ር.ሊ.ጳ.፥ ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ልባትና ይልውጥን ምስ ካልኦት ንኽንራኸብ ይድርኸናን

ሳውል ነዲሩን ተቖጢዑን እዩ ዝነበረ፡ ቁጣዐን ምግርጫዋትን ሳውል ንነፍሲ ወከፍና፡ ናይ እምነት ሕይወትና ብኸመይ ንነብሮ ኣሎና ንዝብል ሕቶ መንቀሊ እዩ፡ ንኽራኸብ ድየ ወይ ከኣ ንኽቃወም እየ ናብ ካልኦት ዝብል?

ዕለት 9 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ረብዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝለገሱን ናይቲ ዘቐረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ማእክል እቲ ደሓር ሓዋርያ ጳውሎስ ንምዃን ዝበቕዔ ተክለ ሰብነት ሳውል ዝገበረ፡ ሳውል ምስ ፍቕሪ ክርስቶስ ከምእተራኸበን ካብዚ ርክብ እዚ ዝተዓደሎ ናይ ምልዋጥ ጸጋ ብሰፊሕ ቅድሚ ምትንታኖን፡ ናይ ሳውል ተመክሮ፡ እቲ ልቢ ንምልዋጥ ብቕዓት ዘለዎ ርክብ ክህልወና ንጐይታ ንለምኖ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ካብ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 9 ካብ ፍቕዲ 3-6 ዝተወስደ ምንባብ

3 ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረበ፡ ብድንገት ጸዳል ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያኡ ኣንጸባረቐ። 4 ናብ ምድሪውን ወደቐ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ስለምንታይ ተሳድደኒ ዚብል ድምጺ ኸኣ ሰምዔ። 5 ንሱ ድማ፡ ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧ በለ። ጐይታ ኸኣ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እተሳድዶ ዘሎኻ ኢየሱስ እየ። በሊሕ ነገር እንተረገጽካ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ፡ በሎ። 6 ንሱ ኸኣ ፈሪሑ እናኣንቀጥቀጠ ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣሎኻ፧ በሎ። ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካውን፡ ኣብኡ ኺነግሩኻ እዮም፡ በሎ

ዝብል ቃል ምስ ተነበ፡ እዚ ናይ ሳውል ምልዋጥ ዘዘንትው ኣብ ግብረ ሓዋርያት ተመልኪቱ ዘሎ ቃል፡ ቤተ ክርስቲያን ካብ ጥንቲ ጀሚራ ቅድም እቲ ቤተ ክርስቲያን ዘሳድድ ዝነበረ ደሓር ወንጌል ነሕዛብ ንኸበስር ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር መጋበርያ ዝዀነ ታሪኽ ሳውል እተዘንትዎ እዩ፡ ቅዱስነቶም ነቲ ናይ ዕለት 9 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ምልዋጥ ኣብ ዝብል ቃል ኣማእኪሎም፡ ሳውል ቤተ ክርስቲያን ብምስዳድ ናይ ጐይታ ሕግታት ክጽሕፍ እዩ ዝደልይ ዘነበረ፡ ሳውሎል ኣብ ኣፈት ሞት እዩ ዝነበረ፡ ካባኻትኩም ኣብዚ ጉባኤ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ’ዚ ካብ እተሳደደት ቤተ ክርስቲያን ዝመጻእኩምን ብምልካዊ ስርዓት ድዩ ብኻልእ ዓይነት ስርዓት እውን ስደት ዝተቐበልኩም ትርከቡ ትህልዉ፡፥

መንእሰይ ሳውል ነቕ ዘይብልን ደረቐይናን እይ ዝነበረ፡ ካብቲ ናቱ ኣተሓሳስባ ዝተፈልየ ሓሳብ ዘለዎ ዘይቕበል፡ ናይ ገዛእ ራሱ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን መንነትት ፍጹም ዝብል ኣኽራሪ፡ እቲ ካልእ ካባኻ ዝተፈልየ ክትዋግኦ ዘለካ ጸላኢ ንምዃኑ ዘኽእል ዕቑር ሓይሊ ዘለዎ ገይሩ ዝሓስብ፡ ኣብ ሳውል ሃይማኖት ናብ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ህልዩ ተቐይሩ ከምዝነበረ ነስተውዕል፡

ንኽፍኣት እምበር ንሰብ ኣይትዋጋእ

ምስ ክርስቶስ ምርኻብ፡ ኣብ ሳውል፡ ነቲ ዓለም ዝውንን መንፈስ ክፍኣት እምበር ንሰባት ክትዋጋእ ከምዘይግብኣካ ይሕብር፡ ነቲ ናይ ሰብ ተግባር መገባርያ ክፍኣት ንዝገብር መንፈስ ክፍኣት ምቅዋም እዩ ዘድልይ፥

ሳውል ነዲሩን ተቖጢዑን እዩ ዝነበረ፡ ቁጣዐን ምግርጫዋትን ሳውል ንነፍሲ ወከፍና፡ ናይ እምነት ሕይወትና ብኸመይ ንነብሮ ኣሎና ንዝብል ሕቶ መንቀሊ እዩ፡ ንኽራኸብ ድየ ወይ ከኣ ንኽቃወም እየ ናብ ካልኦት ዝብል? ኣብታ ቅዱሳትን ሓጥኣንን ናይ ዘለውዋ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባል ድየ ወይ ከኣ ናይ ዝመርጽ ህልዩ ኣባል እየ? ንእግዚኣብሔር ድየ ወይ ከኣ ንሃምነናዊ ትምህርቲ እየ ዘምልኽ? ሃይማኖታዊ ሕይወተይ ከመይ እዩ? እቲ ዝናዘዞ ኣብ እግዚኣብሔር ዘሎኒ እምነት ነቲ ካባይ ዝተፈልየ ብምሕዝነት ክቐርብ ወይ ከኣ ጸላኢ ንኽዀውን ዝድርኸኒ እዩ?

ንሓደ ኣባል ቤተ ክርስቲያን ምጥቃዕ ንኽርስቶስ ምጥቃዕ እዩ

እቲ ትንሱእ ጐይታ ምስ ሳውል ልቡ ንኽንክፎ ቢሉ ክራኸቦ እንከሎ፡ እቲ ምርኻብ ዝጸባጸብ ምዃኑ ባዕሉ ክርስቶስ ሳውል ሳውል ስለምንታይ ኢኻ እተሳድደኒ እንክብሉ ኣብ ዘቕርበሉ ሕቶ ነስተውዕል፡

ክርስቶስ ኣብዚ ርክብ’ዚን ኣብ ዘቕርቦ ሕቶን ምስቶም ኣብኡ ዝኣምኑ ሓደ ምዃኑ ይምስክር፡ ንሓደ ኣባል ቤተ ክርስቲያን ምጥቃዕ ማለት ንክርስቶስ ምጥቃዕ ማለት እዩ፡ እቶም ከይንመራሳሕ ዝብሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጭሕጋር ቤተ ክርስቲያን ንጹሓና ዘናድዩ፡ ተጸየፍቲ ንጹሓን በሃልቲ፡ ሃይማኖት ናብ ህልዩ ዝቕይሩ ንኽርስቶስ እዮም ዘጥቕዑ፡

ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ልቢ ይልወጥ

ሳውል በቲ ብጸዳል ብርሃን ካብ ሰማይ ተደጒሑ ካብቱ ብርቱዕን በዓል ስልጣንን ናጻን ዝነበሮ ኩነት፡ ምርኣይ ክሳብ ዝሰኣኖ ድኹም፡ ካልኦት ዘድልይዎም ይኸውን፡ እቲ ምርኻብ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዘሰጋግር እዩ፡ ካብታ ሰዓት እቲኣ ጀሚሩ ኣብ ሕይወት ዘገድሶ ክርስቶስ ጥራሕ ይኽውንን ጥቅምቀት እውን ይቕበል፡ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር፡ ስም እግዚኣብሔር ናብ ኩሉ ዘብጽሕ መጋበርያ ይኸውን፥

ልክዕ ከም ንነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ጥምቀት ንሳውል ናይ ሓደ ሓድሽ ሕይወት ፈላሚ እዩ፡፡ እዚ ሓድሽ ሕይወት’ዚ ንእግዚኣብሔርን ንገዛእ ርእሱን ኣብ ልዕሊ ካልኦትን ዘለዎ ኣመለኻኽታ ዝሕድስ ይኸውን፡ ካልኦት ጸላእቲ ዘይኰኑ ኣብ ክርስቶስ ኣሕዋት ምዃኖም ይፈልጥ። ከም ሳውል ንሕና እውን እዚ ምስቲ ልቢ ካብ እምነ ልቢ ናብ ልበ ስጋ ዝልውጥ ኣብ ሕይወቱ እቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓሳብ ዘእንግድን ናቱ ዝገብርን ክንከውን እግዚኣብሔር ኣቦ ክሕግዘና ንለምኖ!

ቢሎም ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ማሶቲ ገሊጸን። 

ር.ሊ.ጳ.፥ ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ልባትና ይልውጥን ምስ ካልኦት ንኽንራኸብ ይድርኸናን
09 October 2019, 15:12