ር.ሊ.ጳ.፥ ጸሎት ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ቤተ ክርስቲያን እስትንፋስ እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ ጸሎት ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ቤተ ክርስቲያን እስትንፋስ እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ጸሎት ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ቤተ ክርስቲያን እስትንፋስ እዩ

ሓድሽ ሕይወት እግዚኣብሔር ኣብ ምስጢረ ጥምቀት ዝጽግወና እዩ፡ ምስቲ ዝነበረ ሕይወት ክነጻጸር እንከሎ ካልእ ሕይወት ብምዃኑ እዩ፡ ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት። እዚ እዩ ኢየሱስ ዝዓደለና ዓቢይ ህያብ። ኣብ ናይ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ፍቕሪ ሱታፌ ዘለዎ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዛዕባ ጸሎት ኣማእኪሎም ዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርትን ምዕዳንን ስብከታትን ጸሎት፡ ናይ ሓድሽ ሕይወት እስትንፋስ እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ጸሎት ኣብ ሕይወት ክርስቲያን ዘለዎ ልዑል ግደ ዘብርህ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ መጽሓፍ ኣብ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ኣብዝ ዝካየድ ዘሎ ናይ መጽሓፍ ዓውደ ምርኢት ከምዝቐረበን ናይዛ መጽሓፍ መቕድም ብናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ዝተደርሰ ክኸውን እንከሎ፡ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ክቐርብ ምዃኑ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እስተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጠ ኣብ ናይ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ሕትመቱ ንንባ ኣብ ዘብቅዖ ጽማሬ ናይታ መጽሓፍ ኣተሓሒዙ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምስጢረ ጥምቀት ፈላሚ ሓድሽ ሕይወት እዩ፡ ሓድሽ ሕይወት ማለት ንገዛእ ርእሱ እንታይ ማለት እዩ? እቲ ካብ ምስጢረ ጥምቀት ዝጽገው ሓድሽ ሕይወት፡ ካብ ሓደ ከተማ ናብ ካልእ ከተማ ወይ ውን ካብ ሓደ ስራሕ ናብ ካልእ ስራሕ ምቅያር፡ ሓድሽ ሕይወት ጀምሪ ቢልካ እትገልጾ ሓድሽ ሕይወት ማለት ኣይኰነን፡ ብርግጽ ኣብዚ ዓይነት ምቅያር፡ ብዙሕ ሓድሽ ነገር ኣሎ፡ ንጽቡቕ ይዅን ንዝኸፍኤ፡ ኣዚዩ ዝምስጥ ወይ ውን ዘድኽም ሕይወት ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ ምስ ኵነታትን ምስ መሳርሕትን ሓድሽ ምፍላጥን ሓድሽ ቤትን ምስ ሓድሽ ክፍሊት ደሞዝን ሓድሽ ዕርክነትን ዝተተሓሓዘ እዩ፡  ቅድም ይዅን ደሓር እታ ሕይወት ግና ንሳ እያ።

ሓድሽ ሕይወት ብምስጢረ ጥምቀት፡ ፍልይ ዝበለ እዩ፡ ዘይተሓሰበ ዓቢይ ለውጢ ዘስዕብ፡ ስምዒታትና ኵሉ ዝልውጥ፡ ንጭቡጥ ኩነት ኣብ እንህቦ ንባብ ይኹን ትርጉም ኵሉ ሰረታዊ ለውጢ ዘስዕብ፡ ተዋረድ ደረጃ ዕሴታት ከተስተውዕል ዘብቅዕ እዩ። ድላይ ስልጣንን ሞያዊ ዕብየትን ዝኣመሰሉ ምቅይያራት ካብ ምሕሳብ ሕይወትካ ህያብ ምዃኑ ንካልኦት እውን ህያብ ምዃኑ ተስተውዕል፡ ናይ ፍቕሪ ጽባቄ ተስተውዕል ሓዳርን ስድራ ቤትን ንምምስራት ዝብል ዘይነበረካ ሃረርታ ክትሰምዕ ትጅምር፡ ጽባቔ ሕይወት ከተስተማቕር ትጅምር፡ እዚ ምስቲ ኵሉ ሕይወት ከስዕቦ ዝኽእል ተመክሮ ማለት እዩ።

እዞም ዝተጠቕሱ ዓበይቲ ለውጥታት፥ ተቐይሮታት እያቶም፡ ለወጥን ምቅያርን ዝተፈላለዩ እያቶም፡ ስለዚህ ብዙሕ እውን ክንዛረብ እንከለና ኣብ ሕይወትና ዘጋጠሙና ዓበይቲ ኵነታት ንገልጽ፡ ብተመስጦ ነዘንትዎ፡ ንኣብነት ዝስምዓና ሓጐስ ድዩ ወይ ውይ ጥዕና ብኣሃዛዊ ደረጃ ዝግለጽ ምቅያር ኰይኑ ይቐርብ፡ እዚ ግና ካብ ናይ ሕይወት መሰረታዊ ለውጢ ዝተፈልየ እዩ።

እቲ ብጸጋ ጥምቀት እንዕደሎ ሓድሽ ሕይወት፡ ሕይወትና ምስ ዝሓለፈ ብምንጽጻር ዝግለጽ ሓዳሴ ኣይኰነን፡ ሓድሽ ማለት ናይ ቀረባ እዋን ማለት ኣይኰነን … ስለዚህ ምምሕያሽ ማለት ዘይኰነስ ለውጢ ማለት እዩ፡ ዝተለወጠ ሕይወት።

ሕይወት እግዚኣብሔር ሱታፌ እዩ

ቅዱስ ጳውሎስ ኣኣብ መልእኽታቱ ዝገልጾ ሓድሽ ሕይወት ምስ ናይ ኢየሱስ ሓድሽ ትእዛዝ ዝተኣሳሰረ እዩ ንሓድሕድኩም
ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ
(ዮሓ. 13.34)፡ ንሓድሽ ወይኒ .. (ማር. 2,22) ሓድሽ ማህሌት (ራእይ. 5,9 ረአ) ምስ ስነ ፍጻሜ ዝተተሓዘ እውን ይኸውን። ሓድሽ ሕይወት፡ ምስ ዝሓለፈን ዘሎን ሕይወት ወይ ከኣ ምስ ምውላድን ሙሟትን ዝተተሓሓዘ እይኰነን፡ ኢየሱስ ሓደ ካባና ዘይኰነስ ሓደ ከማና እዩ ዝኸነ፡ ሕይወትና ብሉጽን ምቁርን ዘለኣለማውን ንኽትከውን ዝገብር፡ … ሕይወት … ብምልኣትውን (ፍድፋደ ሕይወት) (ዮሓ. 10.10 ረአ)… እዩ።

እዚ እዩ እቲ ሓድሽ ሕይወት እግዚኣብሔር ኣብ ምስጢረ ጥምቀት ዝጽግወና እዩ፡ ምስቲ ዝነበረ ሕይወት ክነጻጸር እንከሎ ካልእ ሕይወት ብምዃኑ እዩ፡ ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት። እዚ እዩ ኢየሱስ ዝዓደለና ዓቢይ ህያብ። ኣብ ናይ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ፍቕሪ ሱታፌ ዘለዎ ሕይወት። … ሓድሽ ሕይወት ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት እዩ፡ ንዓና ዝተጸገወ።

ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ማሕበረ ክርስቲያን ነዚ ዓቢይ ጸጋ’ዚ ብምስልን ትእምርትን ክገልጽዎ ፈቲኖም እዮም። … ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 17 ፍቕዲ 3 ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ፡ ሓቀይና ሕይወት ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብን ኣብ ምርኻብን፡ እግዚኣብሔር ኣብ ምፍላጥን።

ንሓደ ሰብ ምፍላጥን እፈልጦ እየ ክበሃል እንከሎ፡ ናይ ርእሲ ፍልጠት ማለት ኣይኰነን፡ ምፍላጥ ማለት ምፍቃር ማለት እዩ፡ እዚ እዩ እግዚኣብሔር ዝዕድልና ሕይወቱ፡ ድሓር ናትና ዝኸውን ፍቕሪ እዩ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ምስጋና ይዅኖ ዘዕብየና እዩ (ሮሜ 5.5 ረአ)፡ ሓድሽ ሕይወት፡ ኣብ እግዚኣብሔርን ናይ እግዚኣብሔርን ምዃን እዩ፡ ብኣኡን ኣብኡን ናይ ኵሉ ኣካል ምዃን፡ እዚ ኸኣ ንሓድ ሕድ ጸጋ ምዃን ማለት እዩ።

ኣብ መሃልየ መሃልየ ምዕ. 2 ፍቱወይ ናተይ እዩ፡ ኣነውን ናቱ እየ (ፍቕዲ,2) ናይ እግዚኣብሔር ምዃን፡ ሓድሽ ሕይወት፡ እዚ ባዕሉ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 17. ካብ ፍቕዲ 20 ክሳብ 21  ስለቶም ብቓሎም ብኣይ  ዚኣምኑ ድማ እምበር፡ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ ኣንክብሉ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት ዝገለጾ ሕድሽ ሕይወት እዩ፡ ነዚ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕ. 12 ፍቕዲ 27 እምብኣርከስ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም እንክብል ከምዝገልጾ እዩ።

ትእምርተ ኣካል

ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣካለ ሰብነት ናይ ገዛእ ርእሱ ዕማም ዘለዎ እዩ፡ ልብን እስትንፋስን ናይ ሕይወት ሕመረት እያቶም፡ … ስለዚህ ግላውን ማሕበራውን ጸሎት ክርስቲያን እስትንፋስ እዩ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ህርመተ ልቢ እዩ። ኣብ ውሽጣ ዝዓይን ዝምህርን ዝመሃርን … ዝግለጽን።

ጸሎት ንጐይታ እንዅልካ ምባል ማለት እዩ፡ ንፍቕሩ ሕራይ ምባል እዩ፡ ብዘይ ምቁራጽ ነቲ ፍቕሪ ኣብ ዝጽግወናን ንዅሉ ሕይወት ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ምእንጋድ ማለት እዩ።

ቅዱስ ሰራፊን ዘሳሮቭ፡ ዓቢይ ናይ ሩሲያ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መምህር፡ ናይ ክርስትና ሕይወት ፍጻሜ ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ ምርካብ ማለት እዩ፡ ጸሎትን ጸሎተ ዋዜማን ጾምን ምጽዋትን ካልኦት መንፍሳውያን ተግባራት ብስም ክርስቶስ ዝፍጸሙ፡ ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት መርከቢ እያቶም፡ እንክብል ከምዝግልጾ እዩ፡ ምስትንፋስ ብዙሕ እዋን እይተቃልበሉን ኢኻ ይዅን ደኣ እምበር ምስትንፋስ ትቕጽል።

ር.ሊ.ጳ.፥ ጸሎት ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ቤተ ክርስቲያን እስትንፋስ እዩ

 

21 October 2019, 16:56