተኣከበሉ ስፍራ ንናይ ኤውሮጳ ሃይማኖታውን ባህላውን ሓድነት ዓቢይ ትእምርቲ ምዃኑ ገሊጾም፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1999 ዓ.ም.  ምስ ቅዱስ በነዲክቶስ በዓል ኖርቻን ቅዱሳት ቀርሎስን መጠዲዮስን ናይ ኤውሮጳ ሓለውቲ ቅዱሳን ንኽዀና ብሓባር ናይ ኤውሮጳ ሓለውቲ ቅዱሳን ቢሎም ዝሰመይወን ቅድስቲ ብሪጊታ በዓልቲ ሽወደንን ካተሪና ዘሲየናን ቅድስቲ ተረዛ በነደታ ዘመስቀልን ከም ኣብነት ኣቕሪቦም፡ እዘን ሰለስተ ዓበይቲ ቅዱሳት ናይቲ ንሕብረተሰብ መሰረት ዝዀነ ኣብ ቤተ ሰብ ናይ ዝተነብረ ፍቕሪ ኣብነት እያተን፡ … ኣብ ቅድሚ እቲ ዝቖሰለን ዝጠፍኤን ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሉን ዘተሓረገን ኣብራኸኻ ዓጺፍካ ዘድልዮ ኰይንካ ናይ ምርኻብ ኣብነት እያተን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ከምቲ እተን ቅዱሳት ዝገበረኦ ጻዕሪ ናታ ገይራ ዳግም ክትሕነጽ ከምእተላበዉ ሰፒያ ገሊጸን።

ሓደ ሓድሽ ሰብኣውነት

ናይ ዘተን ውህደትን ኵላውነትን ነቲ ኤውሮጳ ዘለዋ ክብሩ ዝዀነ ባህላ ዝመዓራረይ ክብሪ ናይ ምሃብ ብቕዓት ዘለዎ ሓደሽ ሰብኣውነት ምሕናጽ የድሊ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ሓድሽ ሰብኣውነት’ዚ ዳግም ዝተሓንጸት ናይ ሕዝብታት ስድራ ቤት ዝዀነትን ናይ ተስፋ መሬትን ሕይወትን ሰብኣዊ ክብርን መሰልን እትኸላኸልን ስድራ ቤት እተነቓቕሕን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰረታውያን መሰላትን ክብርን ዝኽበረላ ኤውሮጳ ተላብዮም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ሰፒያ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ንጳጳሳት ኤውሮጳ፥ ንጸረ ኵሉ ዓይነት ኣቑሳል ንምብዳህ ፍቕሪ ምሕያል
04 October 2019, 18:10