ወግዓዊ መርሓ ግብሪ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ሃገረ ታይላንድን ጃፓንን ወግዓዊ መርሓ ግብሪ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ሃገረ ታይላንድን ጃፓንን 

ወግዓዊ መርሓ ግብሪ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ሃገረ ታይላንድን ጃፓንን

ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ታይላንድ ጃፓንን ካብ ዕለት 19 ሕዳር ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም.

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 19 ሕዳር ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ታይላንድን ጃፓንንናይ ናይ ዘካይድዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ መርሓ ግብሪታቱ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱነቶም ኣብተን ክልተ ሃገራት ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ዕለት 13 መስከረም 2019 ዓ.ም. ተሓቢሩ ከምዝነበር ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብ ታይላንድ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፡ “ናይ ክርስቶስ ሓዋርያት፡ ሓዋርያት ልኡካነ ወንጌል” ብዝብል ቃል ዝምራህ እዩ፡

ዕለት 19 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልትን ፈረቓን ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ግዝኣተ ንጉስ ታይላንድ ክነቕሉ እዮም። እዚ ምብጻሕ’ዚ ኣብ ሲያም ዝኽሪ መበል 350 ዓመት ቅዋሜ ሓዋርያዊ መስተናብር ዝበዓለሉ ዓመት ብምዃኑ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ እዩ፡ እቲ ሓዋርያዊ መስተናብር ሲያም ኣብ 1669 ዓ.ም. ከምዝቖመ ይዝከር። ነዚ ሓሳብ እዚ እቲ ናይ ቅዱስነቶም ናብ ታይላንድ ናይ ዘካይድዎ ምብጻሕ መለለይ ምስሊ ዝሕብሮ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ታይላንድ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ክበጽሑን ወግዓዊ ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ምስ መራሔ መንግስቲ ግላዊ ርክብ ከካይዱን፡ ምስ ናይታ ሃገር ላዕልዎት ናይ መንግስትን ፖለቲካን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣካላትን ኣብ ታይላንድ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዝተረክብሉ ጉባኤ መደረ ከምስዑን ካብኡ ተሰናቢቶም፡ ምስ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ክቡር ሽማግለ ኣብ ናይ ቡድሃ ቤተ ሃይማኖት ክራኸቡን፡ ኣብ ቤት ሕክምና ቅዱስ ልዊስ ምብጻሕ ከካይዱን፡ ምስ ህሙማን ክራኸቡን ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣምፎርን ንጉሳዊ ሕንጻ ምብጻሕ ካካይዱን ምስ ናይታ ሃገር ንጉስ ማሃ ቫጂራኦንግኮርን ንኽራኸቡ እዮም። ኣብ ብሔራዊ ናይ ስፖርት ሜዳ  መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ኣብ ታይላንድ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳትን ካህናትን ተመሃሮ ዘረኣ ክህነት መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ተራኺቦም ቃለ ምዕዳን ክልግሱን፡ ኣብ ካቴድራል ፍልሰታ ለማርያም ንመንእሰያት ብዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ብዝልግስዎ ስብከትን ናይ ታይላንድ ሓዋርያዊ መገሻኦም ክዛዝሙ ከምዝዀኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ምሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ዕለት 23 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ባንኮክ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ወግዓዊ ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ንኽብሮም ቀሪቡ ናብ ጃፓን ንሓዋርያዊ መገሻ ክነቕሉን ሰዓት ሓሙሽተን ኣርብዓን ደቓይቕ ቶክዮ ኣብ ዝርከብ ሃነዳ መዓርፎ ነፈርቲ ክበጽሑን፡ እቲ “ዝዀነ ይኹን ሕይወት ምክልኻል” ብሓፈሻኡ ሕይወትን ተፈጥሮን ምክልኻል ንዝብል ሓሳብ ዘቃልሕ፡ “ጸሎት ክርስትና ምስ ፍጥረት” መርሕ ቃል ዝገበረ ናይ ጃፓን ሓዋርያዊ መገሻኦም ብወግዒ ክጅምሩን፡ ኣብታ ሃገር ምስ እትርከብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ክራኸቡን፡ ኣብ ናጋሳኪን ሂሮሺማን ምብጻሕ ከካይዱን፡ ዛዕባ ኑከልሳዊ ኣጽዋር ዘማእከለን ሳዕቤናቱን ዘቃልሕ መደረ ከስምዑን፡ ኣብ ናይ ሲሲዛካ ሂል ናይ ቅዱሳት ሰማዕታትን ሓወልቲ ኣብ ዝቖመሉ ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙን ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ምልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ከዕርጉን እዮም። ድሕሪ ምሳሕ፡ ኣብ ናይ ስፖርት ሜዳ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ኣዕረጉ፡ ኣብ ሂሮሺማ ቤተ መዘክር ሰላም መደረ ከስምዑን ነኣማስይኡ ናብ ቶክዮ ክምለሱን ከምዝዀኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ኣብዚ ኣብ ጃፓን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምስ ንጉስ ናሩሂቶም ኣብ ቤተ ንጉስ ክራኸቡን ምስ መንእሰያት ኣብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም ተራኺቦም ቃለ ምዕዳን ክልግሱን፡ ኣብ ቶክዮ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ኣዕረጉ ምስ ናይ ጃፓን መራሔ መንግስት ካራኸቡን ብመራሔ መንግስቲ ተሰንዮም ምስ ናይታ ሃይገር ላዕለዎት ናይ መንግስትን ፖለቲካን ናይ በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ጃፓን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ካንተይ ክራኸቡን መደረ ከስምዑ እዮም።

ናይ ጃፓን ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ መዛዘሚ ዕለት ንጐሆ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣባ ሶፊያ መንበረ ጥበብ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ከዕርጉን ምስ ኣረጋውያንን ህሙማንን ካህናት ምስ ተራኸቡ ኣብኡ ሓጺር መደረ ኣስሚዖን ልክዕ ሰዓት ዓሰርተ ሓደን 35 ደቓይቕ ቶክዮ ካብ ዝርከብ ሃነዳ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ሮማ ክንቕሉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ሃገረ ታይላንድን ጃፓንን
02 October 2019, 17:08